ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቡርኪና ፋሶን ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቡርኪና ፋሶን 

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቡርኪና ፋሶን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ብወገን ቡርኪና ፋሶ ናይታ ሃገር ናይ ወጻእን ምትሕብባርን ጉዳያት ሚኒስተር ኣልፋ ባርይ ናይ ፍርርም ስነ ስርዓት

ዕለት 12 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቡርኪና ፋሶን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ውዕሊ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ሕጋዊ መሰል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝህብ ሓሳብ ዘጠቓለለ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቡርኪና ፋሲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ መሰል ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ውዕላት ቤት፥ ቅድስቲ መንበር ብዝወከሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ብወገን ቡርኪና ፋሶ ናይታ ሃገር ናይ ወጻእን ምትሕብባርን ጉዳያት ሚኒስተር ኣልፋ ባርይ ናይ ፍርርም ስነ ስርዓት ከምእተኻየደ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡

እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብቛንቋ ፈረንሳይና ዝተጻሕፈን፡ 19 ዓንቀጽ ዘለዎን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡርኪና ፋሶ ተልእዀኣ ዝውሕስን ብፍላይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ተቐዋማትን ማሕበራዊ መሰላ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ነፍሲ ወከፈን ሉኣላውነት ብምክብባርን ንናይ ሓባር ግብረ ገባውን መንፈሳውን ንዋታውን ጥቕሚ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሓባራዊ ጥቕሚ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክተሓባበራን ዝብል ኰይኑ እቲ ስምምዕ ብኽልቲኣተን ወገን ብዝምልከቶ እካል ይኹንታ ካብ ዝወሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ምዃኑ ኣፍሊጦም። 

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቡርኪና ፋሶን
12 July 2019, 17:23