ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ ብፁዕ ኣቡነ ፋበነ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ ዓቢይ ግምት ምሃብ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ ብፁዕ ኣቡነ ፋበነ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ ዓቢይ ግምት ምሃብ 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ ብፁዕ ኣቡነ ፋበነ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ ዓቢይ ግምት ምሃብ

ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዞባታቱን ከባቢኡን ቤተ ክርስቲያናዊ መክበብ ክነብርን ቅዱሳት ምስጢራት ከብዕልን ከም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክነብሮ ዘለዎን ውልቃዊ መፍነሳውነት እውን ንምስራዕ ዝሕቅንን

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋበነ፡ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ንኽመክር ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ዝመኽረሉን ዝመያየጠሉን ቤተ ክርስቲያናዊ ብድሆታት ኣብቲ እቲ ከባቢ ዝጐድሎ ዘሎ ቅዱስ ቁርባን ዝተሓብኤ ስቓይ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ወግዓዊ ዝዀነ ናይ መዛተይ ሰነድ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ኣማዞን ንኽመክር ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ነቢይን መልእኽተይና ወንጌል - ልኡካነ ወንጌል ኣብ ምዃን እትፍጽሞ ከይድን ዘጋጥማ ብድሆታን ብቕረባ ዝገጥምን፡ ብዛዕባኡ ዝመያየጥን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ሓቢሮም፡ ተሳትፎ ዝንበራን እተሳትፍን እንተእንግድን ቤተ ክርስቲያን፡ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሕጹጽ መልሲ ብስምረትን ስኒትን ንምቕራብ ብዙሕነት መሃዝነትን እንተእንግድ ክትከውን ዝብል እዩ። ናይ ሰላምን ናይ ምሕረትን ዕሴት ንምንቕቓሕ። ናይ ምብህላውን ውስጠ ሃይማኖታውነትን ሊጡርጊያውን ውዳቤን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘተን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ምንቕቓሕን፡ ዝብሉ ብድሆታት ዝገጥም ሲኖዶስ እውን እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን እዚ ሲኖዶስ እዚ ካብ ባዶ ዝብገስ ዘይኰነ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ጳጳሳትን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ካብ ዘካየድዎ ተልእዀ ወንጌልን ተመክሮኦምን ነቒሉ ብድሆታቶምን ጻዕርታቶም ብዕምቆት ካብ ምርኣይ እውን ዝተበገሰ ምዃኑ ይሕብሩ።

ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዞባታቱን ከባቢኡን ቤተ ክርስቲያናዊ መክበብ ክነብርን ቅዱሳት ምስጢራት ከብዕልን ከም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክነብሮ ዘለዎን ውልቃዊ መፍነሳውነት እውን ንምስራዕ ዝሕቅንን ናይ ከባቢ ኣማዞን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን መዳያቱ ብመንጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ብተመክሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞንን ዝምልከት እዩ ኢሎም።

እቲ ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ዝነብሮ ቅዱስ ቁርባን ዘይምርካብ ኩነት ዘሕድረሉ ስቓይ ንገዛእ ርእሱ ቅዱስ ቁርባናዊ ምልክታ እዩ፡ ስቓይ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ስለ ምፍቃርና ኣሕሊፉ ዝሃበ ወልደ እግዚኣብሔር መግለጺ እዩ፡ ብዙሓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዓመት ሓንሳብ እንተበዝሔ እውን ክልተ ሳዕ ይረኽቡ፡ ነዚ ናይቲ ሕዝቢ ስቓይ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ሓድሽ ናይ ጸዋዕታ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምንቕቓሕ ዘለዎ ተግዳስ ዘመላኽት ኩነት እዩ፡ ስለዚህ ጸዋዕታን ክህነትን ብናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ባህሊ ክንበብ ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓናማ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ምምላሶም፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዋላ’ውን ሰብ ሓዳር ይኹኑ ዘለዎም ግብረ ገባዊ ሚዛን መሰረት ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኩነት ዝናበብ ማዕርገ ክህነት ምስራዕ ዝብል ሓሳብ ክጽናዕ ከምዘለዎን ክንየው ቀኖናዊ መርገጺ ዝብል ብምዃኑ ነቲ ናይቲ ከባቢ ስእነት ምስዋዕተ ቅዳሴን መንፈሳዊ ክንክንን ስእነት ቅዱሳት ምስጢራትን መልሲ ንምሃብ ዝኣመተ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ሲኖዶስ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብቲ መዛተዩ ሰነድ ኣመልኪትዎ ከምዘሎን ክዝዝትየሉ እውን ይሕብሩ

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ ብፁዕ ኣቡነ ፋበነ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ ዓቢይ ግምት ምሃብ
19 June 2019, 15:34