ካቶሊካዊት ማሕበረሰብ ኮሶቮ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምዕዳሉ ሓጐሱ ይገልጽ ካቶሊካዊት ማሕበረሰብ ኮሶቮ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምዕዳሉ ሓጐሱ ይገልጽ 

ካቶሊካዊት ማሕበረሰብ ኮሶቮ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምዕዳሉ ሓጐሱ ይገልጽ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብናይ ብፁዕ ኣቡነ ዶደ ግጀርግጂ ነቲ ውሑድ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኮሶቫዊ ቅርበት ቅድስቲ መንበርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ክስምዖን ነዚ ቅርበት’ዚ ክዕደልን ብዝገበሩሎም ዕድመ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኮሶቮ ሰበኻ ፕሪዝረንን ፕርስቲናን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ብፁዕነቶም እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኮሶቮ፡ ሰንበት ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ስነ ስርዓት ባርዀት ንናይ ፕሪዝረን ሓድሽ ካቴድራል መንበረ ታቦት ከምዝፈጸሙ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዳቪደ ድጁድጃጅ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሰበኻ ፕሪዝረንን ፕሪስቲናን ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብፍላይ ኣብ በዓልን እዋንን ጰንጠቆስጠ ብምዃኑ ዓቢይ ጸጋ ከምዝዀነን፡ እቲ ናቶም ምብጻሕ ብስም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተፈጸመ እውን ብምዃኑ እቲ ውሑድ ኮሶቫዊ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዝተሰምዖ ሓጐስ ዓቢይ ምዃኑ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ድጁድጃጅ ኣስዒቦም፡

ኣብ ካትድራል ፕሪስቲና

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብናይ ብፁዕ ኣቡነ ዶደ ግጀርግጂ ነቲ ውሑድ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኮሶቫዊ ቅርበት ቅድስቲ መንበርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ክስምዖን ነዚ ቅርበት’ዚ ክዕደልን ብዝገበሩሎም ዕድመ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ፕሪስቲና ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ ነታ ንቕድስቲ ተረዘ ዘካልኩታ ዝተወከፈት ካልአ ካቴድራል ከምዝባረኹን ንርባዓን ክልተን ሕጻናት ምስጢረ መሮን ከምዝሰርዑን ሓቢሮም።

ሓዳስ ካቴድራል ረዳኢተ ማርያም

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ ቀትሪ ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝተሓደሰት ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ባሪኾምን ናይ ኮሰቮ ሰበኻ ጥንታዊ ካብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ግጀርግጂ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብቲ በዓል ናይ ሰበኻ ራሽካን ጳጳስን ናይ ፕሪዝረን ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ተኦዶሲየን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ዓቢይ መምህር ትርናቫ ከምእተሳተፉ ሓቢሮም።

ርክብ ምስ በርገሳውን ናይ ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰኑይ ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ምስ ናይ ኮሶቮ ናይ በርገሳውን ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ከምእተራኸቡን ብፁዕነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፡ ካብ ድሕሪ ፍጻሜ ናይ ባልካን ውግእ 20 ዓመት ንነጀው ኣብ ከባቢ ባልካን ዝሕነጽ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ቅድስቲ መንበርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብቐረባ ከምዝከታተልዎን ኣብ ምርግጋእን ምርግጋጽ ስርዓት ደሞክራስን ሰላምን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ርኡይ ምዃኑ ከምዝሓበሩን፡ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ዕርቅን ሰላምን ዝነበራን ዘለዋን ግደ ዓቢይ ምዃኑን ብናይ ሃይማኖትን ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካልት ከምእተመስከረ ልኡኽ ጋዜጠይና

ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ድጁድጃጅ ሓቢሮም።

ርክብ ምስ ውሉደ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ውሉደ ክህነትን መምሃራ ትምህርተ ክርስቶስን ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ብዘካየድዎ ርክብ ከምእተዛዘመን ናይ ሪዝረንን ፕሪስቲናን ጳጳስ ኮሶቮ ብቅዱስ ኣቦናን ምብጻሕን ብሓዋርያዊ ልኡኽ ዣን ማሪ ስፓይኽን ስዒቡ እውን ብብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምብጻሕ ዝተዓደለት ሃገር ብምዃና ዝተሰምዖም ሓገስ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብፁዕ ካርዲላን ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ተራን ድኻን ደጋውን ዝዀነ ከባቢን ሕዝብን ሓለፋ ዝብሉ እዮም ከምዝበሉ ድጁድጃጅ ሓቢሮም።

ካቶሊካዊት ማሕበረሰብ ኮሶቮ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምዕዳሉ ሓጐሱ ይገልጽ
11 June 2019, 17:02