መጂጐሪ፥ ማርያማዊ እምነትን ናይ መንፈሳዊ ጓሳ ውሳኔን መጂጐሪ፥ ማርያማዊ እምነትን ናይ መንፈሳዊ ጓሳ ውሳኔን 

መጂጐሪ፥ ማርያማዊ እምነትን ናይ መንፈሳዊ ጓሳ ውሳኔን

ምዕዳን፥ ሕዝባውያን ሃይማኖታዊ መግለጽታት፡ እቲ ዝተመሓላለፈ እምነት ኣብ ናይ ሓደ ሕዝቢ ባህሊ ስሩጽ ኰይኑ እምነት ብዘይ ምቍራጽ ክተሓላለፍ ይገብር

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ወግዓዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ቅቡል ዝብል ውሳኔ፡ ነቲ ኣብ ቁምስናታትን ቅዱሳት ስፍራን ዝውሕ መንፍሳዊ ጸጋታትን ብዙሓት ናብ ቅዱሳት ምስጢርታት ክምለሱ ዝገብር ጸጋ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ መጂጐሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፍቑድ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ፡ ምኽንያቱን ትርጉምን ንምልላይ እቲ ወንጌላዊ ሓሰት ዘርእስቱ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም መርሓ ኪደት ዘብርህ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንበሮ ሓሳብ ምርኣይ ኣድልዪ እዩ፡ ንኣብነት ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ ሕዝባውያን ሃይማኖታዊ መግለጽታት፡ እቲ ዝተመሓላለፈ እምነት ኣብ ናይ ሓደ ሕዝቢ ባህሊ ስሩጽ ኰይኑ እምነት ብዘይ ምቍራጽ ክተሓላለፍ ይገብር  ዝብል ሓሳብን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን እቲ ኣብ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣብ ሃገረ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 31 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ኣርጀቲና ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝተሳተፉሉ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዘውጸኦ ሰነድ፡ ናይ ሓባር ጉዕዞ ናብ ቅዱሳት ስፍራን ኣብ ሕዝባውያን ሃይማኖታት መግለጽታት ምስ ስድራ ቤትካን ደቃትካን ኴንካ ምስታፍን ካልኦት እውን ንኽሳተፉ ምዕዳም ንገዛእ ርእሱ ሱታፌ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ እንክብል ኣብ ዘንበሮ ሓሳብ ምኽንያቱን ትርጉሙን ነስተውዕል፡ እቲ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ትከታተሎን ትቆጻጸሮን።

ብምሊዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ መጂጐሪ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ዘይከሓድ እዩ፡ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ምስጢረ ንስሓ ክስርዓሎም ሪጋ ሒዞም ንሰዓታት ዝጽበዩን ካህናት ብዘይ ዕረፍቲ ክናዝዙን ምርኣይን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝግበር ኣስተንትኖ ዝሳተፍ ብዝሒ ሕዝቢ ዘረጋጾ ክኸውን እንከሎ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ዓ.ም. ምስ ናይ ስነ ማርያም ሊቅ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዓለማያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕላይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ኣለክሳንደር ኣዊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ መጂጐሪ ጸጋ እግዚኣብሔ ከምዘሎ እኣምን፡ ዝከሓድ እውን ኣይኰነ፡ ከምዝበሉን፡ ኣብታ ኣደይ፡ ምስ ማርያም ምርኻበ ኣብ ዝብል ብቤት ማሕተም ቺታ ኑዎቫ ተሓቲመ ንንባብ ኣ ዝበቕዔ መጽሓፍ፥ ግልጸት ተቐቢለ ዝብል ገዛእ ርእሱ ናይ እምነት ቀንደይና ተዋሳኢ ገይሩ ካብ ምቕራብን ዝተቐበልክዎ ዝብሎ መልእኽትን ምስጢራቱን ካብ ምርባሕ ክጥንቀቀ ኣለዎ፡ እዚ ግና መፈሳውያን ነጋዶ ንዝቕበልዎ ጸጋታትን ውጺእታቱን ብዘይ ምኽሓድ እዩ፡ ይብሉ፡ ኣርጀንቲናዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ካርሎ ማሪያ ጋሊ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ቅዱስ እሙን ንእግዚኣብሒር ናይ ዝዀነ ሕዝቢ ማርያማዊ እምነት ኣዚዩ የገድሶም፡ እዚ ናይቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ማርያም ዘለዎ እምነት ንማርያም ከነፍቅር ዝሕግዘና ምዃኑ ይኣምኑን ይገልጽዎ እውን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሕዝቢ ናይ እምነት ጦብላሕታ ይሳተፉ፥ ብፍላይ እቲ ኣብ ማርያም ዘሎ ሕዝባዊ እምነት እንክብሉ ከምዝሕብርዎ እዩ።

ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ብዛዕብ እቲ ክስተት መጂጐሪ ብዛዕባ ግልጸት ዝበሃል ኣደጊፍካ ወይ ሓቀይና ግልጸይ ወይ ከኣ ሓሶት ቢልካ ፍርዲ ንምሃብ ታህዋኽ ዘይተራእየ፡ ብጥልቂ ብምክትታልን ብምጽናዕን ቅዱነቶም ናይቶም ናብቲ ስፍራ ንመንፈሳዊ ንግደት ዝኸዱ እቲ ኣድካምን ንኽትበጽሖ እውን ዘየመችእ ክነሱ ምእመናን ዝገብርዎ ኣድካሚ ንግደት ይርድእዎን ዓቢይ ግምት ይህብሉን የኽብርዎን። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ እውን ናይ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ኣብ መጂጐሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ክህሉ ዝገበሩ። ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ እውን ናይ ዓቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ናብ መጂጐሪ ዝነግዱ ብግላዊ መልክዕ ክኸውን ዝብል ውሳኔ ሂቡሉ ከምዝነበረ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፡ ሎሚ ግና ናብ መጂጐሪ ብግሊ ጥራሕ ዘይኰነ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ማርያማዊ መንፈሳውነት መግለጺ ዝዀነ መንፈሳዊ ንግደት ከሰናድዋ ፍቓድ ዝህብ ውሳኤ ቅዱስነቶም የመሓላልፉ እንክብሉ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

መጂጐሪ፥ ማርያማዊ እምነትን ናይ መንፈሳዊ ጓሳ ውሳኔን
13 May 2019, 17:19