ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ  

ገጽ ጐይታ ደኣ እምበር ገጽ ሰብ ሃሰስ ኣይትበሉ! ሰባኤ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ

ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት ንልደት ንምስንዳው ኣብ ዘመነ ምጽኣት ንበዓለ ትንሣኤ ንምስንዳው ከኣ ኣብ ዘመነ ጾመ አርባዓ ንር.ሊ.ጳጳሳትን ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ጒጅለ መሣርሕቶምን ዝሰብኩ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ንበዓለ ትንሣኤ መሰናደዊ ዝኸውን ቀዳማይ ስብከቶም ሎሚ ‘እቶም ንፁሓን ልቢ ብፁዓን እዮም ከመይ ንእግዚአብሔር ኪርእይዎ እዮም’ (ማቴ 5.8) ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳማይ ስብከቶም ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቀንዲ ስብከት ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ተጻይ ግብዝነት ኮይኑ እዚ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙ ዝወገዞ ኮይኑ ነዚ ንምፍዋስ ከኣ ዕለት ዕለት ክንዲ ገጽ ሰብ ሃሰስ ምባል ገጽ እግዚአብሔር ምድላይን ንኣኡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ብምቅማጥ ክንዲ ምስሊ ገዛእ ርእስኻ ተቀድም ንእግዚአብሔር ብምቅዳም እዩ ኢሎም።

ስብከቶም ከኣ ብመልክዕ ሕቶ ‘ንእግዚአብሔር ንምርኣይ ዝሕግዝ ኩነታት ኣየናይ ኮን ይኸውን!` ይጅምሩ። ነዚ ዚምልሽ ከኣ እታ ከም መኽፈቲ ሱባኤ ሎምዘመን ዝመረጽዋ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅስናያ መንገዲ ብፅዕና ኮይና ‘እቶም ንፁሓን ልቢ ብፁዓን እዮም ከመይ ንእግዚአብሔር ኪርእይዎ እዮም’ (ማቴ 5.8) ትብል ቃል ወንጌል ከምእትምልሻ ገሊጾም።

ንጽሕና ንጾታ እንክትምልከት!

ንጽሕና ትብል ቃል ንብዙሕ ነገራት ስለእትምልከት ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ክልተ ብምምራጽ ናይ ኣተና ቅንዕና ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ንጽሕናን ናይ ባህርያት ንጽሕናን ይጠቅሱ። ናይዘን ክልተ ንጽሕናታት እዚኤን ተጻረርቲ ጠባያት ናይታ ቀዳመይቲ ግብዝና እንክኸውን ናይታ ካልአይቲ ከኣ ጾታዊ ምዝመዛ ምዃነን የመልክቱ። ምዝመዛ ጾታ ዘይስሩዕ ኣገባብ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

ተጻይ ንጽሕና ዝግበር ሓጢኣት ገጽ እግዚአብሔር ከምዘይትርኢ ይገብር። ምናልባት ከም ገለ ትርኢ እንተመሰለካ እውን ዘይንሱ ኢኻ ትርኢ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ክንዲ ምሕዝነት ምስ ዓርኪ ወይውን ዝድግፈካን ዝከላኸለልካን እትገብር ምስቲ ኣንጻርካን ንከዕንወካ ዝቃለስን ምስቲ ቀንዲ ጸላኢ ትገብር። ስለምንታይ ኢልና እንተሓተትና ሥጋ ዝለበሰ ሰብ ኩለንትናኡ ብሥጋዊ ምንዮት ዝተለኽፈ ስለዝኾነ ተጻይ ናይ መጨረሻ ትእዛዝት እግዚአብሔር ዘይንብረቱን ዘይሰበይቱን ክምነ ይነብር። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ከኣ እግዚአብሔር ነዚ ሰብ እዚ ከም ሓደ መንገዱ ዚዕንቅጽ `ከምዚ ክትገብር ኣሎካ` ‘ከምዚ ክትገብር የብልካን’ ዝብል ጥራይ ኮይኑ ይስምዖ። ሓጢኣትከስ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ጸማም ቂምታ ተጻይ እግዚአብሔር ከምዘሕድር ይገብር እንተተኻእሎስ እግዚአብሔር ዝበሃል ጨሪሹ ክህሉ እውን ኣይደልን ኢሎም።

ንጽሕና ከም ቅንዕና ሓሳባት!

ሽሕ’ኳ ክልቲኡ ጸገማት ከም ደቂሰብ መጠን ዝፈታተኖም እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጸገም ውሉደ ክህነትሲ እታ ካልአይቲ ንጽሕና ናይ ልቢ ንጽሕና ናይ ኣተሓሳስባ ቅንዕና ኣብ ኩሉ ምስኣን እዩ ኢሎም ስለዝገመቱ ምናዳ ኣብዚ ግዜ ጸጋን ተጋድሎን ዝኾነ ዘመነ ጾመ አርባዓ ነቲ ከም መባእታ ጾም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ‘ክትምጽውት እንከሎኻ ብሰብ ምእንቲ ኪኸብሩ እቶም ግቡዛት ኣብ ምዅራባትን መገድታትን ከምዚገብርዎ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ . . . ክትጽልዩ እንከሎኹም ድማ ከምቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ ኣብ ምዅራባትን ኣብ ቀራና መገድታትን ቆይሞም ኪጽልዩ ዚፈትው ግብዛት ኣይትኹኑ’ (6.2-5) ቢሉ ኣበርቲዑ ዝገንሓና ግብዝነት ክነወግድ የድሊ ኢሎም። እዚ ሓጢኣት ግብዝነት ንኩሉ ዘሚቱ ዘሎ ኮይኑ እቲ ዘገርም ከኣ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር ዕለት ዕለት ኣብ እንቃለሰሉ ኣብዚ ከይተረፈ ሰሊኹ ብምእታው ክጽይቅ ምርካቡ እዩ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጸገም ቀልጢፍካ ዘይምልላዩን ዘይምስትውዓልን እዩ። እምበር ክትዕወትሉ ዚከኣል ቀልጢፍካ ከተለልዮ ምስ እትኽእልን ወጊድ ምስ እትብሎን እዩ። ኣብዚ ኩልና ክነስተውዕለሉ ዘሎና ነፍሲወከፍና ክልተ ሕይወት ከምዘሎና እዩ። ፈቲና ጸሊእና ሓንቲ ሓቀኛን ሓንቲ ናይ ሓሳባትና ሕይወትን ሒዝና ኢና ንነብር። እዚ ከኣ እቲ ንሕና ብሓቂ እንነብሮ ሓቀኛ ኩነትናን ካልኦት ብዛዕባ ዚሓስብዎ ናይ ሓሳባት ሕይወትን ኣሎና። ሕጂ እቲ ጸገም ይብሉ ሰባኬ ወንጌል ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ነተኩር ኣብቲ ካልኦት ብዛዕባ ዚሓስብዎ ካልኣይ መንነትና ክንብሎ እንኽእል ነተኩር እሞ ነቲ ካልኦት ዘጽድቅዎ  ሓሳባዊ መንነት ወይ ሕይወት ክንሃንጽ ሒዅ ንብል። ኣብዚ ግን ሓቂ የለን ከመይ ኣብ ግብዝነት ኩሉ ግዜ ሓሶትን ክልተ ክልተን ኣሎ።

ኣብ ግብዝነት ኩሉ ግዜ ሓሶትን ክልተ ክልተ ምዃንን ኣሎ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ነዛ ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ሰባት ተሳቂ ዘላ ግብዝነት ቀንዲ ሕማማ ተዋስኦ ኮይኑ ከም ኣብ መድረኽ ተዋስኦ ዘሎኻ ዘይኮንካዮ ኰንካ ክትርኤ ሒዅ ስለትብል ብቀንዱ ሓሶት ኮይኑ ነቲ ዝቀደመ ሓሶት ክትሕሉ ከኣ ዝዓበየ ሓሶት እናወሰኽካ ይንበር። ኮይኑ ግን እቲ ብደገ ዝረኤን ካልእ ኣብ ውሽጢ ዘሎን ካልእ ምስ ኮነ ዘይምስምማዕ ክረኤ ግድን እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣብ ምርኢት ትያትር ነቲ ዝውክሎ ገጸ ባህርይ ክኸውን ዝቃለሶ ወይውን እቲ ዝዛረቦን ዘርእዮ ምንቅስቃስን ክጋጮ እንከሎ ጸገም ዝፍጠር ናይ ግብዝነት ኣብ ናብራና ዘስዕቦ እውን ሓሶትን ጸገም ድርብ መንነትን እዩ።

ግብዝነትከስ ነቲ ሓቀኛ ሕይወትካ ከም ኣብ መድረኽ ትዋሳእ ዘሎኻ ኰንካ ነቲ ዝዕዘበካ ምርኣይ እዩ። ሓደ ማስከራ ወይውን ካልእ ዘምስል መሸፈን ገጽ ገርካ ምንባር እዩ። እቲ ጸገም ግን ኣብ መንጎ እቲ ሓቀኛ መንነትን እቲ ክትኮኖ እትጽዕር ትውክልትን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። እቲ ሓቀኛ መንነት ኣካል ዘሎዎ ገጸባህርይ ዘለዎ እንክኸውን እቲ ተዋሳኢ ግን ናይ ካልእ ገጽ እዩ ከም ማስኬራ ተጐልቢቡ ዘሎ። ኣብዚ ንኩሉ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ኣካልን ወኪልን ዘሎ ፍልልይ ምዝርዛር ይከኣል። እቲ ዝዓበየ ግን እቲ ሓቀኛ ኣካል ንዝሓስቦን ሕልናኡ ዝብሎን እንኪናገር እቲ ወኪል ግን ድሮ ዝተሰናደወ ነገር እዩ ዝደግም ኢሎም።

ግብዝነት ካብ ንእግዚአብሔር ንወዲ ሰብ የቀድም!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ህልዊ ኩነታትና ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ብባህልና ‘ቊሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት ዕሩቃትከ እዚኦምሲ ትሑዛት’ እንብሎ ብዝመሳሰል መንገዲ ውሉደ ክህነት ዘመንና ዘየስተውዓሉሉ መጠን ክቅደሱ ዚጽዕሩሉ መጠኑ ከኣ ፈተና ሠይጣን ከምዝብርትዕ እዩ። መንፈሳዊ ነገራት ዝነኣድሉን ሕይወት ክሕደስ ገድሊ ኣብ ዘለዎ ዝበርተዔ ፈተና ኣሎ።

ኣብ ዓለም ግብዝነት ከኣ ሓሶትን ክልተ ክልተ ምዃንን ጥራይ ዘይኮነ ንእግዚኣአብሔር ረሲዕካ ቀዳምነት ንሰብ ሂብካ ንእግዚአብሔር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምውራድ ቀዳምነት ንፍጡራትን ህቡብነትን ብምሃብ ንእግዚኣአብሔር ረሲዕካ ክትንኣድን ልዕሊ ካልኦትን ክትከውን ብምጽዓር ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እውን ክጐድል ይርከብ ምስ በሉ እሞኸ ደኣ ፈውሲ ግብዝነት እንታይ ኮን ይኸውን ኢሎም ይሓቱ።

ግብዝና ብምንታይ ይፍወስ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸልኦን ዝውግዞን እንተልዩ ብቀዳምነት ግብዝነት እዩ። ርግጽ እዩ ኣብ መነባብሮና ዝሓሽና ኰና ክንረኤ ንካልኦት ደስ ክነብል ንጽዕር። ኮይኑ ግን እቲ ቀንዲ ኣብ ቅንዕና ኣተሓሳስባና እዩ ዘሎ። ኣተሓሳስብና ቅኑዕን ጥዑይን እንተኾይኑ ስምዒታትና ክንቈጻጸሮምን ሓቁ ክነግሮምን ኣይጽግመናን እዩ። ስለዚ ዕለት ዕለት ነዚ ክንዝክር የድሊ። እንተደኣ ግብዝና ወላውን ነቲ ዘይትገብሮ ጽቡቅ ነገር ከምእትገብሮ ተመሳሲልካ ናይ ምጒዓዝ ባህርይ እንተለዎ ቀንዲ መድሃኒት ናይዚ ማዕረ እቲ ረኣዩኒ ረኣዩኒ ክትሕባእ ምጽዓር ከምኡ እውን ነቲ እትገብሮ ሠናይ ነገር እቲ ንሕቡእ ነገራት ርእዩን ሰሚዑን ዓስቢ ዝኸፍል እግዚአብሔር ጥራይ ብዝፈልጦ ብሕቡእ መንገዲ ክትገብሮ ምጽዓር እዩ።

ኢየሱስ ነዚ ብሕቡእ ጽቡቅ ነገር ምግባር እንከስምረሉ ‘ብሕቡእ ጸልዩ፡ መባእ እንከተቅርብ ብሕቡእ ግበሮ ሽዑ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ኪፈድየካ እዩ’ ይብል። ነዚ ግን ንኩሉ ነገር ብሥውር ክትገብር ከም ሕጊ ክትሕዞ ኣይኮነን ከመይ ምስዚ ኣተሓሒዙ ‘ኸምኡ ከኣ ነቲ ሠናይ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ የንጸባርቅ’ (ማቴ 5,16) ስለዝብል። በዚኸስ መኣስ ኢኻ ካልኦት ዝርእዎ ሠናይ ነገር ትገብር መኣስከ ንስኻን ሰማያዊ ኣቦኻን ትፈልጥዎ ስቱር ሠናይ ነገርር ትገብር ምፍላይ የድሊ።

የዋህ ዓይኒ ክህልወካ የድሊ ከመይ እግዚአብሔር የውሃት እዩ!

ንግብዝና እንዋጋኣሉ ካልእ መንገዲ እውን ከምዘሎ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ይሕብሩ። የዋህ ምዃን ዕሽነት ኣይኮነን ወይውን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ብደገ ደገ ጥራይ ዝግበር ኣይኮነን። የዋህነት ወይውን ገርህነት ብሓቂ እናነበርካ ከምታ ዘሎኻዮ ኰንካ ናይ ካልኦት ነገር ብዙሕ ከይተገደስካሉ ነቲ ንካልኦት እትገብሮ ሠናይ ነገር እውን ከየካበድካን ዕጻይ ምጻይ ከይበልካን ግርህ ኢልካ ዝግበርን ዝንበርን እዩ። ጸጋ የዋህነት ለውሃትን ገርህነትን ኣልቢሱ ንእግዚኣአብሔር ከምእትመስል ይገብረካ። እግዚአብሔር ብኩሉ ፍጹም ምሉእ ኮይኑ ንውስኸሉ የብልናን ነጒድለሉ እውን የብልናን። እታ ንኣኡ እተምስለና የዋህነት እውን ብለውሃትን ገርህነትን ተኸቢባ ትውስኸላ የብልካ ተጒድለላ። እዛ መንገዲ እዚኣ ምስ እንኽተል ምስ ዳዊት መዘምር ኰና ‘ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።’ (139)ክንብል ንኽእል።

ኣብ መወዳእታ ሰባኬ ር.ሊ.ጳ ከም መድሃኒት ናይ ግብዝና ዘቅረብዋ መዝሙረ ዳዊት 139 ኮይና እዛ መዝሙር እዚኣ ከም ራጂ ትምርምረና እሞ ናብ ቀልብና ትመልሰና ከምኡ እውን እቲ መዛዘሚ ናይዛ ጸሎት እዚኣ ‘ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ።’ ብማለት ብኡ ንብኡ ካብ ወድቀትና ክንትሥእ ክትሕግዘና እያ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

15 March 2019, 16:47