ካርዲናል ፓሮሊን፡ ብዛዕባ ጳጳሳት ዝምልከት ምስ ቻይና ዝተበጽሒ ስምምዕ ተፈጻምነት ክወሃቦ ይግባእ

እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Gaudium et spes - ፍስሓን ተስፋን ኣብ ዝብልው ውሳኔ ከምዘመልክቶ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ፡ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገራት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ንዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ መደረ ከፊቶም ድሕሪ ናይ ዕለቱ ውዕሎ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ብዛዕባ ጳጳሳት ምስያም ዝምልከት ዝተበጽሔ ስምምዕ ግብራኣዊ ተፈጻምነት ምሃብ የድሊ ከምዝበሉ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ጳጳሳት ምስያም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ቻይና ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ናብ ተፈጻምነት ምስግጋር የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ምስ ቻይና ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ሃገር ዝተበጽሔ ስምምዕ ናይ ነዊሕ ዓመታት ርክብን ዘተን ውጽኢት እዩ፡ ስለዚህ ንቤተ ክስቲያን ኰነ ንቻይና ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ ውጽኢታዊ ከምዝኸውን ርግጸይና እየ ቢሎም ምልስ ቢሎም እውን እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገራትን ካብ 19-21 ክፍለ ዘመን ኣብነታውን ለውጥታቱን፡ ካብ ሃይማኖታዊ መንግስትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ብዕምቆት ዝድህስስ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ስምምዕ ሕድ ሕዳዊ ተፍላጥ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ውሽጢ ዝተበጽሔ ስምምዕ ብምዃኑ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ስምምዕ እዩ ኢሎም።

ስምምዕ፥ ንናይ ሃይማኖት ናጻነትን ንናይ ሓባር ጥቕምን

ኣብቲ ሎሚ ዕለት 1 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘካየደቶ ስምምዕ ከም Defensor fidei - ናይ እምነት ተኸላኻሊት ዘይኰነስ ተልእዀኣ ንኽትፍጽም ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ኣመንቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብምዕቃብን ቤተ ክርስትያን ንናይ ሃገርን ህዝብን መንፈሳውን ሰብኣውን ቁሳውን ምዕባለ ኣበርክቶኣ ንኸተቅርብን ሰላም ንምብርታዕን ዝብል እዩ፡ እዚ እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Gaudium et spes - ፍስሓን ተስፋን ኣብ ዝብልው ውሳኔ ከምዘመልክቶ እዩ።

ስምምዓት፡ ኣብቲ ካቶካውያን ምእመናን ውሁዳን ኣብ ዝዀኑለን ሃገራት

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብተን ካቶሊካዊ ምዕመን ውሁዳን ኣብ ዝዀነለን ሃጋራት ንኣብነት ኣብ 1964 ዓ.ም. ምስ ሃገረ ቲኒዝያ፡ ኣብ 1983 ዓ.ም. ምስ ሞሮኮን፡ ኣብ 1993 ዓ.ም. ምስ እስራኤልን ኣብ 2015 ዓ.ም. ከኣ ምስ መንግስቲ ርእሰ ምምሕደራ ፍልስጥኤምን ዝተበጽሑ ስምምዓት ጠቒሶም፡ ቅድስቲ መንበር ምስተን ዘይክርስትያን ሃገራት ምስ ዝበሃላ እውን ስምምዕ ንምግባር ፈቲናን ትፍትን ኣውን እያ፡ ኣብ ምዕራብ ሃገራትን ኣብተን ካቶሊካውያን ሃገራት ኣብ ዝበሃላ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጽነታ ዓቂባን ናይ ዝዀነ ይኹን ሃገር እደ ኣታውነት ብምቅዋም ንኣብነት ናይ ውሽጢ ጉዳያታን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ምስያምን ዝብል ውሳኔ ማንም እደ ኣታውነት ክህልዎ ከምዘይብሉ ተተሓሳስብ ነዚ ውሳኔ’ዚ እተተግብር እውን ምዃና ይገልጹ።

ምስ ሃገራት ኣንግሎ-ሳክሰን ምንም ዓይነት ስምምዕ ኣይተበጽሔን ገና

ቅድስቲ መንበር ምንም ዓይነት ናይ ስምምዕ ሰነዳት ምስ ዘይተፈራረመትለን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ዓንቀጽ እዩ፡ ከምኡ እውን ብባህለን ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሰዓብቲ ምስ ዝዀና ሃገራትን ምስ ኣንግሎ ሳክሰን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ዝምልከት እዩ፡ ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካን ወይ ምስ ኣንግሎልሳነ ሃገራት ምስ ዝዀነ ብባህርይኡ ባህላዊ ጸገም ምስ ዘለዎ ከባብን ዘለዋ ርክብ ኣብ ዝተወሃበ ቃል ብምትእምማን እንተዘይኰይኑ ብጽሑፍ ዝተደገፈ ምንም ዓይነት ናይ ስምምዕ ሰነድ የሎን፡ ንኣብነት ምስ ቨትናም ዘሎ ናይ ቃል ስምምዕ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ናይ ምስያም ስልጣን ናይ ገዛእ ርእሳ እዩ (ናይ ቅድስቲ መንበር - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት)፡ እዚ ኣብ ዝተበሃለ ንዝተውሃበን ቃል እምንቶ ዘንበረ ስምምዕ እዩ ኢሎም። እዚ እቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዀነ ብምዕቃብ እዩ፡ ስለዚህ ምሕዝነትን ናይ ሓባር ምህዳርን ሕጋዊ ንምግባር ዝብል እዩ፡ በዚ ምኽንያ’ዚ ቅድስቲ መንበር ናይ ስምምዕ ሰነዳት ክህሉ ተተባብዕ ኣብዚ መዳይ ኣበርቲዓ ትዕዪ ኢሎም።

ኣብ ናይ ቀርባ ዓመታት ምስ ብዙሓት ሃገራ ኣፍሪቃ ዝተበጽሑ ስምምዓትን ናብ ተፈጻምነት ዘብሉ ዘለዉን ኣዘኻኺሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ምስ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተበጽሔ ስምምዕ ጠቒሶም፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝተበጽሔ እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኰነ ነታ ሃገር እውን ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም።

ምስ ቻይና ቀጻሊ ስምሞ ክህሉ ዝከኣል እዩ እቲ ዘገድስ ከኣ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ተግባራዊ ተፈጻምነት ክህልዎ ምግባር እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ቀጻሊ ስጉምቲ ዝኸውን፡ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ዝተሓሰበ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ክህሉ ዝብል መደብ የሎን፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድን ሓልዮትን እዩ።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ብዛዕባ ጳጳሳት ዝምልከት ምስ ቻይና ዝተበጽሒ ስምምዕ ተፈጻምነት ክወሃቦ ይግባእ
01 March 2019, 18:11