ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ

ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ሱታፌ ከምዘሎን እታ ሃገር ንቕድስቲ መንበርን ንመንበረ ጳጳስ ዘሮማ ተኣማንነት ዘለዋ እያ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትር ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ፖላንድን ምስረታ ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብ ቫርሳቪያ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉን፡ ዕለት 13 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ መለኰታዊ ሓልዮት ንዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕነቶም እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፖላንድን ዘሎ ሓደ ዘመን ዘቑጽር ዘሎ ጽኑዕ ርክብ ጠቒሶም፡ እዚ ርክብ’ዚ ኣብ ታሪኽ ንዘጋጠመ ስርዓት ዴስነትን መላኽያን ዝዀኑ ካልኦት ስርዓታትን ዝኣመሰሉ ብድሆታት ኵሉ ዝሰገረ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ንናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት፡ እዚ ውርሻ’ዚ ናይ ፖላንድ ክርስትያናዊ መለለዪ ዝሓለፈ ጥራሕ ዘይኰነ ህልውን መጻእነትን ዘለዎ ምዃኑ ብዘቃልሕ ኣገባብ ክዕቅቡን ከበራትዑን ኣተሓሳሲቦም።

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ምዃኖም ዝመርሕዎ ቀዳማይ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መበል 382 ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ፖላንድ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ 1919 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብ ፓላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ኣኪለ ራቲ ኣብ መጻኢ ር.ሊ.ጳ. ንኽዀኑ ብዝተሓርዩ ፒዮስ መበል 11 ተመሪሑ ዝተኻየደ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ናይ መጻኢ ፒዮስ መበል 11 ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ሱታፌ ከምዘሎን እታ ሃገር ንቕድስቲ መንበርን ንመንበረ ጳጳስ ዘሮማ ተኣማንነት ዘለዋ እያ እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ዝዘከሩ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቦም፡ ሓድነት ኣብ ፍልልይ፡ እቲ ምስ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ፖላንድ ዝነበራን ዘለዋን ጥብቂ ምትእስሳር ኣብ እምነት ዝጸንዔ እዩ፡ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘለዋ ጥምረት ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ዓለምን ኣብ ቅድሚ እቶም ፍልዩ ረብሓታት ዘለዎምን ናጽነታ ዝውሕስ እዩ፡ እዚ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክፍትቲ ዝገብራን ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምልኣተ ካቶሊካውነት ርህውቲ ዝገብራን ካብ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዕጽውቲ ምዃን ፈተና ዘድሕናን ናይ ማንም ፖለቲካን ብሔርተይናነትን መገልገሊት ንኸይትኸውን ዝከላኸለላ እዩ ኢሎም።

ኣድላይነት ክርስቲያናዊ ምስክርነት ንኤውሮጳ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ኣናስራ ናይ ምዝንጋዕን እቲ ብዙሕ መስዋዕተ ዘኽፈለ ክፍለ ዓለማዊ ሓድነታ ንኸተጥፍእ ዝድርክ ውላውነትን ብሔርተይናነትን ምግምማዕን ዘነቓቕሑ ፈተናታት ተዓሪድዋ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ ዜጋታት ፖላንድ ኣብ ሓቅን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናትካን ናይ ካልእን ሰብኣውነት ኣብ ምኽባር ነቲ ካልእን ዘይከማኻን ከም ጸላኢ ኣብ ዘይምጥማት ዝጸንዔ ዘተ ከተማዕብል እንክብሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ብምዝኽኻር፡ ኤውሮጳ ናይ እምነት ሓቀይና ኣብነት ኣብ ምዃንን ኣብ ሓድነትን እንገዳን ንእንገዳ ክፉት ኣብ ምዃንን ካልእ ኣብ ምኽባርን ዝቖመ ክርስቲያናዊ ምስክርነት የድልያ ኢሎም።

ንዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቫርሳቪያ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ መለኮታዊ ሓልዮት ኣብ ፖላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጵሳት ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፐናኪዮን ብፁዕ ካርዲናል ካዚሚየርዝ ንይችዝን ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓቢሮም ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላት ዝተሳተፉሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መንጐ ፖላንድን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጽኑዕ ርክብ
14 March 2019, 16:33