ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ኣባ ዞልነር፥ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዳግም ዘልብስ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ኣባ ዞልነር፥ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዳግም ዘልብስ 

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ኣባ ዞልነር፥ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዳግም ዘልብስ

ተኣማንነት ቤተ ክርስቲያን ዳግም ምሕናጽ ዝብልን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መእሰያትን ናይ ሓባር ሓላፍነት ምዃኑ ክስትውዓል ዝድግፍ

እቲ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላኣ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ዘተ ንኽካየድ ቁርብ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ናይቲ ዝካየድ ዓወደ ዘተ ኣሰንዳኢ ሽማግለ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳያን ኣባ ሃንስ ዞለር፥ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ተስፋታቶምን ምስንዳዋቱን ውዳቤታቱን ጭቡጥ ውዱዕታቱን ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክሕብሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ዞልነር እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለ 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዝካየድ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም፡ ናይቲ ዝተጸውዐ ዓውደ ጉባኤ ውዱዕታት ተኣማንነት ቤተ ክርስቲያን ዳግም ምሕናጽ ዝብልን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መእሰያትን ናይ ሓባር ሓላፍነት ምዃኑ ክስትውዓል ዝብል እዩ ምስ በሉ፡ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ናብዚ ዓውደ ጉባኤ ብኸመይ ከምእተሰናደው ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣቐዲሞም ኣባ ዞልነር ይብሉ፡ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕዮ በዚ ዓውደ ጉብኤ ኣይጅመርን ኣይዕጾን እውን፡ ስለዚህ ቀጻሊ እዩ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ዓለማውያን ምእመናን ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ክህልዉ እዮም ምስ በሉ፡ ነዚ ዓውደ ጉባኤ ንምስንዳውን ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያት ንምግላጽ ዘኽእል ሰነድ ንምስንዳዎ ቅድመ ንድፈ ሰነድ ናብ ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይት ምኽሪ ከምእተመሓላለፈን እዚ ሰነድ ነቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ መሰረት እዩ፡ ካብኡ ዘድሊ መስፈርቲ ንምስድናው ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘተ ክካየድ እዩ፡ ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርትን ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ብዘይ ጸገም ዝዓዪ ከምዝዀነን ንጹር እዩ፡ እዚ ዕዮ ብምትሕብባርን ምኽርን ሓሳብ ብምልውዋጥ ንኽካየድ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ድሮ እውን ዝፍጸም ዘሎ ከይዲ እንተዀነ ንምሕያል ዝድግፍ እዩ።

እቲ ዝተጸውዓ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማለት ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝኽተሎ ኣሰራርሓ ኣብ ሓደ ናይ ሃባር ረቛሒ ከይዲ ንምውህሃድ ዝድግፍ እዩ፡ ብርግጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣተካይዶ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን መስርሕ ሓባራዊ መልክዕ ንኸለብስ ዝድግፍ እዩ፡ እዚ ድሮ ዝረአይ ኣሰራርሓ እውን እንተዀነ ብመሰረት ግልጽን ሓባራውነቱን ምቅላሕ የድሊ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ሓሳብ ምልውዋጥን ርክባት ምክያድ ወሳኒ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ከተስቅጥ ዘይኰነ ስቓዮም ናታ ገይራ ብጥልቂ እውን ገዛእ ርእሳ ሓጊዛ ሕብረተሰብ ንኽትሕግዝ ዝኣመተ እውን እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ግልጽን ንጹርን መብርሂ እውን ዘቕርብሉ ዓውደ ዘተ እዩ፡ ካብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ኰይኑ፡ ካብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕንዕ እውን እዩ፡ ኣብዚ መዳይ ነፍሲ ወከፍ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ መስመር ዘትሕዝ እዩ፡ ብሓፈሻኡ ቤተ ክርስቲያን ንፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘንብሮ ናይ ዕድመ ደረጃታት እተካይዶ ሓለዋን ምክንኻንን ዘሕይልን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዳግም ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ኣባ ዞልነር፥ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዳግም ዘልብስ
31 January 2019, 16:55