ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ብሓባር ኣብ ዘተ ዛዕባ ጸረ ንግድ ሰብ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ብሓባር ኣብ ዘተ ዛዕባ ጸረ ንግድ ሰብ  

ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ብሓባር ኣብ ዘተ ዛዕባ ጸረ ንግድ ሰብ

ደቀንስትዮ ካብቲ ሓድሽ ጊልያነት ክላቐቓ ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ክነጥፍ

ክሳብ ዕለት 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ንግድ ሰብ ዝመክር ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮን ደያኑን ዓቃቤ ደያኑን ዘሳተፈ ኣብ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃውያን ኣደዳ ንግድ ሰብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ተጀሚሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ዘዳለዎ ዛዕባ ንግድ ሰብ ዘማእከለ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣ ደናይኑን ዓቃቢ ደያኑን ብጠቕላላ 70 ደቀንስትዮ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ፡ ጓለንስተይቲ ብዛዕባ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘለዋ ኣመለኻኽታን ብዛዕባ ስቓይን ብዛዕባ ሕግን ፍታሕን ምትሕብባርን ጉዳይ እውን ጥንቁቕን ልዑልን ክኸውን እንከሎ፡

ንግድ ሰብ፥ ዓቢይ ገበን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረትን

እዚ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጉባኤ ይብሉ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሳንቸስ ሶሮንዶ፥ እዚ ዓይነት ዓውደ ጉባኤ ንኽካየድ ዝደረኸ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ብዛዕባ ሓደስቲ ጊልያነትን ንግድ ሰባትን ናይ እዋንና ዘሕፍር ጸያፍ ተግባር ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ምዃኑ ዝገልጽዎን ንግድ ሰብን ምዝመዛ ጉልበትን ፍልጠትን ዕድመን ጠሪሹ ክውገድ ከይተሓለሉ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ዘመሓላልፍዎ ምዕዶን ኣስተምህሮታትን እዩ ቢሎም፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሓንጸጾ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓት፡ መዝማዚ ናይ ጉልበት ስራሕን ክሳብ ጊልያነት ዘብጽሕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክውገድ ዝብል እቲ እዋናዊ ጊልያነት ከብቅዕ ናይ ገዛእ ርእሱ መቆጻጻሪ ሕግን ክቐውምን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምውፋር ከይሁሉ ዘተሓሳስብ፡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ምውፋር ዝብል ኩሉ ካብ ምድሪ ገጽ ዓለም ክውገድ ዝብል ጽኑዕ መተሓሳሰብ እውን ዝተነብሮ ክሳብ 2025 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ትግቡር ክኸውን ዝብል መደብ እውን መሰረት ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ እዩ ኢሎም፥ እዚ ኩለን 193 ሃገረት ኣባላት ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተቐበልኦን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል ስዒቡ ብዝለዓለ ደረጃ ጐስጓስ ዝካየደሉ ዘሎ ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ንግድ ሰብ፥ ክብሪ ሰብ ዘጽንት ገበን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድም ክብል እውን በነዲክቶስ መበል 16 ንግድ ሰብ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝንጽልን ክብሩ ዘሕስርን ናብ ግኡዝነት ዝቕይር ምዃኑ የተሓሳስቡ፡ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን መግረፍትን ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽን ንግድ ናይ ሰብነት ውሳጣዊ ኣካልን ኵለ መዳያዊ ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት፡ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ሶሮንዶ፥ ንምውጋድ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ይሓትት፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ማእለያ ንዘይብሉ ጸገማትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ክቃልዓን መጋበሪያ ሩካቤ ክዀና ምድራኽ ኣብ ልዕሊ ፍቕሪ ዝፍጸም ክሕደት እዩ፡ እዚ ክሕደት’ዚ ካብ ሕልፈት ዝገደደ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣደዳ ንግድ ሰብ ዜጋታት ናይ ደያኑ ህርኩት ጻዕሪ ማእከል ክዀኑ

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጸረ ንግድ ሰብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ደያኑ ኣብ ዕዮኦም ነቶም ኣደዳ ንግድ ሰብ ዝዀኑ ዜጋታት ቆላሕታ ክገብሩ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ካብቲ መጻወዲያ ጊልያነት ተላቒቖም ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ክብሮም መሰሎም ተሓልዩ ከንብሮም ዝኽእሎም ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ክረኽቡ ይግባእ፡ ደቀንስትዮ ካብቲ ሓድሽ ጊልያነት ክላቐቓ ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ክነጥፍ እውን ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፡ ኣብ ዓመት 50 ሚሊዮን ደቀንስትዮ ኣደዳ ንግድ ሰብ ከምዝዀናን ብፍላይ እቲ ዝለኣለ ሚእታዊ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዝረኣይ እዩ ይብሉ።

ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ብሓባር ኣብ ዘተ ዛዕባ ጸረ ንግድ ሰብ

Photogallery

ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ደያኑን ብሓባር ኣብ ዘተ ዛዕባ ጸረ ንግድ ሰብ
12 December 2018, 16:26