ሓድሽ ሕይወት ነተን ካብ ስግደትን ኣምልዀን ወጻኢ ኰይነንን ንዝጸንሓ ነበር ኣቢያተ ክርስትያን ሓድሽ ሕይወት ነተን ካብ ስግደትን ኣምልዀን ወጻኢ ኰይነንን ንዝጸንሓ ነበር ኣቢያተ ክርስትያን 

ሓድሽ ሕይወት ነተን ካብ ስግደትን ኣምልዀን ወጻኢ ኰይነንን ንዝጸንሓ ነበር ኣቢያተ ክርስትያን

እቲ ሓባሪ ፍኖት፥ እቲ ነበር ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዝነበሮ ክብሪ ዳግም መታን ውሑስ ክኽውን ካብዚ ነቲ ዝነበሮ ክብሩ ዳግም ውሑስ ንምግባር ካብ ዝዕንቅጾ ኣገባባት ናጻ ክኸውን ዘተሓሳስብ ኰይኑ

ናይ ባህሊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነቲ ካብ ዕለት 29 ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. “እግዚኣብሔር ኣብዚ ዘይነብር ዶ ይኸውን? ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ስግደትን ኣምልዀን ዝተገላ ነበር ኣቢያተ ክርስትያን ኣማእኪሉ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዘቅረቦ ሰፊሕ ኣስተንትኖ መሰረት፡  ስንብታን ዳግማይ ንጥቕምን ቤተ ክርስትያናውነት ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ሓድሽ መርሓ ፍኖት ከምዘውጽኤ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ዝወጸ ሰነድ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብሮ ከምዝነበረን ብፍላይ እቲ ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዓለምን ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ዝርከብ ታሪኻውን ስነ ጥበባውን ሃይማኖታዊ ሃብትታት ጠፊኡ ከይተርፍ ዝብል ንዝነበረ ፍርሒ ዓቢይ መልሲ እዩ፡ እቲ ስንብታን ዳግማይ ንምጥቃምን ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መርሓ ፍኖት 14 ገጽ ዘለዎ፥ ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ 1987 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ስነ ጥበብ ሓልዮ ድርገት ኣብ ኢጣሊያ ተበጺሑ ንዝነበረ ስምምዕ ስዒቡ ኣብ ዳግማይ ኣጠቓቕማ ካብ ንስግደት ኣምልዀን ግሉል ኰይኑ ዝነበረ መንፈሳዊ ስፍራ ዝምልከት እዩ።

ዳግም ዓቢይ ግምትን ክብርን ንነበር መንፈሳዊ ስፍራ ሕልፊ

ኣብቲ ዝወጸ ሓባሪ ፍኖት መእተዊ፥ ኣብ ሕብረተሰብናን ባህልናን ዓቢይ ስፍራ ዝነበሮ ካብቲ ዝነበሮም ምዃናዊ ክብር ተገሊሎም ድሕሪ ምጽናሕ ዳግም ግብኡ ክብሮም ክረኽቡ ዘለዎ ኣገዳስነት ተመልኪቱ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ከባቢ ዓለም ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዳግም ግቡእ ክብሩ ክረክብን ባህላዊ ሃብትታት ቤተ ክርስቲያን ሕልፊ ዝብል እዩ ዝብል ሃሳብ ተነቢሩ ኣሎ።

ኣይፋል ንንግዳዊ መዓላ

እቲ ሓባሪ ፍኖት፥ እቲ ነበር ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዝነበሮ ክብሪ ዳግም መታን ውሑስ ክኽውን ካብዚ ነቲ ዝነበሮ ክብሩ ዳግም ውሑስ ንምግባር ካብ ዝዕንቅጾ ኣገባባት ናጻ ክኸውን ዘተሓሳስብ ኰይኑ ፍብላይ ምስ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብምምኽኻር ነቲ ዘለዎ ባህላውን ከባብያውን ማሕበራውን መለለዪ ግምት ብምሃብ ንማሕበራውን ባህልን ንናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክውዕል ምግባርን ኣገዳሲ እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ንንግዳዊ ተግባር ክውዕል ከምዘይብሉ ዘተሓሳብን ካብ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ኣገልግሎት ወጻኢ ምግባር ማለት ምርካስ ማለት ከምዘይኰን ብዝገልጽ ሓሳብ ይጠቃለል።

ሓድሽ ሕይወት ነተን ካብ ስግደትን ኣምልዀን ውጻኢ ኰይነንን ንዝጸንሓ ነበር ኣቢያተ ክርስትያን
18 December 2018, 16:08