ሻብዓይ ዘተ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን ዝተበጽሔ ስምምዕን ሻብዓይ ዘተ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን ዝተበጽሔ ስምምዕን 

ሻብዓይ ዘተ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን ዝተበጽሔ ስምምዕን

እቲ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ናይ ሓባር መትከላዊ እማኔታትን ኣብ ፍርያም ናይ ሓባር ዘተ ዝጸንዔ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ምትእምማንን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘበራትዕ እውን ክኸውን ዝብል ሸቶ ዝተነብሮ ምዃኑ

ኣብ መንጐ ሃገረ ቨትናምን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ነቲ ክሌኣዊ ርክባት ክበራትዕ ዝኽእል ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቨትናምን ብቀዋሚ ናይ ክሌኣዊ ናይ ዘተ ልኡካን ክውከላ ዝብል ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ስሩዕ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተበጽሔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ስሩዕ ሻብዓይ ክሌኣዊ ርክብ ዕለት 19 ታሓሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቨትናም ከተማ ሃኖይ ብክሊኣዊ ናይ ዕዮ ኣካላት ካብ ቨትናም ምኽትል ናይ ወጻኢ ጉዳያት ብይ ታንሕ ሶንን ብወገን ቅድስቲ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለይሪ ተመሪሑ ከምእተኻየደን፡ ልባዊ ምቅርራብን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ዝዓሰሎ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ምዕባሌታት ክሌኣዊ ርክብ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቨትናም ዝብል ጉዳይ ኣብ ዘጠቓለለ ዝክር ነገር ሰፊሕን ምሉኣውን ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ብፍላይ ቀጻልን ስሩዕን ርክብ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ክካየድ ዝብልን በዚ መሰረት ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉን ርክባትን ናይ ሓሳብን ርእየትን ምልውዋጥን ክሳብ ኣብ ቨትናም ተቐማጢ ዘይኰነ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቨትናም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ዝብልን ኣብ ቀረባ እዋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማረክ ዛለውስኪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጠቒሱ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ናይ ሓባር ርክብ ዘዕተሮ እወታዊ ውጽኢታትን ዘርዚሩ ኣፍልጦ ዝሃበን ዘመላኸተን ርክብ ምንባሩ ገሊጹ።

ዘተን ምትእምማንን

እቲ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ናይ ሓባር መትከላዊ እማኔታትን ኣብ ፍርያም ናይ ሓባር ዘተ ዝጸንዔ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ምትእምማንን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘበራትዕ እውን ክኸውን ዝብል ሸቶ ዝተነብሮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከፍልጥ እንከሎ፥

ኣብ ቨትናም ህልወት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ልኡኽ

ኣብ ዝሓጸረ መጻኢ ክልቲኣተን ሃገራት ብስነ ሜላዊ ርክባት ሃገራት መሰረት ርክባተን ንብምርታዕ ብልኡካነ መንግስትን ሓዋርያዊ ልኡኽን ዝውከል ርክብ ክህሉ ኣብ ዘኽእል ርእሰ ጉዳይ ኣብቲ ኣብ ሃኖይ ዝተኻየደ ናይ 19 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ከምእተመያየጠን

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቨትናም ማሕበረሰብ ካቶሊክ፥ “ወንጌል ኣብ ከርሲ ሃገር ምንባር” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎን፡ ካቶሊክ ምእመን ንናይ ሓባር ጥቅምን ንናይ ሃገር ሕይወት ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ዘበርክት እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ኣብቲ ናይ ሃኖይ ርክብ ከምዝተሰመረሉን፡ መንግስቲ ቨትናም ንቅድስቲ መንበር ዘለዎ እወታዊ ቆላሕታን ኣብ ክሌኣዊ ርክባት ዝህባ ፍሉይ ባይታን ኣኽብሮትን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣመስጊኖም፡ ኣብ ቨትናም ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንጥፈታቱን ኣብ ናይ ሃገር ጉዳይ ዘለዎ ብርክን ክበራታዕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽን ንናይ ሃገር ምዕባለ ዘካይዶ ጻዕርታት ተበራትዕ።

ናይ ቨትናም ኣስተዋጽኦ

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ክበራታዕ ናይ ቨትናም ፖለቲካዊ ውድብን መግስትን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ መቓን ብሉጽ ንምግባርን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ውሑስ ንምግባርን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቨትናም ኣብ ሃገሩ ናይ ሃገሩ ሕግታት ብምኽባር ንምዕባለ ኤኮኖምን ማሕበራውን ብሔራውን ዘካይዶ ዕዮታት ዘበራትዕ ምዃኑን ኣፍልጦ ከምዝሃበ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዚናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብዛዕባ ሰበኻታትን ስሜት ጵጵስናን ኣብ ቨትናም

ኣብ ቨትናም ብዛዕባ ሰበኻታት ምቛምን መልክኣ ምድራዊ ቅዋሜታትን ኣብ ዝብልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስሜተ ጵጵስና ኣብ ቨናምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እውን ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ስዒቡ እውን ሻምናይ ክሌኣዊ ናይ ሓባር ዘተ ክካየድን እዚ ኸኣ በቲ ናይ ሓባር ልኡካን ኣቢሉ ዝውሰን ክኸውን ዝብል ስምምዕ ከምእተበጽሔን፡ ድርሒ ምዝዛም እቲ ዕለት 19 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ርክብ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ንኽብሪ ሃገረ ቨትናም ናብ ቤተ መንግስት ምብጻሕ ኣካይዱ ምስ መራሔ መንስቲ ንጉየን ጿን ፑችን ምስ ናይ ቨትናም ናይ ሃይማኖታዊ ርክባት ሓልዮ ሽማግለ ኣቦ መንበር ቩ ቻይን ታንግን ከምእተራኸበን፡ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ናይ ሃኖይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ቩ ቫን ታን ናይ ሰበኻኦም ስልጣነ ጉስነት ብወግዒ ንኽርከቡ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

 

21 December 2018, 16:06