ካርዲናል ቱርክሶን፥ ብዘይ ሰላም ምንም ዓይነት ምዕባለ ኣይህልውን

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ከፋንዎም እንከሎ ‘‘ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝኣቶኹምዎ ቤት መጀመርያ፡ ‘ሰላም ነዚ ቤት እዚ ይኹን` በሉ። ኣብኡ ውሉድ ሰላም እንተደኣ ኣልዩ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኽትሓድር እያ፡ እንተዘየሎ ናባኹም ክትምለስ እያ’’ (ሉቃ 10.5-6) በሎም።

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅኑዕ ፖለቲካ ኣገልጋሊ ሰላም እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ኣምእኪሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ምንዮትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ሰላም እዩ፡ ብዘይ ሰላም ምንም ዓይነት ምዕባለ ክህሉ ኣይክእልን፡ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤ ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ዕለት 18 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ናይ ዕለት 1 ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ቅዱስ ኣቦና ኣሞርኵይዞም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡

መጻኢ መእሰይ ኣይትመንዝዕ

እቲ ቅኑዕ ፖለቲካ ነገልግሎት ሰላም እዩ ዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላልፍዎ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፡ እቲ ናይ ምሕደራ ስነ ጥበብ ዝዀነ ፖለቲካ መሰረታዊ ተልእዀኡ ንሰላምን ሰላም ንምርግጋጽን ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ውሑስ ምግባርን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ፖለቲካ ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ዝቐጥፍ ከይከውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ይላበዉ።

ፖሊቲካ ምግዳስ ንውልቃዊ ረብሓ ዝብል ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ከምዘዘኻኽርዎ፡ ፖለቲካ ንውሑድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ወይ ንውልቀ ሰባት ረብሓ ዝብል ኰይኑ ዝተሓሰበ ኣይኰነን፡ ፖለቲካ ናይ ኵሉ ናይ ማሕበረሰብ ኣባላት ንጥፈት እዩ፡ ሕዝቢ ኣብ ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ብቕዓትን ድልውነትን ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ጥቕምን ንውሕስነትን ናይ ሓባር ጥቅምን ናይ ኵሉ ሰላምን ክጐድል እንከሎ ኣብ ልዕሊ ፖሊቲካ እምነት ዘይብሉ ይኸውን።

ናይ ዜጋታት ናይ ምምራጽ ሓላፍነት

ንዝተወሰኑ ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ንስኻ ወክለና ቢሎም ናይ ሓባር ጥቕሚ ብሓላፍነት ዘረክብዎም ዜጋታት እያቶም፡ ስለዚህ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ንናይ ፖሊቲካ ኣካላት ውድቀትን ድኽመትን ተሓተትቲ ኣንሕና ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ዘሎና ዜጋታት ንኸውን፡ ብሸልተይናነትን ዘይተገዳስነትን ናይ ምምራጽ ሓላፍነትና እንተድኣ ፈጺምናዮ ናይ ሃገር ውድቀት ተሓተትቲ ንኸውን፡ ክነስተውዕሎ ዝግብኣና ናይ ፖሊቲከይናታት ብቕዓትን ግብረ ገብን ናይ ሓላፍነት መፈስን ብስለትን ንህዝብን ሃገርን ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ንምግልጋል ዘለዎ ቆራጽነት እዩ፡ ዝዘራእናዮ ኢና እንዓጽድ፡ ኩሉ ካባና እዩ፡ ስለዚህ ቅኑዓትን ሓቀይናታትን ናይ ሓባርን ጥቕምን መጻእን ክውሕሱ ዝኽእሉ ምዃኖም ክንመዝኖም ይግብኣና።

ስደተይና ምእንጋድ ሓላፍነት እዩ

ኣብቲ መልእኽቲ ሰላም ቅዱስ ኣቦና፥ ስደተይና ናይ ኩሉ ኣሉታዊ ፍጻሜን ዝፍጠር ጉድለትን ክፍኣት ተሓታትቶ ገይሩ ዘቕርብን ናይ ድኻታት ተስፋ ዝምንዝዕን ፖሊቲካ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስደተይና ምእንጋድ ሓላፍነት እዩ፡ ስለምንታይ ምእንጋድ መግለጺ ግብረ ሰናይ ስለ ዝዀነ፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብማዕቅፍ ኣኽእሎቱ ንስደተይናታት ግዱስ ክኸውን እንከሎ መጋበሪያ ሰላም እዩ ዝኸውን ድሕሪ ዝበሉ ህየንተ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ናይ ኩለንተናዊ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሬ ዱፈ እውን ብወገኖም፥

ምትሕብባር ሰብኣውነት ንምክልኻል

ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ብዛዕባ ክልተ መሰልን ክብርን ይዛረቡ፡ እቲ ሓደ ናይ ምስዳድ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ናይ ምትራፍ መሰልን ክብርን ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ዜጋታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን መታን ንኵለንተናዊ ምዕባለ መደብ ምትሕብባርን ምንቕቓሕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣገዳሲ እዩ፡ ስለምታይ ውግእን ድኽነት ወይ ከኣ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ክሳብ ዘሎ ስደት ክህሉ ስለ ዝዀነ ኢሎም።

ካርዲናል ቱርክሶን፥ ብዘይ ሰላም ምንም ዓይነት ምዕባለ ኣይህልውን
19 December 2018, 15:57