ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ምስፋሕ ተጻዋሮ ኣፋውስ ጸረ ተህዋስያን ምውጋድ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ምስፋሕ ተጻዋሮ ኣፋውስ ጸረ ተህዋስያን ምውጋድ 

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ምስፋሕ ተጻዋሮ ኣፋውስ ጸረ ተህዋስያን ምውጋድ

እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎን ዓቢይ ስግኣት ዝዀነ ተጻውሮ ስነ ተህዋስ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም ኩሉ ብግቡእ ከስተውዕሎን

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕልዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን፡ ብምኽንያት ቅነ ጸረ ተህዋስያን መድሃኒት፥ ተጻውሮ ጸረ ተህዋስያን መድሃኒት ንምግታእ ብርቱዕ ጻዕሪ ምክያድ ከምዘድሊ ብሰፊሕ ዝትንትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዘሎኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት መሰረት ኣብ ቅነ ጸረ ተህዋስያን ኣፋውስ ምስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓቢረ፡ ዓቕሚ ፍወሳ ጸረ ተህዋስ መድሃኒት ካብ ብዘይ ኣገባብን እዙዝ ዓቐንን ካብ ዘይምጥቃም እናተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ፈዋስነት ኣፋውስ ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ከዝወደቐን ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጾም፡ ነዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ ኣፋውስ ንምድራት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ጸረ ተህዋስያን ኣፋውስ፥ ምልዕዓልን ምስፋሕን ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ ኣፋውስ-በዳሂ ተግባር ምንቕቓሕ ብዝብል ምርሕ ቃል ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ንግቡእ ኣጠቓቕማ ኣፋውስ ጸረ ተህዋስ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝካየድ ጐስጓስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎን ዓቢይ ስግኣት ዝዀነ ተጻውሮ ስነ ተህዋስ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም ኩሉ ብግቡእ ከስተውዕሎን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ግቡእ ኣጠቓቕማኡ ክነቕሕን መንግስታትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መውሃቢ ክንክን ጥዕናን ነቲ ምስፋሕ ተጻውሮ ኣፋውስብ ጸረ ተህዋስን ኣብ ምድራቱ ዝግበር ጻዕሪ ብብሔራዊ ደረጃ ንኸነቓቅሑ ንንምድጋፍ ኽከው እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ነዚ ብሰፊሕ ገሊጾም፡

ትኵር ጻዕሪ ኣብ ኣጠቓቕማ ጸረ ተህዋስ መድሃኒት

ጸረ ተህዋስ ኣፋውስ ካብ ዝተረኽብሉን ዝተማህዝሉን ሰዓት ኣትሒዞም ናይ ብዙሓት ሕይወት ካብ ሞትን ስቓይን ከምዘናገፉን ዘለጹ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ዘይግኡ ኣጠቓቕማን ዓመጻዊ ኣጠቓቕማኡን እቲ ጸረ ትህዋስ መድሃኒት ናይ ምፍዋስ ዓቕሙ ዘዳኽም እናዀነ ብዙሕ ጸገም የስዕብ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ እዚ ናይቲ መድሃኒት ናይ ፈዋስነት ዓቕሙ ዘዳኽም ኣጠቓቕማ ክእለይ ባህሊ ግቡእ ኣጠቓቕማ ምስፋሕ የድሊ ይብሉ።

ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ መድሃኒት ዓቢይ ጸገም እዩ
ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ መድሃኒት ሎሚ ንማሕበራው ጥዕና ዓቢይ ስግኣት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሕማም ቀዲምካ ንምጥንቃቕን ብተህዋስ ዝመሓላለፍ ሕማም ንምብዳህ ዝወሃብ ሕክምና ዓቢይ መሰናኽል እናዀነ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሰብን እንስሳትን ሓምላይ ሃብትን ከቢድ ጸገም የስዕብ ኣሎ፡ ስለዚህ አብ ፖለቲካ ክንክን ጥዕና ውሁድ ዕዮ ክሳለጥን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ ኣፋውስን ንምብዳህ ዝሃቀኑ ተበግሶታት

እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ተጻውሮ ጸረ ተህዋስ ኣፋውስ ኩሉ ግንዛበ ክህልዎ ናይ ስነ ሕክምና ኣካላትን ፖለቲካን ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኰነስ ብቐጻሊ ጐስጓስ ክገብሩን፡ ብውልቅን ብማሕበርን ግብኡ ኣጠቓቕማ ጸረ ተህዋስ መድሃኒት ክነቓቓሕ ኣብ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ዝተዋፈሩን ሰሙ ሙያ ስነ ሕክምናን ናይ ክንክን ጥዕና ፖለቲካን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከካይዱ ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ምስፋሕ ተጻዋሮ ኣፋውስ ጸረ ተህዋስያን ምውጋድ

 

20 November 2018, 17:14