ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ቅዱሳት ስፍራ መእንገዲ እያቶም ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ቅዱሳት ስፍራ መእንገዲ እያቶም ይብሉ 

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ቅዱሳት ስፍራ መእንገዲ እያቶም ይብሉ

ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኸፍቱ በራት፥ ናይ ጸሎት ስፍራን ዓበይቲ ሕዝባውያን ባህልታት ዝዕቀበሉ ትእምርቲ ኑዛዜ ተኣምኖተ ሃይማኖት እያቶም፡ ብህልውናኦምን ቅዋሜኦምን እምነት ኣብ ሰብን ማሕበረ ክርስቲያንን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝቐጹጽሉን ክሳብ ንማሕበረሰብ መንነታዊ መገልጺ ይህቡ

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝቕጽልመካነ ንግደት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኸፍቱ በራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ናይ መካነ ንግደት ዋና ሓለፍትን ናይ መካነ ንግደት መፍሳዊ ኣገልገልትን ዝምልከት ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 26 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ክሕበር እንክሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ መካነ ንግደት ምብጋስ ማለት መካነ ንግደት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስፍራን ንናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብጋሴ ማለት እውን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ እምነት ኣብ እንነብረሉ ዘመን ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ብድሆታት ዝተቓልዔ እዩ፡ ነቶም ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምስናፍ ናብቲ ናይ እምነት መበቆል ዝዀነ ቅዱስ ስፍራ ምልስ ምባል ኣገዳሲ እዩ፡ ንናይ ህላዌን ህልውናን ዓበይቲ ሕቶታት እውን መልሲ እትረኽበሎም ስፍራ ምዃኖም ጳጳሳዊ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

መካነ ንግደት፡ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኸፍቱ በራት፥ ናይ ጸሎት ስፍራን ዓበይቲ ሕዝባውያን ባህልታት ዝዕቀበሉ ትእምርቲ ኑዛዜ ተኣምኖተ ሃይማኖት እያቶም፡ ብህልውናኦምን ቅዋሜኦምን እምነት ኣብ ሰብን ማሕበረ ክርስቲያንን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝቐጹጽሉን ክሳብ ንማሕበረሰብ መንነታዊ መገልጺ ይህቡ።

መካነ ንግደት፥ ብሓባር ናይ ሓባር ከይዲ ንምብጋስ

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ይብሉ፡ እቲ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ነቶም ናይ መካነ ንግደ ኣሕሉቕን ኣብ መካነ ንግደት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንዝህቡን መንፈሳውያን ነጋዶ ምስ መካነ ንግደት ዘላልዩን ኩሎም ናይ መካነ ንግደት ቲዮሎጊያ ንኸዕሙቑን ብሓባር ናይ ሓባር መንፈሳዊ ጉዕዞ ንምብጋስን እዩ፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዝርከቡ መካነ ንግደት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 600 ዝግመቱ ተጋባእያን ይሳአፉ ከምዘለዉን፡ ካብ ፓኪስታንን ኮርያን ኤኳዶርን ዝርከብዎም ካብ መላእ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ እያቶም፡ እዚ እውን መካነ ንግደት ኵላውነታዊ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

መካነ ንግደት ናይ ጥልቂ ምስጢርን ውህበት ውበት ስፍራ እያቶም

ናብ መካነ ንግደት ዝነግዱን በጻሕትን ብዙሓት እያቶም፡ ንመፍሳዊ መርሓ ግብርን ብማሕበርን ብውልቅን ዝነግዱን፡ ካልኦት እውን ብስነ ባህልን ታሪኽን ተማሪኾም ተራ በጻሕቲ ከምዘለዉን፡ ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ እውን፡ ብዙሓት ድኻታት ካብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ዝመጹን ልክዕ ነቲ ኣብ ኦሪት ደሓር እውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝንበር ኣብ ቤተ ኣብ ምዃንን ካብኡ ሓልዮትን ድጋፍን ምድላይ ዝብል እምነት ደሪኽዎም ዝነግዱን ብዙሓት እያቶም፡ ብሓቂ መካነ ንግደት ናይ መእንገዲ ስፍራ እያቶም፡ ኵሉ ዝእንገደሎም ስፍራ እያቶም ይብሉ።

ህዱእ ጸጥታ ኣብ መካነ ንግደት

መንፈሳዊ ንግደት ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን ንኹለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ተመክሮ እዩ፡ ንኣማንያን ተመክሮ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዝንበረሉን፡ ብዙሓት ኢኣማንያን እውን ተመክሮ ምንፋቕ ን-እግዚኣብሔር ዝነብሩሉ እዩ፡ ልብኻ እትኸፍተሉን ካባኻ ወጽኢካ ክንየውነት ኣትነብረሉን እተማዕድወሉን ናይ ሕዱእ ጸጥታ ስፍራ እዩ፡ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ምዃን ዘሎ ምንፋቕ ወይ ደላይነት ደረት ሰገራዊ ክንየውነት እተስተማቕረሉን ብዛዕባኡ ዘሎካ ሕቶ እተቕርበሉን ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ መልሲ ስፍራ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

Photogallery

መካነ ንግደት
28 November 2018, 16:10