ሲኖዶስ መንእሰያት፥ ልዑል ምስታፍ ደቀንስትዮ ክህሉን ኣይፋል ግብረ ንጸላን ሲኖዶስ መንእሰያት፥ ልዑል ምስታፍ ደቀንስትዮ ክህሉን ኣይፋል ግብረ ንጸላን 

ሲኖዶስ መንእሰያት፥ ልዑል ምስታፍ ደቀንስትዮ ክህሉን ኣይፋል ግብረ ንጸላን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ይብሉ ሓናጽያን ኢየሱስ ናይ ሕይወቶም ማእከል ድዩ ኣይኰነን ከምኡ እውን ስርዓተ ትእዛዛትን ሸምዲዶም ዘቕርቡ ከምቲ ብናይ እዋንና ቋንቋ ዓቃባውያን ተባሂሎም ከምዝግለጹ ድዮም ኣይኰኑን፡ ናይ ሕልና መርመራ ክገብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ …

እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ኣብ ናይ መዛተይ ሰነድ ኣብ ሳልሳይ ክፍላ ዘስፈሮ ልልያ ወይ ሕርያ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝጀመሮ ምይይጥ ዝቐጸለሉ መበል 16 ውዕሎ ከምዘካየደን፡ ንናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወከሉ ብመሰል ተዓዛቢ ዝተረኽቡ ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ዘረባ ከምዘስምዑን፡ ኣብዚ ውዕሎ’ዚ 259 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምአሳተፉን ድሕሪ ቐትሪ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ በ 14 ናይ ዘተ ንኡሳን ጉጅለ ተመዳዲቡ ዘተ ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልዑል ተዋሳእነት ደቀንስትዮ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝዘተዩ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጓለንስተይቲ ብቑዕን ግቡእን ስፍራ ክህሉ ግድን ምዃኑ ኣበኪሮም፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ንጽሎት ንጹግ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ንጹል ምዃን የሎን፡ ተባዕቶነት ዝብል ደቀንስትዮ ዝንጽል ክህነትኣውነት ዝብልን ክልኦት ዓይነታት ቅድመ ፍርድታትን ኩሉ ዘግልል ባህሊ ኩሉ ብግቡእ ምብዳህ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡ እዚ ቃልሲ’ዚ ከም ኣብነት ዘቐምጣ እታ ንቤተ ክርስቲያን ናይ ትሕትና ኣርኣያ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዃና ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ የተሓሳስቡ።

ናብ እትብልን ኣብ መንጐ መንእሰያት ናይ መራኸቢ ስፍራ እትፈጥርን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ይብሉ ሓናጽያን ኢየሱስ ናይ ሕይወቶም ማእከል ድዩ ኣይኰነን ከምኡ እውን ስርዓተ ትእዛዛትን ሸምዲዶም ዘቕርቡ ከምቲ ብናይ እዋንና ቋንቋ ዓቃባውያን ተባሂሎም ከምዝግለጹ ድዮም ኣይኰኑን፡ ናይ ሕልና መርመራ ክገብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ … ቤተ ክርስትያን ሓሳብ እተቕርብ ጥራሕ ዘይኰነስ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ እያ፡ መንእሰይ ናይ ሕይወቱ ቀንደይና ተዋናይ ክኸውን ምስኡ ኰይና ይምጽኣኒ ከይበለት ናብኡ ብምባልን ኣብቲ ዘለሉ ብምዃድ ክኸውንን ነዚ ኸኣ እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ክልተ ዓመት ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ  ፓናማ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እናማዕደዉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሔር መራሔ እዩ፡ ናይ መንእሰይ ቡሶል እዩ

መንእሰይ ምስ እግዚኣብሔር ርክባት ዘለዎ ኰይኑ ክተርፍ መታን ክድገፍ ኣለዎ፡ እግዚኣብሔር ንመንእሰይ ዓለም ሓቆፍ ሓባሪ መገዲ እዩ፡ ብጋሴን ከይድን ምብጻሕን ኣብኡ፡ ብፁዓን ኣበው ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ትእምርቲ እምነታን ዝንዛሕ ላግጽን ዝፍጸም ግብረ ምርካስን ብሱቕታ ክረአይ ከምዘይብሉን ብቑዕን ግቡዕን መልሲ ክወሃበሉ ከምዘለዎን ብፍላይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ክርሲ ቤተ ክርስቲያን ከይፍጸም ምትጋህን ብትብዓት ምቅላስን የድሊ ኢሎም። ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ንሓደጋ ዘቃልዕ ኩሉ ምውጋእ የድሊ። ናይቲ ድኻ ኰይኑ ዝተወልደን ዝሞተን ዝተንኤን ንሱ ጥራሕ ክፍቀርን ክሰዓብን ግቡኡ ናይ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ከየማሰነት ብትኽክል ምቕራብ፡ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ኣባላት ዝሓቑፍ ናይ መንእሰይ ጉዳይ ብፍሉይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክቐውም እውን ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ብትኽክል መንእሰያት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽራኸብ ዝድግፍ፡ …

ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ንዘሎ መንእሰይ ፍሉይ ኣተኵሮ ምግባር

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ እቶም ኣብቲ  ውግእ ዝካየደሎም ዝተፈላለዩ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት፡ እናሓሰቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ፖለቲካዊ መልክኣ ምድራዊ ኣቐማምጣ ዘይኰነ ዘገድሳ ክቡርነት ሕይወትን ሰላም እናማዕደወት ነቲ መንእሰይ ሃረር ዝብሎ ግብረ ገባዊ ስልጣን ብቕዕቲ ኰይና ኣብ ጐድኖም ክትከውን እዩ፡ ብምትሕሓዝ እውን ዛዕባ ሓደስቲ ጊልያነት ዝብል ጉዳይ እውን ከምዝመኸሩን እቲ ክህሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዝዕባ እዚ ጉዳይ ናይ ገዛእ ርእሱ መግለጺ ዝተነብሮ ከምዝኸውን ይንገር።

ቃል ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን

ንናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ብመሰል ተዓዛቢ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተረኽቡ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያና ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊ ባህላ እናሓሰቡ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊት እያ፡ መንእሰይ እውን እያ፡ ብዕድመ ዝደፈእት እያ መንእሰይ እውን እያ፡ ቢሎም … ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሕውነታዊ ምትሕብባር ነቲ ካብ ክርስትና ባህሉን ሕይወቱን ናብቲ ኢክርስቲያናውነት ዘብል ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ግላውን ማሕበራውን ሕይወት ዘግልል ንዘሎ ክፍለ ዓለም መልሲ ምዃኑ ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፡ ትርጉም ናጽነት ዘዛብዕን ሃይማኖት ብተዛማድነት ባህሊ ንምትካእ ንዝግበር ጻዕሪ ንምብዳህ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባር ወሳኒ እዩ፡ ስለዚህ መንእሰይ ሰናይ ካብ ክፋእ ከለልይን ሰናይ ክስዕብን ምድጋፍ ማለት ህልውን መጻእን ዓለም ምቕናዕ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዴስነት ኣብ ሩሲያ መንእሰይ ዘርኣዮ ምምላስ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣብነት እዩ፡ ባዶነት ዝፈጥር ባህሊ ፈጺሙ ኣይስዕርን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንናይ መንእሰይ ሕንጸት ናይ ሓባር ዕዮ ዘለዎ ዓቢይ ጥቕሚ ምኽባር

ኣብ መዛዘሚ መበል 16 ውዕሎ ሲኖዶስ፡ ብሰማዕነት መሰል ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ቃለ ምስክርነት ከምዘቕረቡን፡ መንእሰይ ኣብ ምሕናጽ ከይዲ ናይ ሓባር ዕዮ ክተባባዕን እቲ ክሰፍሕ ብዙሕ ምንቕቓሕ ዘይግበረሉን ዘይምስከርን ወንጌላውያን ዕሴታት ምትብባዕን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መንእሰይ ክንጸባረቕ ዘኽእል ሕንጸት ምቕራብን፡ መንእሰይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣደንዛዚ ዕጸዋት ክርሕቕን ካብ ኣዘውታሪ ኣልኮላዊ መስተ ክቑጠብን፡ ካብቶም ናይ ሓሶት ተስፋ ኣቕረብቲ ጓሶት ክርሕቕ ዝድግፎ ሕንጸትን ክቐርበሉ ይግባእ ዝብሉን መንእሰይ ካብ ቀቢጸ ተስፋነትን ሳዕቤናቱን ናብ ትስፍው ሕይወት ኣብ እግዚኣብሔርን ዝመርሖ መገዲ ከለልይ ክድገፍ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ሲኖዶስ መንእሰያት፥ ልዑል ምስታፍ ደቀንስትዮ ክህሉን ኣይፋል ግብረ ንጸላ
19 October 2018, 17:51