መደብ ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን መደብ ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን 

መደብ ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምእንቲ ሰላም ኮርያ ኣብ ዘዕርገው መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ደቡብ ኮረያ ርእሰ ብሔር ሙን ክሳተፉ ምዃኖም

ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሞን ጃኤይን ዕለት 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሞን ጃኤይን ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኮርያ ሓሳብ ዝገበረ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ስዒቡ ዝፍጸም ምዃኑን፡ ኣብዚ ዝካየድ ርክብ’ዚ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን ኡን ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝተላእከ መልእኽቲ ንቅዱስነቶም ከረክቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ግረግ ቡርከ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣትዉ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ሞን ጃይንግ ተቐቢሎም ከዘራርቡ ከምዝኾነን ሓቢሮም።

ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምእንቲ ሰላም ኮርያ ኣብ ዘዕርገው መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ደቡብ ኮረያ ርእሰ ብሔር ሙን ክሳተፉ ምዃኖም ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ኣስዒቦም፡ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ወሃቢ ቃል ኪም ኤዩ ክዩም፡ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ኪም ጆን ኡን ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ ሰታሪት ንቕዱስነቶም ከረክቡ ከምዝኾኑን፡ ብሓጺሩ ኣብቲ መልእኽቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፕዮንግያንግ ወዓዊ ምብጻሕ ዘካይዱ እንተድኣ ኰይኖም ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብዝብል ናይ ታሕጓስ ብድሙ  ኣቀባብላ ከምዝገብሩሎም ዝገልጽ ሓሳብ ዝገልጽ ምዃኑ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ወሃቢ ቃል ክዩም ከምዘፍለጡ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዜና ኣገልግሎት ተወኪሶም ቡርከ ኣፍሊጦም።

መደብ ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን
13 October 2018, 18:12