ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ 25 ዓመት ጸጋ ንቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ 25 ዓመት ጸጋ ንቤተ ክርስቲያን 

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ 25 ዓመት ጸጋ ንቤተ ክርስቲያን

እቲ ኣብ ዱብሊን ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 25 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሮማ ንፈለማ ጊዜ ዝተበገሰን ኣብ ጽላል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለም ጸጋ እዩ፡ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ መጀመሪያ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ስዒቡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሱታፌ ዝተዓደለ እዩ።

እቲ ኣብ ዱብሊን ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 25 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሮማ ንፈለማ ጊዜ ዝተበገሰን ኣብ ጽላል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለም ጸጋ እዩ፡ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ መጀመሪያ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ስዒቡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሱታፌ ዝተዓደለ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 6 ሰነ 1993 ዓ.ም. ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ብዘነቓቐሖ መደብ መሰረት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣባይቲ ስድራ ኣዕለቕሊቑን እቲ በዓል ስድራ ቤት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተጠናቀ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ 1994 ዓ.ም. ዓመት ኣባይቲ ስድራ ክኸውን ምስ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ተተሓሒዙ ቤተ ክርስቲያን እውን ዓመት ስድራ ቤተ ኣብዒላን፡  ብፍላይ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 1994 ዓ.ም. ስድራ ቤት ሕመረት ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤተ ኣካየደት።

ነቢያዊ ውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ልክዕ ከምቲ ኣብ ጽላል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነቢያዊ ውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዩ፡ እዚ ክልተ ኵነት’ዚ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለም እውን ጸጋ ክኸውን እንከሎ፡ ከየቋረጸ ዝካየድ ከይኑ ኣሎ።

ኣብ ሮማ ክልተ ጊዜ፡ ደሓር ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮን ማኒላን ቫለንሲያን ከተማ መክሲኮን ሚላኖን ፊላደልፊያን እቲ ናይ ለምዘበን ከኣ ኣብ ኣየር ላንድ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ዝካየድ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ 1981 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Familiaris consortio - ሱታፌ (ሕብረት) ስድራ ቤት ብዝብል ኣርእስቲ ስድራ ቤት ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝትንትን ብዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ፡ ስድራ ቤተ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ምዃኑ ዘመላኽት ምዕዳን እቲ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 1993 እቲ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤተ ከም መርሕ ቃል ኣንቢሩ ዝዘተየሉ እውን ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ መንነቶምን ተልእዀኦምን ከለልዩ ይጽውዑ፡ ኣብቲ ዓመት እቶም ተወላዲ ፖላንድ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ንሕጻናትን ስድራ ቤትን ፍሉዩ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ስድራ ቤተ ዘተኵረ ከምዝገበሩ ይዝከር።

ካብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ክሳብ ማኒላ፥ እቲ ርክብ ዓለም ለኻዊ ቅርጹ ኣረጋገጸ

ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሮማ ዝተኻየደ መዓልቲ ስድራ ቤት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 1997 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤተ ስድራ ቤት ጸጋን ሓላፍነትን፡ ተስፋ ህብረተሰብ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃይነሮ ክካየድ ጸውዑ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እዚ ናይ ሪዮ ጉባኤ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ብምኽንያት 2000 ቅዱስ ኢዮበል ዓመት ኣብ ሮማ ጽድያ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ውላድ ኣተኵይሩ ከምእተኻየደን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2000 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤትን ቅልውላው ስድራ ቤትን ዘተኰረ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ እውን ይዝከር።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ማኒላ ክርስቲያን ስድራ ቤት ንሳልሳይ ሽሓዊ ሓድሽ ብስራት እዩ ብዝብ ኣርእስቲ ተመሪሕ ተኻየደ፡ ኣብቲ ናይ ማኒላ ዓለም ለኻዊ ስድራ ቤተ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብኣካል ዘይተረኽብሉ እውን እንተነበረ ብምስማዐ ርእየት፡ ስድራ ቤተ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝጸንዔን ሃብቲ መላእ ዘርኢ ሰብን፡ ንፍጥረ ሰብ ሓድሽ ቃል ብስራት ምዃኑ ዝገልጽ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣመሓላለፉ።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ግደ ስድራ ቤተ ኣብ ዝርጋሐ እምነት

እቲ ኣብ ማኒላ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምዝዛሙ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ቀጻሊ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ስፐይን ከተማ ቫለንሲያ ክካየድ እንክብሉ ኣበሰሩ፡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 9 ሐምለ 2006 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ቫለንሲያ ጉባኤ ስድራ ቤተ ግደ ስድራ ቤተ ኣብ ዝርጋሐ እምነት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ክካየድ ገበሩ፡ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መክሲኮ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 18 ጥሪ ተኻየደ፡ ስዒቡ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ስድራ ቤት ስራሕን በዓልን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑን ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣሳቲፉ ተኻየደ።

ውጽኢት ሲኖዶስ ኣባይቲ ስድራ፡ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና

ድሕሪ ሕይረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ርክብ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ከይዲ ሲኖዶስ ተጋጢሙን ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራ ክሕደስ ገይሮምን ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ፊላደልፊያ ተኻየደ፡ እቲ ናይ ፊላደልፊያ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤተ ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤተ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ፍልዩ ሲኖዶስ ስዒቡ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብኡ ተረኺቦም ናይ ስድራ ቤተ ሓጐስ ብዑምቀት ከምዝተንተኑን፡ እቲ ዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤተ ኣብ ዱብሊን ከተማ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.  ክካየድን ኣብ ናይ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ሓሴት ከተኩር ከምዝወሰኑ እንዝከር፡ እቲ Amoris laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዕምቀት ዝድህስስ እውን ክምዝኸውን ይንገር።

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ 25 ዓመት ጸጋ ንቤተ ክርስቲያን

Photogallery

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ 25 ዓመት ጸጋ ንቤተ ክርስቲያን
09 August 2018, 16:43