መንእሰያት ንቤተክርስትያን ከም መባዂዕቲ ኢኹም! ብፁዕ ካርዲ.ባሰቲ

ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን ኣብ ሮማ ንግደት ዝፍጽሙ ዘለው መንእሰያት ድሕሪ እቲ ትማሊ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቺርኮ ማሲሞ ዘምሰይዎን ኣብ ኩለን ቤተክርስትያናት ተመቃቂሎም ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ ጸሎት ምስ ኣሕለፉን ሎሚ ረፍዲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብብፅዕ ካርዲናል ባሰቲ ናይ ሃገረ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበር ብዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወት ምናዳ ኸኣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት መንእሰያት ንቅድሚት ምግስጋስን ነንሕድሕድካ ምቅባልን ቀንዲ ምዃነን ገሊጾም። ኣብቲ ቅዳሴ ልዕሊ ሰብዓ ሺሕ መንእሰያት እንክሳተፉ ምስ ብፁዕነቶም ብኁባሬ ዝቀደሱ ከኣ ካህናት ከይቆጸርካ 120 ኣቡናት ነሮም።  ብፅዕነቶም ሊቀጳጳስ ናይ ፐሩጃን ኣቦ መንበር ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያንን ምዃኖም እውን ዝዝከር እዩ።

ንእግዚአብሔር እተመስግነሉ ዝበለጸ መንገዲ!

ነቶም መንእሰያት ከም መባዅዕቲ ተስፋ ንቤተክርስትያንን ንማሕበረሰብናን ክብሉ ዝገለጽዎም ብፁዕነቶም ብዙሓት ካብዞም መንእሰያት ሳንጣኦም ተሰኪሞም ብእግሮም ነዊሕ ስለዝተጓዕዙን ናይቲ ሳልስቲ ድኻምን ልዑል ሙቀት ከተማ ሮማ ተሓዊስዎ ብሓቂ ደኺሞም ከምዝነበሩ እንክዕዘቡ ምናልባት ገለኹም እዚ ኩሉ ድኻምሲ ምእንቲ ምንታይ የድልዶ ነሩ ገለ ኣጸቢቁ ዝሰልቸዎም ከኣ ብኻ ምተረፈኒ ኣብ ምባል ዘብጽሕ እዩ። ኮይኑ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ምስጋና ንእግዚብሔር እተመስግነሉ ዝበለጸ መንገዲ እዚ እዩ እንክብሉ መንፈሳዊ ንግደት እንክትገብር ኣብ ልዕሊ እቲ እትገብሮ ጸሎታትን ኣስተንተንትኖን ንስሓን ድኻም ኣካላት እውን ክፍሊ ናቱ ኮይኑ መቅረቢ ምስጋና ምዃኑ ገሊጾም። ጐይታ ከኣ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሠናይ ተግባር ንዘህለኽናዮ ሓይሊ ንምምላስ ወትሩ ይሕግዘና እዩ ብማለት ከኣ ስለ ሠናይ ተግባር ዝፍጸም ድኻም ጻማ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

ጐይታ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ንዘህለኽናዮ ሓይሊ ንምምላስ ወትሩ ይሕግዘና እዩ!

ብፁዕነቶም ነዚ ናይ ቊሩብ መዓልታት ጉዕዞን ድኻምን ምስ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ብምትእስሳር ‘ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ምናዳ ድኻም ተስፋ ቊርጸት ምትእምማን ምስኣን ዝሓሰብካዮ ፋሕ ምባል ዝዓይነቶም ጸገማት እንከጋጥሙኻ እምበርዶ ኢልኮ ዓሚቚ ሕቶ ክትሓትት ትግደድ። ምናዳ ኣብዚ ግዜ እዚ ሽቅለት ኣልቦነት ዘይርጉጽ መጻኢ ኣሽንኳይዶ ንሓዳርን ካልእን ክትምድብ ነታ ዕለት እኳ ዝሕርብተካ ኩነታት ሃገረ ጣልያን ተሕልፎ ዘላ ቅልውላውን ኩነታትን ተስፋ ክቊርጽ እንተተደናደነ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ዝገበርኩምዎ ተመኲሮ ክስገር ዘይከኣል ጸገምን ክሰዓር ዘይከኣል ፍርሕን ከምዘየሎ ተገንዚብኩም። ከመይ በይንና ኣይኮናን ንገጥሞ ዘሎ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ጐይታ ኣብቲ ዘድሊ ግዜ መልኣኹ ሰዲዱ ነቲ ጉዕዞ ንክትቅጽል ሓይልን ትብዓትን ይህበካ። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ መጽሓፈ ነገሥት 19.4-8 ዝተመልከተ ኤልያስ ነቢይ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም በጥ ኢሉ ወላ ውሰደኒ እምበር ኣይክእሎን እየ ኣነዶ ካብ ካልኦት ነቢያት በሊጸ ኢሉ ተስፋ ቈሪጹ ብድኻምን ጥማኤትን ተሰኒፉ ክድቅስ ምስ ጀመረ እግዚብሔር መልኣኹ ሰዲዱ ከምዝቀስቀሶን ዝብላዕን ዝስተን ከምዘቅረበሉን እንደገና ምስ ደቀሰ እውን ኣተንሲኡ ነዊሕ መንገዲ ኣሎካ ሓይሊ ክኾነካ ብላዕ ኢልዎ በሊዑ በቲ ሓይሊ እቲ ነርባዓ መዓልትን ነርብዓ ለይትን ተጓዒዙ ኣብ እምባ እግዚብሔር ከምዝበጽሔ የዘንቱ።

ኤልያስ ነቢይን ናይ ሎሚ ማሕበረሰብናን!

ኤልያስ ነቢይ ካብ ሓንቲ ንነዊሕ ዘመን ተሳድዶ ዝነበረት ንግሥቲ እዩ ይሃድም ነሩ! ታሪኹ ንሕይወት ናይ ብዙሓት ናይ ዘመንና መንእሰያት ዝመሳሰል ኮይኑ ንረኽቦ። ከመይ እዞም መንሰያት እዚኦም ከምቲ ካብ ሞት እንክሃድም ኩሉ ምስ መረሮ ሞት ዝተመነየ ካብ ገዛእ ዓዶም ብምኽንያት ውግእን ውልቀምልካዊ ኣገዛዝኣን ጥሜትን ሃዲሞም ዝስደዱ ዘለው ምስ ናይ ኤልያስ ነቢይ ይመሳሰል።

ንስደተኛ ናይ ምቅባል ግድነት!

ታሪኽ ኤልያስ ነቢይ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣድቂቅና እንተንቢብናዮ ሠለስተ ግዜ ናብ ኣፋፈት ሞት ቀሪቡ ኮይኑ ሕጅስ ክመውት እየ ንሞት ኣብ ዝጽበይሉ ሓገዝ ጐይታ ኣይፍለዮን ነሩ። መጀመርያ ኣብቲ ባዓቲ ተሓቢኡ እንከሎ ኳዃት መግቢ የምጽኡሉ ነሮም። ካልኣይ እታ መበለት ናይ መወዳእታ ሓሩጫን ዘይታን ከምዝኾነ ምስ ነገረቶ ጐይታ እተን ሓሩጭ ከምዘይውዳእ እተን ዘይቲ እውን ከምዘይጽንቀቃ ይነግሮ እሞ ንነዊሕ ግዜ እታ ድኻ መበለት ዘይትፈልጦ ዘይዓሌቱ ትምግቦ። እታ ሳልሰይቲ ከኣ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናይ እግዚብሔር መልኣኹ ይሰደሉ። እዚ ኩሉ እንታይ ይምህረና ኢሎም ይሓቱ እሞ ብዝኾነ ይኹን ኣብ ጸገም ንዝርከብ ስደተኛስ ይኹን ወጻእተኛ ክንቅበል ከምዘሎና ወላውን ከምታ መበለት ሰበይቲ ዕማኾ ሓሩጭን ጽንቃቅ ዘይትን ዝሓዘ ብሓልዮት እግዚብሔር ተኣምር ክጭብጥ ምናዳ ከኣ ኣብ ልብና ተኣምር ክገብር ይኽእል፣ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምልስ ኢሎም ኢየሱስ ሓቀኛ ብጻይ ጒዕዞ ምዃኑ ይገልጹ።

ኢየሱስ ሓቀኛ ብጻይ ጒዕዞ!

ኤልያስ ነቢይ ተስፋ ቈሪጹ ሞቱ ተመንዩ ኩሉ ኣብ ጥርዙ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ጐይታ መልእኹ ይሰደሉ እሞ ክበልዕን መንገዱ ክቅጽልን ናብ ሕዝቡ ተልእኮኡ ክፍጽምን ይነግሮ። እዚ ዝምህረና ከኣ ምናዳ መንእሰያት ንኢየሱስ ካብ ምድላይ ከቋርጹ ከምዘይብሎም ምኽንያቱ ኢየሱስ ኣብ ልቢ ሰብ ንዘሎ ብሓቂ ስለዝፈልጦ ንኢየሱስ ከም ዕላማኡ ሒዙ ምስ ኢየሱስ ንዝጐዓዝ ኢየሱስ ፈጺሙ ኣይሓድጎን እንክብሉ ኣብ ጉዕዞ ሕይወቱ ነቲ ሓቀኛ ብጻይ ዘይጠልም ብጻይ ኢየሱስ ፈሊጡ ኣሚኑ ዝጐዓዝ ወዲቁ ከምዘይወድቅ ብምርግጋጽ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
13 August 2018, 16:02