ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ኣብ ደቡብ ኰርያ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ኣብ ደቡብ ኰርያ 

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ኣብ ደቡብ ኰርያ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ሰኑይ ዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ደቡን ኮርያ ካብ ዕለት 4 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ጀሚሮም የካይዱ ኣለዉ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ሰኑይ ዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ደቡን ኮርያ ካብ ዕለት 4 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ጀሚሮም የካይዱ ኣለዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ንሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከምዝርከቡን፡ ኣብዚ ንሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ሞን ጂ ኢን ሎሚ ዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም. ከምእተራኸቡን ኣብቲ ደቡን ኮርያ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝፈልያ ካብ ወተሃደራዊ መዓስክር ናጻ ዝኾነ ዶብ ምብጻሕ ከምዘካየዱ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነቶም ሎሚ ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ካንግ ክዩንግ ውሃን ቀጺሎም እውን ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ምስ ዝዀኑ 40 ናይታ ሃገር ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ እውን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዕለት 7 ሓምለ ዛዕባ ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝዝትይ ካቶሊካዊ ጉባኤ ኣብ ዝጠለቦ ዓወደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ኣመልኪቱ፡ ዕለት 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሰውል ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ዘምየኦንግዶንግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና ንኸይዲ ዕርቂ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ዘካየድዎ ርክብ፥ ልባዊ ምቅርራብን ዓቢይ ኣኽብሮት ዝተራእየሉን ብትሕዝቶ እውን ጽዑቕ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ። ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ መልእኽቲ ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ብሔር ደቡብ ኮርያ ኣመሓላሊፎም፡ ደገፍን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ንከይዲ ሰላምን ዕርቅን ኣቕሪቦም። ንሰላም ዝድግፍ ዝኾነ ይዅን ዓይነት መደብ ሰብኣዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ሓቢሮም መንእሰይ ወለዶ ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክሕነጽ ንናይ ሎምን ጽባሕ ሰላም ምውሓስ ማለት እውን ምዃኑ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ከምዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ንደገፍ ሰላም ኣብ ደቡብ ኰርያ
05 July 2018, 16:03