ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ: ኣይፋልን ንውግእ ናይ ሰላም ባህሊ ነደንፍዕ!

ወርሒ መጸ ዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ መደብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሚያዝያ 2023 ዓም ብርእየት ኣብ ዝዘርግሖ "ዘይጎነጻዊ ምንቅስቃስ ንኩሉ ተግባራትና መምርሒ ክንገብሮ ኣሎና" ዝብል ዕድመ ቅዱስነቶም ብምቅራብ ዝመጽእ ሰሉስ ዕለት 11 ሚያዝያ መበል 60 ዓመት ናይታ ብቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝተላእከት ፓቸም ኢን ተሪስ ‘ወሰላም በምድር’ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ከም ዝዝከር ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ነቲ ቅድሚ ስሳ “ኲናት ዕብዳን እዩ፣ ኪኖ ምኽንያት እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ ፓቸም ኢን ተሪስ ወሰላም በምድር እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንዝጸሓፍዎ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናቶም ብምግባር፡ ቤተክርስትያን "ብመንግስታትስ ይኹን ብኩሎም ዜጋታት ባህሊ ዘይጎነጻዊ ምንቅስቃስ ክስፍሕፋሕን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሓደ ዝኸይድ ምጥቃም ኣጽዋር ውግእ ክዝውተርን’’ ክትጽሊ ይዕድሙ። ኣብቲ ብመገዲ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኣቢሉ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዘርገሐ ናይ ርእየት መልእኽቲ ሐሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ "ብዘይ ዓመጽ ምንባር፡ ምዝራብን ምውሳእን ማለት ተስፋ ምቑራጽ፡ ወይ ምኽሳር፡ ወይ ምሕዳግ ማለት ኣይኮነን" ክብሉ ይዝክሩ። ነዚ ኸኣ ኩሎም ክረኽብዎ ምምናይ የድሊ” እንክብሉ ሰላም ጥራይ ክንምነ ኣጽዋር ውግእ ክንጽየፍ ኣይፋል ክንብሎ ይዕድሙ።

ብዘይ ኣጽዋር ውግእ እትርከብ ሰላም ጥራይ ንድለ!

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣብ ውግእ ምንም መኽሰብ ከምዘየሎን ዝገደደ ከኣ ኩሉ ኩሎም ዝሰዓሩ ዝመስሎምስ ይኹን ዝተሳዕሩ ዝመስሎም ከምዝኸስሩ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ነፍሲ ወከፍ ኲናት፡ ነፍሲ ወከፍ ዕጥቃዊ ግጭት ኩሉ ግዜ ንኹሉ ሰብ ስዕረት ኮይኑ ስለ ዝውዳእ፣ ኣብ ጉዳይ ርእሰ ምክልኻል'ውን እንተኾነ ባህሊ ሰላም ኣደንፍዑ ከመይ እቲ ዕላማ ሰላም እዩ ዘለዎ። ነባሪ ሰላም ብዘይ ኣጽዋር ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። መምርሒና ዘይጐነጻዊ ምንቅስቃስ ይኹን።”

ዘይጎነጻዊነት፡ መምርሒ ዝኾነ ስጉምቲ!

ቅዱስነቶም በዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልዎ ምኽንያት "ኣብ መዓልታዊ ህይወትናስ ይኹን ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትና ዘይጎነጻዊ ምንቅስቃስ ንኩሉ ተግባራትና መምርሒ ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ ኣይፋልን ንውግእ ብማለት ዘይጎነጻዊ ምንቅስቃስ ብምምራጽ ባህሊ ሰላም ባህሊ ክነደንፍዕ እንተዘየሎ ውግእ ናይ ኩልና ስዕረት እዩ ኢሎም።

ስዕረት ንኹሉ!

ብዛዕባ ውግእ ኣነጺሮም ብቋንቋ ጸሊምን ጻዕዳን ኣምሳል ዝተዛረቡን ዝጸሓፉን ካብ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ጀሚርካ፡ ማህተማ ጋንዲ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልካታ  እንክንዝክር እዞም ሰባት እዚኦም ኩሎም ኣብ ማእከል ተርእዮታት ውግእን ዕንወትን ምንም ፍልልይ ከምዘሎ የነጽሩ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ብዝተላዕለ ውግእ ንሃገረ ኡክረይን ዘዕኑ ካብ ዘሎ ውግእ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ከማኡ እውን እቲ በብግዜኡ ኣብ ከም በዓል ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣውተማቲክ ጠመንጃ ኣልዒልካ ተመህሮን ሰላማውያን ምቅዛፍ ሳዕቤኑ ምምልካት እኹል እዩ። እዚ ኩሉ ዘመሓላልፈና መልእኽቲ ዋላ ​​እኳ መሰኻኽር እንተዘይሰኣኑ ዓለምና ግን ገና መሰረታዊ ትምህርቲ ኣይወሰደትን: ኲናት ንኹሉ ኩሉ ስዕረት ምዃኑ ኣይተሰቈራን። ሕስብ እንተበልናዮ ዕለት ዕለት ኣብ ዓለምና ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ብብረት ይሞቱ ኣለው።

ኣብ መዓልቲ ብብረት 500 ሰባት ይሞቱ!

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝበሃል ስለመሰላት ደቂሰባት ዝማጐት ብዘቅረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ መዓልታዊ ልዕሊ 500 ሰባት ብሰንኪ ተዂሲ ጠመንጃ ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 2000 ድማ ግዳይ መውጋእትን መቊሰልትን ይኾኑ። ከማኡ እውን ኣብ ዓለምና ካብ ዘጋጥም ቅትለት 44% ቅትለት ብጠመንጃ ከም ዝፍጸም የመልክት። እዚ ኩነታት እዚ ብቐጥታ ምስ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ውግእ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም: ኣብ ዓመት 8 ሚልዮን ቀለልቲ ኣጽዋርን 15 ቢልዮን ተተኮስትን ከምዝፈሪ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ። ነዚ ዘጋድድ እንታይ እዩ እንተበልና እቲ ኣብ ዩክሬን፡ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ውግኣትን ከምዝኾነን እቲ እንኮ ፈውሲ ናይዚ ከኣ ‘ኣብ ውሽጢ ብሃገራዊ ደረጃስ ይኹን ብኣህጉራዊ ደረጃ መንገዲ ሓቀኛ ዘተ ንምጅማርን 'ዘይጎነጻዊነት ምንቅስቃስ ንምትትታውን ሀ ቢልካ ምጅማር የድሊ። ንኩሉ ተግባራትና ከኣ በዚ ክምራሕ ክነፍቅድ የድሊ፣ እንኮ መንገዲ ሰላም ከኣ ኢየሱስ እዩ ኢሎም።

ኢየሱስ መንገዲ ሰላም!

ንሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ዝዝርግሕ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ጸሎት ሓሳብ ር.ሊ.ጳ ኣብ ፍረደሪክ ፎርኖስ "ኣብ ቅድሚ ናይ ዘመንና ዓመጽ"  ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሓደ ወርሒ ምሉእ 'ንዝያዳ ዝርገሐ ባህሊ ዘይጎነጻዊ ምንቅስቃስ' ክንጽሊ ሓሳብ ኣቕሪቦልና ኣለው። ብርግጽ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ካብቲ ኣዝዩ ጭቡጥን ቅርበት ዘለዎን ክፋል ልቢ እዩ ዝጅምር። እዚ ልቢ እዚ ኣብ ጐደና ምስ ካልኦት እንክራኸብ፡ ገጾም፡ ኣጠማምታኦም፡ ብፍላይ ካብ ካልእ ዝመጹ፡ ከማኡ ዘይዛረቡን ናተይ ወገን ኣይኮኑን ዘይብልን እዩ። ብባህሉ፡ ብኣተሓሳስባኡ ጓና ይመስለና እሞ በዚ ምኽንያት ድማ ‘ወጻእተኛ’ ቢልና ንጽውዖ። ውግእን ግጭትን ቅድሚ ኣብ ግንባራት ኣብዚ ሕጂ፡ ኣብ ልብና፡ ዓመጽ ንፍትሕን ይቕረታን ክትክእ ኣብ እንፈቕደሉ እዋን እዩ ዝጅምር። ሕይወት ኢየሱስ ንሓቀኛ መንገዲ ሰላም ከም ዝገልጽን ንዕኡ ክንስዕቦ ከም ዝዕድመናን ወንጌል የመልክተልና። በዚ መንፈስ እዚ ኢና እምበኣር ቅድሚ ዝኣገረ 'ናይ ገዛእ ርእስና ዕጥቂ ውግእ ክንፈትሕ' እንጽዋዕ ነዚ ከኣ ብትርጉም ቃላትናን ተግባራትናን ኣብ ልብና ዘሎ ኣጽዋር ጽልኢ ንፍታሕ እንብሎ ኣብ ልብና ነቲ ምንጪ ሰላምን መንገዲ ሰላምን ዝኾነ ኢየሱስ እምበር ንጽልኢ ክነንግሥ ከምዘይብልና ኣዘኻኺሮም።

 

31 March 2023, 12:50