ር.ሊ.ጳ.፥ ወለንተይናታት ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን እዮም ር.ሊ.ጳ.፥ ወለንተይናታት ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን እዮም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ወለንተይናታት ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን እዮም

ቅዱስነቶም ይብሉ፥ “ወለንታዊ ኣገልግሎት ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ጸጋ እዩ፥ ስለዚ ነዚ ጸጋ እዚ ሓደራ ተቐበልዎ . . . ንምቕባሉ ድማ ኣይትፍርሑ” እንክብሉ ተላብዮም . . . “ወልንተይናታት ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን እያቶም . . . ኣገልግሎቶም ኣካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወለንተይናታት ንቤተ ክርስቲያን ዝህብዎ ኣገልግሎት የተባብዑን የመስግኑን፥ ኣብ ወለንታዊ ኣገልግሎት እዚ ምስታፎም ክቕበልዎ ዝግብኦም ጸጋ ኣምላኽ ገይሮም ክነብርዎ ይላበዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ታሕሳስ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ወለንተይናታት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ወለንተይናታት ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣተሓሒዞም፥ ኣብ ኵሉ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎን ሕዋርያዊ መገሻታቶምን ተወፋይነትን ሓይሊ ወለንተይናታትን ከም ዝመሰጦም ገሊጾም፡ ወለንታዊ ኣገልግሎት “ሓደ ነገር ንቕድሚት ዘሰጉም ጽንዓት . . . ክትገልጾ ዘይከኣል ሓይሊ” እውን እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣስዒቦም፥ ብወለንተናኦም ንሕሙማን ከኣልዩ “ግዚኦምን ዓቕሞምን ከይበቐቑ መዓልታዊ ዘገልግሉ ኣብነት እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ወለንታዊ ኣገልግሎት ጸጋ ኣምላኽ እዩ

ቅዱስነቶም ይብሉ፥ “ወለንታዊ ኣገልግሎት ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ጸጋ እዩ፥ ስለዚ ነዚ ጸጋ እዚ ሓደራ ተቐበልዎ . . . ንምቕባሉ ድማ ኣይትፍርሑ” እንክብሉ ተላብዮም . . . “ወልንተይናታት ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን እያቶም . . . ኣገልግሎቶም ኣካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባራት እያቶም ዝፍጽሙን ዝዕቅቡን . . . ስለዚ ስለ ዝገብርዎ ልግሲ ድማ አመስግን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓለም ለኸ መዓልቲ ወለንተይንታት 2022 ዓ.ም.

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ወለንተይናታት 2022 ዓ.ም. “ሓልዮት ብወልንታዊ ኣገልግሎት” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን፥ ወለንተይናታት ብዝገብርዎ ጻዕርታት እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘለዎም ተልእኾ ከም ዘጉልሑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመላኸቱን ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ነቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊስበን ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝግበር ምድላዋት ኣብ ዝተበገሰሉ ዕለት እውን ምዃኑ የመላኽት።

06 December 2022, 16:10