VATICAN-RUSSIA-RELIGION-POPE VATICAN-RUSSIA-RELIGION-POPE  (AFP or licensors)

ርክብ ር.ሊ.ጳ ምስ መትሮጶሊታ ጒዳያት ወጻኢ መንበረ ፓርትያርክ ናይ ሞስኮ አቡነ ኣንቶኒ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንመትሮጶሊታ ሂላርዮን ተኪኤም ዝተሾሙ መትሮጶሊታ ጒዳያት ወጻኢ መንበረ ፓርትያርክ ናይ ሞስኮ አቡነ ኣንቶኒ ተቀቢሎም ከምዘዘራቡ እንክምልከት ብዛዕባ መጻኢ ርክብ መንጎ ቅድስነቶምን ፓርትርያርክ ናይ ሞስኮን ከምዝተዛተዩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ምስ ተኸስተ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ክሪል ብቪድዮ ተራኺቦም ብዙሕ ዘዘራረበ ከም መራሕቲ እምነት ንሕና ዲያቆናት መራሕቲ ሃገራት ክንከውን የብልናን ዝብል ምኽሪ ድሕሪ ምልጋሶም ደጋጊሞም እቲ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ብምቅራብን ዝተፈላለየ መደባት ጸሎትን ጾምን ብምእዋጅን ክሳብ ለይቲ ሎሚ እዚ ውግእ ደው ዝብለሉ መንገዲ ኪናደ ኣብ ርእሲ ምቅላሶም ብኣካል ናብ ሞስኮስ ይኹን ክየቭ ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ቀቅድሚ መገሻ ቅዱስነቶም ንካናዳ ምናልባት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣቢሉ ቅዱስነቶም ንክየቭ ክበጽሑ ዝከኣል እዩ ኢሎም ነበሩ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተገብረ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ቅድሚ እቲ ቅዱስነቶምን ፓትርያርክ ክሪልን ኣብ ካዛኪስታን ዝግበር ዓለምለኸ ጉባኤ መራሕቲ እምነታትን ባህልታትን ዝዛተዩሉ ዋዕላ ምስ ሞስኮ ንዘሎ ቅርበት ንምብርባር ምስ መትሮጶሊታ ጒዳያት ወጻኢ መንበረ ፓርትያርክ ናይ ሞስኮ አቡነ ኣንቶኒ ኣብ ቫቲካን ርክብ ክግበር ከምዘዋደዱን እቲ ርክብ ብሓቂ ዘቀራርብን ንምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ክየቭ ስዒቡ ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ዘአንፍት ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2022, 18:25