ር.ሊ.ጳ.፥ ላቲን ኣመሪካ ብመሃዛይ ፍቕሪ ኣዕለቕልቒ! ር.ሊ.ጳ.፥ ላቲን ኣመሪካ ብመሃዛይ ፍቕሪ ኣዕለቕልቒ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ላቲን ኣመሪካ ብመሃዛይ ፍቕሪ ኣዕለቕልቒ!

ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም. እዞም ኣብ 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ ኣብ ኣፓረሲዳ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ ቀንደይና ተዋሳኢ ከምዝነበሩን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዝካየድ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ ናብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ሲኖዶስ ዝሓትቶ ተልእኾ ንሰባት ካብ ምስማዕ ዝጅምር እዩ፡ ንሓድሽ ደረት ትርኢት እውን ብትብዓት ክፉታት ንዅን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቃል ኣምላኽ ንምእንጋድ ናይ ሕዝቢ ድምጺ “ምስማዕ” ከምኡ እውን “ተልእኾ ወንጌል ብመሃዝነት ክእለት ምዕልቕላቕ” ኣብ ዝብል ክልተ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣሞርኵይዞም ብምልእታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ከተሳልጦ ዝግብኣ ክልተ ቃላት ኣለዋ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ዝደጋገም ከምቲ ዝሓለፈ ዝቕጽል ኣብ ምቕጻል ሓድሽን ደረት ትርኢት ክህልዎ ጻውዒት የቕርቡ፡ እቲ ንሃገራት ካሪብያንን ላቲን ኣመሪካን ዘጠቓልል ኤቅለስያዊ ዓውደ ርክብ ናይቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሲኖዳውነት ውጽኢት እዩ። ኣስዒቦም እውን እቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፥ መርሕ ቃል “ሱታፌ ሕብረትን ተልእኾን” ዝብል ምዃኑ ብምዝኽኻር ክርሳዕ ዘይብሉ፥

ምስማዕ ብፍላይ ንዝተረስዑን ዝተጠንጠኑን

ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም. እዞም ኣብ 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ ኣብ ኣፓረሲዳ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ ቀንደይና ተዋሳኢ ከምዝነበሩን ኣብቲ እዋን ኣብ እተኻየደ ዓውደ ጉባኤ “ናይ ተልእኾ ወንጌል ሓዋርያት” ንምዃን “ተስፋ ከነተባብዕ” ዝተጸዋዕና ኢና ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩና እዩ ቢሎም፡ ኣብ 2031 ዓ.ም. ብዝበዓል ኢዮቤል ግልጸት ማርያም ዘጓዳሉፐን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2033 ዓ.ም. ዝበዓል ኢዮቤል ድሕነትን ደረት ትርኢት እናማዕደና ጸዋዕታና ንንበር ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ዋዕላ ኣቡናት ጥራይ ዘይኮነስ ንድምጺ ኵሎም እተጠመቑ ሓድሽ ቦታን ክብርን ብምሃብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርክብ ምእንቲ እተጸውዐ ሲኖዶስ ንጸሊ፡ እቲ ኣብ መክሲኮ ዝካየድ ዘሎ ኤቅለሲያዊ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ነጸብራቕ እዩ፥ ስለዚህ ድምጺ ኣምላኽ ብሓቂ ምስማዕ ናይ ሕዝቢ ገዓር ንኽትሰምዕ ይድርኽ፥ ነቲ ናይ ሕዝቢ ገዓር ምስማዕ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቓድ ንኸነለልይ የኽእለና፡ ኣብ ገዓር ህዝቢ ፍቓድ ኣምላኽ ምልላይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተባዓት ልኡካነ ወንጌል

እቲ ካልእ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘጒልሕዎ ቃል፥ “ምዕልቓልቕ” ዝብል እዩ። ድሕሪ “ጸሎትን ማሕበራዊ ምስረቓን”፥ ፍልልያት ንምግምማዕ ምኽንያት ክኸውን ዝገብር ኵሉ መሰናኽላት ምስናፍ” ምእንቲ እዚ ድማ ንእግዚኣብሔር እምሕጸን ቢሎም፥ “እቲ እተካይድዎ ዘለዅም ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ብዘይ ፍርሂ ምስ ካልኦት ንኽንራኸብ ዝድርኸና ናይ መሃዛይ ፍቕሩ መንፈስ ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ወንጌላዊትን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕዳሴን ምልዋጥን ኣቢላ ዝያዳ ልእኽቲ ክትከውን ዘተባብዕ” ክኸውን ድማ ጸሎተይ እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 November 2021, 15:51