2020.12.11 Accensione Albero di Natale ed inaugurazione Presepio 2020.12.11 Accensione Albero di Natale ed inaugurazione Presepio 

ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዘመነ ለበዳ ኮቪድ ብርሃን ልደተ ክርስትስ የንጸባርቅ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ዘመነ ደሓን ከም ማንም ውድድር ዚካየድ ዝነበረ ኣብ በዓለ ልደት ዝግበር ውድድር መዛሙር ልደት ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ዕጽዋ ሎምዘመን ብዝሕ ዝበሉ መን እሰያት ሓደስቲ መዛሙር ልደቶም ሒዞም ክወዳደሩ ይሰናደው ኣለው፤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ውድድር ንዝሳተፉ መንእሰያት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ዘመን ልደት ኣብዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኣደራዕ ለበዳ ከይተረፈ ወትሩ ካብ ቅኒት መዝሙር ኣይፍለን እዩ’ እንክብሉ ኣተባቢዖም።

ዜና ቫቲካን!

ብ2015 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ንቅዱሳን እትሓሊ ማሕበር ንኲስኰሳ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝምልከት ኣብ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመርኲሶም ዝመሥረትዎ ጳጳሳዊ ተቊዋም ግራቪሲሙም ኤዱካስዮኒስ  ምስ ሚስዮኒ ዶን ቦስኮ ቫልዶኮ ብምሕባር ውድድር ልደት ብዝብል መንፈሳዊ ኒሕኒሕ መንእሰያት ብመንፈስ ልደትን ትርጉሙን ተደፋፊኦም ሓደስቲ መዛሙር ንክደርሱ ዘቅረብዎ ዕድመ ተቀቢሎም ብዙሓት መንእሰያት ካብ ኩርናዓት ዓለም መዝሙራቶም ሒዞም ብምምጻእ ንውድድር ይሰናደውን ይለማመዱን ኣለው።

ቅዱስነቶም ነዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ብመንፈስን ብርሃንን ልደተ ክርስቶስ ተደፋፊኦም ክንዮ ዘሎ ኣደራዕ ለበዳን ካልእ ጸገምን ሰጊሮም ኣብዚ ቅዱስ ውድድር እዚ ብምርካቦም ብጣዕሚ ከምዝተሓጐሱ ብምግላጽ ‘ንኩሎም ነዚ ውድድር እዚ ብው ዕው ዕ መንፈስ ዝተቀበሉ ኩሎም መን እሰያት ፍሉይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምንዮተይ እገልጸልኩም’ እንክብሉ ተቀበልዎም።

ዘመነ ምጽኣትን ለበዳ ኮቪድን!

ቅዱስነቶም እቲ ምስ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ናይ መጻኢ መንፈሳውያን ሥነጥበባውያን ምርኻብ ከምዘሐጐሶም ብዓቢኡ ከኣ ናብ በዓለ ልደትን ምሥጢሩን ንምስንዳው ዓመት መጸ ምሩጽ ግዜ ገቢርናይ እንወስዶ ዘመነ ምጽ ኣት ንምቅባል ኣብ እንሸባሸበሉ ድሮ ምዃኑ ሓጐስ ኣብ ር እሲ ሓጐስ ከምዝተሰመዖም እንክገልጹሎም፤ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ብርሃን ልደተ ክርስቶስ ቁሩብ ዝደብዘወ ኰይኑ ኣብ ዘመንና ዓቢ ተጽንዕኖ እኳ እንተተራእየ ክንዮ ኩሉ ጸገማትን ፈተናን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክነስተንትንን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ተስፋ ዝህብ ኰይኑ ነዚ ተስፋ እዚ ተዓጢቅና ክንዝምርን ክንሕጐስን ስለዝዕድም ዝግበር ውድድር መንፈሳዊ መዛሙር ልደት እውን ካብ ቅኒት ዜማ ብርሃኑ ከይንወጽ እን ተስፋ ከይንቈርጽን ኣብ ርእሲ ምድጋፉ በዓለ ልደት ብዓንዲ ርእሱ በዓለ ርሕራሔን ሓልዮትን ስለዝኾነ ጽባቄኡ ኣብ ትሕትናን ምል ኣት ሰብ ኣዊ ፍቅርን ሙቀትን ስለዘለዎ ምስ ዘሎና ጸገም ብብርሃኑ ክንደምቅ ኢና እንክብሉ ተስፋ ኣስነቅዎም።

መንፈስ ልደት!

መንፈስ ልደት መንፈስ ርሕራሔን ሓልዮትን ሰማያዊ ኣቦና ብተግባር ዝገልጽ ብምዃኑ ንሕና እውን በዚ ርሕራሔ እዝን በዚ ሓልዮት እዝን ተተንኪፍና ናኣሽቱ ጒዳያት እውን እንተኾነ ነንሕድሕድና ክንገብሮ እንከሎና ብርሃን ልደተ ክርስቶስ ብ ኣኡ ዘንጸባርቀሉ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ብምዃኑ ኣይነስተናዕቆ።

“ንበይኻ እትብሕትወሉ ወይውን እትሃድመሉ ኣፍኣዊ ተግባር ኣይኮነን፤ እኩ ደኣ ብ ኣንጻሩ ልብኻ የስፍሕ ልግሱ ይኸፍተሉ ንገዛእ ር እሱ ክሳብ ምውፋይን ደፋፊኡ ባህላውን ማሕበራውን ኲኩኰሳውን ምንቅስቃሳት ከምዘመንጩ ይገብሮ። ከማኡ ስለዝኾነ ከኣ እነሆ ኣብዚ ኲስኰሳዊ ውድድር ትርከቡ።”

ቤተክርስትያንከስ በዚ መንፈስ እዚ ተደፋፊኣ እያ ንኩለንትናዊ ናይ ኲስኰሳ መደብ ሕይወት ንምዝራእ እትቃለስ፤ ናይዚ ኲስኰሳ እዚ ዕላማ ከኣ ምምቅቃልን ነንሕድሕድካ ምቅዋምን ኣሸኒፎም ርክብ ሕውነት ዝዓብለሎ ሰብ ኣውነት ዳግም ኪሃንጹ ዝኽ እሉ ብሱላት ሰባት ንምፍራይ ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ነዚ ንምግባር ከኣ ካብቶም ተወዳደርቲ ትብዓትን ምህዞን ከምዘድሊ ከማኡ እውን ብምንም ተኣምር ተስፋ ቊርጸት ዝበሃል ጥቃኦም ክቀርብ ከምዘይብሉ ብምግንዛብ ብርሃን ልደት ብናኣሽቱ ናይ ፍቅርን ኣገልግትሎን ተግባራት ከምዘንጸባርቅ ተረዲኦም ዝከኣሎም ከበርክቱ ሓርራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 November 2021, 16:20