ቤተክርስትያን እስሎቫክያ ምስክርነት ነፃነትን ምህዞን ዘተን ትኹን! ር.ሊ.ጳ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ እስሎቫክያ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተራኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን ‘ውሉደ ክህነት እስሎቫክያ ብነፃነትን ምህዞ እምነትን ዘተን ወንጌል ሓድነት እተደንፍዕ መንፈስ ትሕትና ዝመለለዪኣ ቤተክርስትያን የቊሙ’ እንክብሉ ምዒዶም።

ዜና ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ እስሎቫክያ ኣብ ዝፍጽምዎ ዘለው ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ውሉደ ክህነት ናይቲ ዓዲ ማለት ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዘርኣ ምንኲስናን ከማኡ እውን መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቲን ከተማ ብራቲስላቭ ሰኑይ ዕለት 13 መስከረም 2021 ንግሆ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ልባዊ ሰላምታኦም ድሕሪ ምቅራብ ስለቲ ዘቅረቡሎም ዕድመ ኣመስጊኖም ኣብ መንጎኦም እንክርከቡ ኣብ ገዛእ ቤቶም ዘለው ኰይኑ ከምዝስምዖም ገሊጾም። በዚ ከኣ ጋሻ ዘይኮነስ ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ ከምዝስምዖም ብፍሉይ ስምዒት ብምግላጽ እቲ ከም ሓደ ሓው ክበጽሕዎም ዝመጽዎ ናብ ዝበለጸ ሓድነት ከምዘደየቦም በዚ ከኣ ብዛዕባ ሓውጾተ ኖልዎኦም ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።

ኣብ መንጎኹም ዝርከበሉ ቀንዲ ምኽንያት ተመክሮታትኩም ክካፈል ሕቶታትኩም ክቅበል ሃረርታን ተስፋን ናይ ቤተክርስትያንኩምን ናይ ሃገርኩምን ጽን ቢለ ንምስማዕ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ትገብሮ ዝነበረት እዩ። ንሳቶም ኣብ ጸሎት ጽኑ ዓት ነበሩ ብኩሉ ኩሉ ከኣ ተሰማሚዖም ብውህደት ይጐዓዙ ነበሩ። በዚ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም ሕይወታ እትነብር ትኸውን።

ኣብ ውሽጢ ዓለም ሕይወታ እትነብር ቤተክርስትያን

ቅዱስነቶም ሎሚ ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት ብመሠረት እታ ቀዳመይቲ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተክርስትያን ሎሚ እንብህጋ ቤተክርስትያን ከመይ ዝበለት ምዃና ከምዚ ክብሉ ገለጹ ‘ብሓባር ክትጐዓዝ እትኽእል ቤተክርስትያን ነዚ ከኣ ነቲ ህያው ሽግ ወንጌል ሓፍ ኣቢላ ሒዛ ኣብ ጐደናታት እትምርሽ  ኰይና ከምቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ዕርድታትን ምቾት ዝመልኦ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካል ኰይኑ ንዓለም ኣትሒታ ዘይትጥምት እያ’ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ቤተክርስትያን ማሕበር ኰይኑ ንሰባት ብታሕጓስ ወንጌል ናብ ክርስቶስ ክትስሕብ ዘንቀደት በዚ ከኣ ንዓለምና ናይ መንግሥቲ እግዚኣብሔርን ፍቅሩን ሰላሙን መባዂዕቲ ትኸውን።  ስለዚ ቤተክርስትያን ከምቲ ዘለዎ ኩሉ ገዲፉ ንኣና ንከሀብትም ድኻ ዝኾነ ትሕትና ክትለብስ ኣለዋ ትሕቲ ክትከውን የድሊ ኢሎም።

እታ ኣበው ሰላም ለኪ ቅድስት ቤተክርስትያን ኢሎም ዝንእድዋ ቤተክርስትያንከስ ቀንዲ ጽባቄኣ ትሕትና ኰይኑ እዚ ዝመለለዪኣ ቤተክርስትያን ከኣ ካብ ዓለም ዘይረሓቀትን ዘይተፈልየትን ኣብ ውሽጡ ኰይና እትነብርን ንግድላትን ተስፋን ትጽቢትን ሕዝቢ ንክትሳተፍን ንክትርዳእን ብፍቃዳ እትጽመድን እትውፈን እያ ቤተክርስትያን ጽባቄኣ ዘደንቅ ምዃኑ ገሊጾም።

“በዚከምዚ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዋሒጣ ካብ ምትራፍ ትድሕን እሞ ሕመረታ ክንዲ ገዛእ ርእሳ ምዃን ክርስቶስ ይኸውን። ስለዚ ኣብ ሓቀኛ ሕይወት ሕዝብና ብምስታፍ መንፈሳውያን ድልየታቶምን ትጽቢታቶምን እንታይ እንታይ ኮን ይኾኑ! ካብ ቤተክርስትያንከ እንታይ ይጽበዩ! ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሕተት ድሕሪ ቢሎም! ካብቲ ብዙሕ ድልየታትን ትጽቢትን ዓለምና ኣብ ሠለስተ ጥቅልል ኣቢሎም ነፃነት ፈጠራን ዘተን ኣመልኪቶም።”

ነፃነት ወይውን ሓርነት ወንጌል!

‘ደቂሰባት ብነፃነት ክነብሩ ነፃ ኰይኖም ስለዝተፈጥሩ ብዘይ ነፃነት ሰብኣውነት ፈጺምካ ክህሉ ኣይክእልን’ እንክብሉ ንነጻነት ምስ ሰብኣውነት ዘነጻጸሩ ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እስሎቫክያ ምልስ ኢሎም እቲ ድራማዊ ታሪኽ ናይታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ነጻነት ዘስዓቦ ጽልሙት ምዕራፋት ታሪኽ ሃገረ እስሎቫክያ ካብ ዝምህረና ዓበይቲ ትምህርታት ‘ነጻነት እንክጥቃዕ ወይውን እንክዕመጽን እንክጭቆንን ሰብኣውነት ተጋሂሱ ማዕበል ዓመጽን ሰፍ ዘይብል ተጽዕኖን መሊኹ መሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት ብኡ ንብኡ ከምዝገሃስ’ በተግባር ምህሩና እዩ ኢሎም።  እንተኾነ ነጻነት ንሓንሳብን ብቀጥታን ዝርከብ ጉዳይ ኣይኮነን እኳ ደኣ ቀስ ብቀስ ብቀጻሊ ዝግለጽ ከይዲ ኰይኑ ሓንሳእ ሓንሳእ ክዝሕትል ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ተሓድሶ ዘድልዮ ጒ ዕዞ ደቂሰባት ምዃኑ እውን ገሊጾም።

“በዚ መንጽር እዚ እንክንምልከት ነጻነት ዝብል ኣምር ብደገደገ ጥራይ ምእዋጁ ዘድልዩ ትሕተ ቅርጽታት ብምውዳድን ዝእወጅ እኹል ኣይኮነን ከመይ ብቀንዱ ነጻነት እንክበሃል ናይ ነፍሲወከፍ ግላዊ ምርጫታትን ኣለሊኻ ምኽኣልን ጽንዓትን ብግዲ ስለዘድልዮ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጭቡጥ ህልው ኩነታት መዚንካ ኣውሪድካ ኣደዪብካ ዝጠቅመካን ዝጐድኣካን ፈሊጥካን ኣለሊኻን ውሳኔ ንክትወስድ ክትመርጽ ሳዕቤን ናይ ውሳኔኻ ከኣ ክትቅበል የድሊ እምበር ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ብሓመድ ሓፋሽ ዝግበር ውሳኔታትን ዓብላሊ ርእይቶታትን ቦታ የብሉን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነዚ ኣምር ናጽነት ናብ ቤተክርስትያን ብምምጻእ ኣብ ቤተክርስትያን እውን እንተኾነ ብስለትን ሓላፍነትን ዘልብስ ነጻነት ከምዘድሊ እዚ ከኣ ካብቲ ኩሉ ብህድኣት ዝጐዓዘሉ ልኡም ናብራን ኩነትን ካብ ምሕላም ብሓዊ ወንጌል ዝተፈተነ መንፈሳዊ ሕይወት ነፍሲወከፍን ናብራ ቤተክርስትያንን ዘውሕስ ነጻነት ከምዘድሊ ገሊጾም።  

ከምዚ ብምግባር ውሉደ ክህነት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኲስኲሱሉ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ ብሱልን ሓራን ኰይኑ ካብ ደረቅ ሃይማኖታውነት ወጺኦም ሓርነት ወንጌል ለቢሶም ቀስ ብቀስ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ መንፈስ ውሉድነትን ሓርነትን ዝለበሰ ነጻ ርክብ ንክፈጥሩ ምናዳ ኣቡናትን ካህናትን ኣበርቲዖም ክሠርሑ ተማሕጺኖም።

ፈጠራ/ምህዞ እምነት!

ንስብከተ ወንጌል ብሓዲስ ኣገባብ ንምፍጻም ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጌል ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ቅዱሳን ቄርሎስ መቶድዮስን ዘርኣይዎ ክእለት ምህዞን ፈጠራን ብምጥቃስ ሎሚ እውን ከም ኡ ዓይነት ፈጠራ ከምዘድሊ ዝጠቀሱ ቅዱስነቶም ብቀንዱ ኣድላይነት ምህዞ ወይውን ፈጠራ ኣብ ስብከተወንጌል ዝሕግዞ ንሕሉፍ ነገራት ካብ ምድግጋም ሕዳሴ ወንጌል ተኸቲልካ ንዘመኑ ዝኸውን ኣገባብ ምምሃዝ ከምዘድሊ ናይ ግዜኡ ኩነታትን ታሪኽን ምልክታትን ብምምልካት ወትሩ ንሕዳሴ ስብከተ ወንጌል መሃዝትን ፈጠርትን ክኾኑ ከምቲ ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጊል ቅዱሳን ቄርሎስን መቶድዮስን ፍደላት ምሂዞም ንወንጌልን ሥር ዓተ ኣምልኾን ትምህርተ ክርስቶስን በቲ ናይቲ ሃገር ቋንቋ ተርጒሞም ብምሕታም ዓቢ ምህዞ ዘርኣዩ ሎሚ እውን ከምኡ ዓይነት ምህዞን ፈጠራን የድሊ ኢሎም። እዚ እቲ ኢንካልቹረሽን ዝብል ንባህልን ወንጌልን ኣዛሚድካ ዝርከብ ሕዳሴ ሓዲስ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ምስ በሉ ናብታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ዝበልዋ ዘተ ሓለፉ።

ዘተ/ዝርርብ!

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ከም ቀንዲ መፍትሒ ኩሉ ግድላትን ጸገማትን ዓለምን እምነታትን ዝምሕጸንዎ መጋበሪ ዘተ ዝርርብ ምዃኑ ብምግላጽ ‘ንውሳጣዊ ሓርነትን ሓላፍነትን እትዂስኩስ ቤተክርስትያን ነፍስወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ታሪኹን ባህሉን ብምጥሓል ምስ ዓለምስ ይኹን ምስ ካልኦት ተኸተልቲ ክርስቶስ ከምኡ ምስ ዝተፈላለየ እምነታት ዝቃለሱ ወላውን ምስቶም ዘይ ኣምኑ ንምዝታይ መንገዲ ትኸፍት’ ኢሎም። ከምዚ እትገብር ቤተክርስትያን ዝተፈላለዩ ባህልታትን ስምዒታትን ኣተሓባቢራን ኣዋሲኣን ውህደትን ዕርክነትን ዘተን ኣብ መንጎ ኣመንትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያንን ሕዝብታትን ትፈጥር’ እንክብሉ ነተን ሠለስተ ነጥብታት ዝበልወን ኣብሪሆም።

እዚ ግን ብዘይ ምሕረትን መሥዋዕትነትን ዘይርከብ ምዃኑ ምናዳ ከኣ ኣብ ስደትን መከራን እንክትርከብ ነቲ ጐይታ ስለዘሳድድኹም ጸልዩ ንዝረግሙኹም መርቁ ዝብሎ ዘኪርና ከምቲ ‘እምኒ ንዝደርበየልካ እንጌራ ደርብየሉ’ ዝብል ምስላ ነቶም ስደትን መከራን ዝፈጸሙ ብምምሓር ንዝሓለፈ ቊስልታት ከም ጐይታ ምሕረት እግዚኣብሔር ብምልማን ይግበር፡ ነዚ ዓቢይ ኣብነት ዝኸውን  ኢየሱሳዊ ካርዲናል ኮረች ብ2000 ዓም ን ዓመት ኢየቤል ንሮማ ምስ መጹ ኣብቲ ብካታኮምበ ዝፍለጥ ጐዳጒዲ ሰማዕታት ሮማ ክበጽሑ ምስ ከዱ ስለ እቶም ዘሳደድዎምን ዘሰቀይዎምን ሓንቲ ቀንዲል ብምብራህ ስለኦም ዝጸልይዎ ብምዝካር ከምኡ ዓይነት ምሕረት ምዕጣቅ ከምዘድሊ ብምግላጽ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ሓርነት ወንጌል ምህዞ እምነትን ዘተን ከዘውትሩ ሓደራ ኢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 September 2021, 13:33