ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን እንተ ተኸፋፊሎም ብዘይ ስነ ሓሳብ እትሓልማ ኤውሮጳ ክትህሉ የጸግም

ንሕና ክርስቲያን ነቲ ናይ ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን ጽንዓትን ኣጥፊኣናዮ ዶ ኢና? ሓቂ ወንጌል ድዩ ሓራ ዜውጽኣና ወይስ ብዘይ ገለ ሳዕቤን ብህድኣት ንቕድሚት ንኽንስጒም ዜኽእለና ምሾት ዝመልኦ ዞባ ኽንረክብ ከለና ናጽነት ይስምዓና እዩ?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ብራቲስላቭ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ርክብ ንኣባላት ናይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ጭንፈር ሶሎቫኪያ፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ውሽጣዊ ባርነት ካብ ጨቋኒ መንግስቲ ዝፈጥሮ ባርነት ዝገደደ እዩ” ዝብልን ከምኡ እውን “ማሕበረ ክርስቲያን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ መስዋእቲ መኣዲ ዝተፈላለዩ እኳ እንተኾነ ንድኻታት ኣብ ምግልጋል ግን ሓድነት ዘለዎ ይዅን፡ ወገን ድዅማት እንተ ዄንና ጥራሕ ኢና ካብቲ ለብዒ ክንላቐቕ እንኽእል” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንእምነት ብሓርነትን ሓራ ብምዃንን ምንባር፥ ካብ ጊልያነት ቦታን ሓለፋታትን ሓራ ምዃን፡ ፖለቲካ ንውልቂ ረብሓ ምውዓል ካብ ዝብልን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝግበር ጒዕዞ ካብ ዝዓግት ጊልያነት፥ ናይታ ብፖለቲካዊ ህልዮ ተዓቢሊላ ናይ ዝነበረት ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ መበቈላ ዳግም ምርካብ ከምዘድልን እዚ ንማሕበረሰብ ኵላትና ኣብ ጐድኒ እቶም ድኻታት ብምዃንና ጥራይ ከኣ ካብቲ ለብዒ ክንወጽእ ንኽእል” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ዶስቶየስኪን ገጣሚ ተወላዲ ስሎቫኪያ ሳሞ ቻሉፕካን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅዱሳትን ቀርሎስን መጠዲዮስ ዝሃብዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እምነት ዘርኢ ሓድነትን ሕውነትን እዩ

ቅዱስነቶ ኣብቲ ኣብ ብራቲስላቭ ኣብ ዝገበርዎ ቀዳማይ ሕዝባዊ ርክብ ዳርጋ ንዅለን እተን ካቶሊክ ዘይኮና ናይታ ሃገር ኣቢያተ ክርስቲያን  - ሉተራናውያን ኦርቶዶክሳውያን ሜጠዶስትን ሁሳውያንን ባብቲስታውያንን - ዝውክላ ዓሰርተ ሓደ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘቑማ ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዘሳተፈ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . ኣብዚ ርክብ ንዅሎም ወኪሎም ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒባኤ ጨንፈር ኣቦ መንበር ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብራቲስላቭ መጥሮጶሊታ ራቲስልቫ ንቕድስነቶም ብዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ ከምእተበገሰን፥ መጥሮጶሊታ ራቲስልቫ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ማሕበረ ክርስቲያን ንሓድሕዱ መንፈሳዊ ቡራኬ ምዃኑ እንተድኣ ኣስተውዒሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሰናይ ምልላይ ይከኣል . . . ሎሚ ነቲ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘጋጥም ቅልውላውን ግጭትን ብምስዓብ ክንሕጐስ ኣይንኽእልን . . . እቲ ምግምማዕ ንዅላትና ጓሂ እዩ። ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መንፈሳዊ በረኸት ንካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ክጠቕም ይኽእል እዩ . .  ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ኣስዒቦም እውን “ር.ሊ.ጳ. ንኽትራኸቡና ስለ ዝመጻእኩም ነመስግነኵም” ቢሎም “እምነት ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ሓድነትን ሕውነትን መባዅዕትን ትእምርቲ እዩ ክኸውን ዝደሊ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን እንተ ተኸፋፊሎም ብዘይ ስነ ሓሳብ እትሓልማ ኤውሮጳ ክትህሉ የጸግም
ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን እንተ ተኸፋፊሎም ብዘይ ስነ ሓሳብ እትሓልማ ኤውሮጳ ክትህሉ የጸግም

ንእምነት ሓራ ካብ ምዃን ምንባር

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ካብ ግጭት ናብቲ ሕብረት ዝኾነ ሱታፌ ንምብጻሕ ብሓባር ምጉዓዝ ከምዘድሊ ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም፥ ኣብዚ ድሕሪ እቲ ኢእግዚኣብሔራዊ ኣሳዶ ዝኽተሎ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምዕጋት ዝብል ኣገባብ ከም መስርሕ ዝጥቀም ዝነበረ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘውርዶ ዝነበረ መከራ ብሓባር ኣብ ጐደና ሱታፌ ምጉዓዝ የድሊ፥ እዚ ከቢድ ጉዕዞ እውን እንተኾነ ሰናይን ኵሉ እምነት ብናጽነትን ሓራ ካብ ምዃን ክነብሮ ዘተባብዕ እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን እንተ ተኸፋፊሎም ብዘይ ስነ ሓሳብ እትሓልማ ኤውሮጳ ክትህሉ የጸግም
ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን እንተ ተኸፋፊሎም ብዘይ ስነ ሓሳብ እትሓልማ ኤውሮጳ ክትህሉ የጸግም

ሓርነት ሰብ

እቲ ዶስቶየቭስክ እተዛረቦ ኣብቲ ኣፈ - ታሪኽ ናይ ዓቢይ መናፍቓን ዘርእስቱ ህቡብ ዛንታ፥ ኢየሱስ ናብዛ ምድሪ ይመጽእ እሞ ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተዓደሎ ናጽነት ክሳብ ክንደይ ከምዘኽበሮ ብምስትውዓል ሰብኣዊ ፍጥረት ሓድሽ ማእሰርቲ ከምእተስረ ከስተውዕልን እዚ ድማ ሓዘን ከምዝፈጥረሉ ገይሩ የቕርቦ፥ ሓቂ እዩ፥ ኣብ ዓለም እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዘይጽወር ሰብኣዊ ናጽነት እዩ! ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሰብ ዝፍጸም በደልን ወይ ውን ናጽነት ነቲ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ንምንባር ዘይኮነስ ጌጋ ካብ ምንባሩ ዝፍጥሮ ጊልያነት ዘስዕቦ ኵነት ብሰፊሕ ብምዝኽኻር ደጊሞም ነዚ ፍቑር ሩሲያዊ ደራሲ እናሓሰቡ ናጽነቶም ብምሾት ባርነት ማለት እንጌራን ውሕስነትን ምእንቲ ኽህልዎም ንዝውስኑ ገዝእ ርእሶም ግዙኣት ንምግባር ዝመርጹ ብዙሓት እያቶም፡ . . .

ናጻ ምዃን ንወንጌል ድዩ ወይ ንምሽቶ?

ናይ ሮማ ጳጳሳት ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ተረኺቦም

ንሕና ክርስቲያን ነቲ ናይ ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን ጽንዓትን ኣጥፊኣናዮ ዶ ኢና? ሓቂ ወንጌል ድዩ ሓራ ዜውጽኣና ወይስ ብዘይ ገለ ሳዕቤን ብህድኣት ንቕድሚት ንኽንስጒም ዜኽእለና ምሾት ዝመልኦ ዞባ ኽንረክብ ከለና ናጽነት ይስምዓና እዩ? ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብእንጌራን ድሕንነት ስለ ዝዓገብና ነቲ ኢየሱስ ዝልምኖ ሓድነት ንምርካብ ዘሎና ድርኾት ኣጥፊእናዮ ዶ ንኸውን?

እንክብሉ ይሓትቱ።

ካብ ዓለማዊ ርእየት - ህልዮ ናጻ ዝኾነ ኤውሮጳ

ናጽነት ንነፍሲ ወክፍ ማሕበርሰብ እንታይ ክጠቕም ከም ዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ “ናጽነት ሓውን ሓብትን እውን ናጽነት ኢዩ” ስለዚህ ቅዱስነቶ እዚ ንኽስትውዓል ይዕድሙ፡ ሳላ እቶም ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን ሜጠዲዮስን ከምኡ እውን ሳላ እቲ ብውዕዉዕ ሓድነትን ሕውነትን ካብ ዝምስክር ክርስትና እዩ ኣብ ኤውሮጳ ወንጌል እተወልደ። ኣብነቶም መምርሒ ይዅን። ስለዚህ ኣብ መንጐና ሕውነት ብምምዕባል ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንሱታፌ ንቕድሚ ንበል” . . . ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስትንታንን ተግባርን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ክልተ ምኽሪ፥ እቲ ቀዳማይ ምስትንታን - “እቲ ንኤውሮጳ እዚዩ ዘድልያ መንፍሳዊ ልምዲ ንኸተማዕብሉ ንገዛእ ርእስዅም ኣብ ምስትንታን እትድግፉ ኵኑ” ብፍላይ ከኣ “ንማሕበርሰብ እምነት ልዕሊ ኵሉ ብመሰረት መርሓ ግብሪ ስሉጥነት ብዝብል ኣገባብ ክስትውዓል ከምዘይብሉን” እቲ ካልኣይ ስጒምቲ ኸኣ “ሕብረትሰብ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ ንእተወሰነ ሓባራዊ ክብሪ ብምስዓብ ዘይኮነስ ኣብቶም ናብ ጐይታ ዜቕርቡና ብሓባር ብምዕያይ” እንክብሉ የቕርቡ።

ኣብ ድኻታት ህላወ ክርስቶስ

ኣብቶም ድኻታት ኢየሱስ ህያው እዩ፥ “ልግሲ ምክፋል ሰፊሕ ኣረኣእያ ይኸፍተልና ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ዘይምርድዳእን ብምስናፍ ቀልጢፍና ብሓባር ኣብ ጒዕዞ ንቕድሚት ንኽብል ይሕግዘና” ቢሎም ቅዱስነቶ ነቲ ቻሉፕካ ዝጸሓፎ እቲ ኵሎም ስሎቫክያውያን ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝመሃርዎ ሞር ሆ ዘርእስቱ ግጥሚ፥

እታ ጓና ዝኾነት ኢድ ብቕኑዕ እምንቶ ናባና ምስ እትዅሕኵሕ ካብ ቀረባ ይዅን ካብ ርሑቕ ዝመጽእ እውን እንተዀነ ለይትን መዓልትን ኣብ መኣድና ውህበት ኣምላኽ ይጽበዮ”

ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “ውህበት ኣምላኽ ኣብ መኣዲ ነፍሲ ወከፍ ይኹን ከመይሲ ንሕና ኣብ ሓደ መኣዲ ቅዱስ ቑርባን ክንካፈል እኳ እንተ ዘይከኣልና ንኢየሱስ ኣብ ድኻታት ብምግልጋል ብሁባሬ ከነአንግዶ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ንማሕበርሰብ ብፍላይ ከኣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ስቓይን ሁከትን ንኽርድኦ ዝሕግዘና ካብ ቃላት ንላዕሊ ዝዛረብ ተግባር ክኸውን እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ጐድኒ እቶም ዝደኸሙ ብምዃንና ጥራይ ኢና ካብቲ ለብዒ ክንወጽእ እንኽእል” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብምንባብ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 130ን ንቕዱስነቶም ብዝተለገሰሎም ገጸ በረኸት  ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን - ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክሕቆፋ ዘርእይ ስእሊ ከምእተጠናቀ ኣፍሊጡ።

15 September 2021, 09:22