ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና

ድሕሪ እቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና እውን ቅዱስነቶም ደሓን ከምዘለዉን ካብ ጀመሊ ሆስፒታል ኮይኖም ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለዉ

ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ሕማም ንምውጋድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና  ጀመሊ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገበረሎምን እዚ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና እውን ቅድም ክብል ተወሲኑ ዝነበረ ምዃኑ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ደሓን ከምዘለዉ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ እቲ ናይ መጥባሕቲ ሕክና ዝፈጸመ ጉጅለ ሓኻይም ብፕሮፈሰር ሰርጆ ኣልፌሪን ብፕሮፈሰር ልዊጂ ሶፎን ብዶክተር ኣንቶኒዮ ቶርቶረሊን ብዶክተር ሮበርታ መንግሂ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ብፕሮፈሰር ማሲሞ ኣንቶነሊን ፕሮፈሰር ሊሊያና ሶላዚን ዶክተር ሮበርቶ ደ ቺኮን ዶክተር ማውሪዚዮ ሶኣቨ ዝቖመንን ነቲ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ፕሮፈሰር ጆቫኒ ባቲስታ ዶሌቶን ፕሮፈሰር ሮበርቶ በርናበይ ብቐረባ ከምእተኸታተልዎን ድሕሪ እቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና እውን ቅዱስነቶም ደሓን ከምዘለዉን ካብ ጀመሊ ሆስፒታል ኮይኖም ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

05 July 2021, 21:48