ፍራንቸስኮ፥ ስነ ፍልጠት ሰላም ዝሓንጽ ዓቢይ ሃብቲ እዩ

ስነ ፍልጠት እኳ ደኣስ “ሰላም ንምሕናጽ ዓቢይ ሃብቲ እዩ” ከምኡ እውን ዕዮ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት “ሓድሽ ማሕበርዊ ምትእስሳር ብኸመይ ኪምስረት ከምዝኽእል ምርኣይ ዝብል እዩ” ማለት ንነፍሲ ወከፍ ግጭት ብሓባር ምስጋር ተኻኣሊ ምዃኑ ዝምስክር ስነ ፍልጠታዊ ምርምር “ንከባቢኡን ንመላእ ዓለም ቀረባ ኣብ ምግባር ዝዓዪ እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ተራሞ ብናይ ሰበኻ ኣብሩዞ ተሰናድዩ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንመላእ ኣመሓደርትን ሰበ ስልጣናትን ክፍለ ሃገር ኣብሮዞ ሓድሽ ወለዶ ኣብ ምሕናጽ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣተባቢዖም፥ ድሕሪ እቲ ለብዒ ዘሎ ኵነት ኣብ መንጐ ስለ ፍልጠትን ማሕበርሰብን ዘሎ ርክብ ብሓድሽ ኣገባብ ንምስትውዓልን ኣብዛ ዓለም ሰላምን ሓድሽ ወለዶን ንምሕናጽ ዘበራትዕ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ምርኻብ “ንደቅሰብ ዓብይ ውህበት ተስፋ እዩ” ከመይሲ “ከምቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ብድሆታት ንምስጋር ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ሎሚ ካብ ቀደም እዚዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እዩ።” ስለዚ ከምቲ ኣብቲ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ተጻሒፉ ዘሎ፥ “ኣብ ኣልባብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዘሎ ፍልጠት ናይ ምርካብ ባህጊ ንምምዕባል፡ ስለ ፍልጠታዊ ምርምር ወትሩ ሓድሽ ዓይነት ምትሕብባር ብምልላይ ውጽኢታቱ ብምርኻብ ሕንጸትን ንምክፋል ናይ ገዛእ ርእሱ ተበጽሖታትን ዘቕርቦም ሓበሬታን ኣብ ኣግልግሎት ኵሉ ከንብሮ ኣድላዪ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ፍልጠትን ፍልልይ የልቦን

ቅዱስነቶ ነቶም ኣብ ከተማ ተራሞ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ “ናይ ስነ ፍልጠት” ብዝብል መርሕ ቃል ብምኽንያት ኢዮቤል ቅዱስ ገብርኤል፡ ነዚ ቅዱስ እዚ ዝተወከፈ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝርከበሉን ብሔራዊ ናይ ስነ ኣካልን ስነ ነገራውነትን ስነ መድሃኒትን ምርምር ማእከል ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ ንዝተኣከቡ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውንትን ተመራመርትን፥ እቲ ናይቲ ተካይድዎ ዓውደ ጉባኤ ድሕረ ባይታ “ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ፍልጠትን ፍልልይ የልቦን” ዝብል እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጐ ጥዕናን ስድራ ቤትን ዘሎ ርክብ ዳግም ምስትውዓል

“ስነ ፍልጠታዊ ምዕባለ ንሓደ መዳይ ህይወትን ማሕበረሰብን ዓለምን ንምርዳኡ እንኮ መቓርቦ ገርካ ምሕሳብ” ንዝብል ሓደጋ ዕሽሽ ከይበለ ብምኽንያት እቲ ለብዒ ኣብ መንጐ ስነ ፍልጠትን ማሕበረሰብን ሓድሽ ርክብ ምምስራት ኣድላዪ ምዃኑ ከጒልሕ እንከተሓሳስቡ፥

እቲ ኣብ ናይ ጥዕና ህጹጽ ኵነታት ዘሎ ተመክሮ ንዓለም ስነ ፍልጠት ምስ ሕብረተሰብ እተተሓሓዘ ስነ ሰብእ ሳዕቤናትን ኣብ መንጐ ኣባላት ስድራ ቤትን ልዕሊ ዅሉ ኣብ መንጐ ወለዶታትን ዘሎ ርክብን ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ሕክናዊ ስነ ፍወሳን ከምኡ እውን ናይ ክንክን ጥዕና ውዳበን ዘለዎ ተስፋ እንደገና ክንሓስበሉ እምሕጸን

ቢሎም፡  “ስለዚ ዝኾነ ይኹን ፍልጠት ስነ ፍልጠት፡  በይኑ ክኸይድን ገዛእ ርእሱ ምሉእን ርእሰ ብቕዓት ዘለዎን ገይሩ ክሓስብ የብሉን” እቲ ታሪኻዊ ሓቂ እምበኣር፥ ብዅሉ ስነ ፍልጠት ከከም ብናይ ገዛእ ርእሱ ባይታ ክግልገል እዩ ዘለዎ። እዚ ድማ ብፍላይ ክብርን ዕቤትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ብምድንፋዕ ሕብረተሰብ ክሓንጽ ዝኽእል ባህሊ ኣብ ምዕባይ ኣበርክቶ ክህልዎ ዝገብር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ወለዶ ምሕናጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ነቶም ተጋባእያን ኣመስጊኖምን ከምኡ እውን “ኵሎም እቶም ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ዝሳተፉ ኣሰብኡትን ኣንስትን” ከመስግኑ ከለዉ፥ ብፍላይ ንኢጣሊያው ፕሮፍፈሰር ናይ ስነ ምርምር ሊቅ ኣንቶኒዮ ዚኪኪ፡ ኣብ ስነ ምርምራዊ ኪደት ፍሉዩ መገዲ ዘቕድሙ “ህይወቶም ንስነ ምርምር ዘወፍዩ ዘለዉ፥ ሓደሽ ወለዶ ኣብ ምሕናጽ ብርቱዕ ጻዕሪ ንዘካይዱ” አመስግን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ሓድሽ ወለዶ ንምርምር ዚድርኽ ድፍኢት ከይፈርህ ብምምሃር ኣብ ሕንጸት ስነ ፍልጠት ከተሰንይዎም እምሕጸን። . . . ብቕንዕና ክትደሊ ከለኻ ንሓቂ ከምእትረኽባ ዝብል ኣምር ዘስርጽ መምህር ምዃን የድሊ። እዚ ዘለናሉ ናይ ሓደስት ለውጥታት መዋዕል እዚ ሓደስቲ ተመሃሮን ከማኻትኵም ሓደስቲ ናይ ስነ ፍልጠት ተመራመርቲ የድልይዎ። ስለዚህ ሰላም ሓናጺ ዝኾነ ሓድሽ ወለዶ ሓነጽቲ ሓደስቲ መምሃራን ኵኑ!

ሓድሽ ማሕበራዊ ማእስር ምፍጣር

ስነ ፍልጠት እኳ ደኣስ “ሰላም ንምሕናጽ ዓቢይ ሃብቲ እዩ” ከምኡ እውን ዕዮ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት “ሓድሽ ማሕበርዊ ምትእስሳር ብኸመይ ኪምስረት ከምዝኽእል ምርኣይ ዝብል እዩ” ማለት ንነፍሲ ወከፍ ግጭት ብሓባር ምስጋር ተኻኣሊ ምዃኑ ዝምስክር ስነ ፍልጠታዊ ምርምር “ንከባቢኡን ንመላእ ዓለም ቀረባ ኣብ ምግባር ዝዓዪ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

02 July 2021, 15:55