2021.07.02 መራሕ መንግሥቲ ኢራቅ ምስ ር.ሊ.ጳ 2021.07.02 መራሕ መንግሥቲ ኢራቅ ምስ ር.ሊ.ጳ 

ንህላዌ ክርስትና ደግፉ! ር.ሊ.ጳ ንመራሔ መንግሥት ሃገረ ኢራቅ

ዕለት 2 ሓምለ 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንመራሔ መንግሥት ሃገረ ኢራቅ ሙስጣፋ ኣል ካዲሚ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ መንግሥቶም ነቶም ኣብ ማእከሎም ዝርከቡ ክርስትያን ክድግፉ እንከዘኻኸሩ ኣል ካዲሚ ብወገኖም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ቅዱስነቶም ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገና ብመንፈስ ይመርሖም ከምዘሎ ምስ ገለጹሎም ቅዱስነቶም ከኣ ‘ሃገረ ኢራቅ ዳግም ንክትውለድ ዘተን ምትእምማንን የድሊ’ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ብክውንን ዘይክውንን መንግሥቲ ሳዳም ሑሴን ምስ ተኣልየ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቅልውላው ዘላ ሃገረ ኢራቅ ዓለም ብዓለማ ረሲዓታ ኣብ ዘላትሉ ሁመት ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓመት ብሃንደበት ንሃገረ ኢራቅ ክበጽሕ እየ ምስ በሉ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ እቲ ምብጻሕ ጋህዲ ኰይኑስ ዘይርሳዕ ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ። ብውግእን ወረ ውግእን ዝጥቀሳ ዝነበራ ከተማታት ባግዳድ ኤርቢል ሞሱል ቃራቆሽ እናበልካ ብዕልልታን ታሕጓስን ክጥቀስ ጀሚሩ። ዓለም ብዓለማ ከብዳ ሓቊፋ ዘሕለፈትን ዓርባዕተ መዓታት ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ከም ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ዝዝከሩ መራሔ መንግሥት ሃገረ ኢራቅ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕለልዎ ከምዚ ኢሎም ይገልጽዎ።

 ኣብተን ዕለታት እቲኤን ሕዝቢ ኢራቅ ዘስተማቀረን መንፈስ ሓድነት ዝዓብለለን ግዝያት ሎሚ እውን ተመሊስና ምስ ቅዱስነቶም ዘኪርናየን። ብዛዕበኤን ኣዕርሊልና። ልዕሊ ኩሉ ካብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሕዝቢ ዒራቅ ዝኸሰቦ ንናይ ሃገሩ ምርግጋእ ከደንፍዕን ንዳግመ ሕንጸት ሃገሩ ንክሰርሕን ኣድላይነት ባህሊ ሃገራዊ ዘተ ምድፋዕ ተሰቊርዎ ብኡ ይሰርሕ ኣሎ። ነቲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ታሪኻዊ ህልውና ውሁዳን ክርስትያን ኣብ ሃገረ ኢራቅ እውን ዓቢ ግምት ተዋሂቡ ከም ዜጋታት መሰላቶምን ግቡኣቶምን ንምውሓስ ነቲ ንሶም ንሠናይ ነገር ዓድና ዘበርክትዎ ኣብ ግምት ብምእታው ይስረሓሉ ኣሎ`ኢሎም።

ቀንዲ ኣተኲሮ ርክብ ር.ሊ.ጳን መራሔ መንግሥት ሃገረ ኢራቅን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታትን ሃገረ ኢራቅ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታትን ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝቀርባ ሓገዝን ብምምልካት ኣብታ ሃገር ምትእምማንን ሰላማዊ ሓቢርካ ምንባርን ንምድንፋዕ ብዛዕባ ዘድልዩ ነገራት ተዋሲኦም። ከምቲ ልሙድ መራሔ መንግስት ሃገረ ኢራቅ ምስ ቅዱስነቶም ዝነበሮም ርክብ ምስ ዛዘሙ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ምስ ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ቅድስት መንበር ከም ጸሓፊ ዝከታተሉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ከምዝተራኸቡ ካብ ቅድስት መበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ። 

ብድምጺ ንምክትታል!

03 July 2021, 13:59