ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም 

ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም

ኣብዚ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ገለ ካብቶም ዝሓመሙ ቈልዑ ኣብዚ ምሳይ ኣለዉ። ሕጻናት ስለምንታይ እያቶም ዝሳቐዩ? ልባትና ዝትንክፍ ሕቶ እዩ። እዚ ኽኣ ንዅሎም ሕሙማን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት ብጸሎትና ነሰንዮም ስሌኦም ንጸሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ብመሰረት ውሳኔ ሓኻይሞም እውን ኵነታት ጥዕናኦም ኣብቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኮይኖም ይከታተሉ ከምዘለዉ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 13 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ቤት ሕክምና ክፍሊ ዝርከቡ ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝእለይሉ ክፍሊ ሕክምና ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ቅዱስነቶም ንሕክምና ኣብ ዝርከበሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዓስራይ ደርቢ ጥቓ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ቅዱስነቶም ንገሊኣቶም ሕጻናት ብቐጥታ ክራኸብዎም እንከለዉ ንገሊኣቶም ብብርቱዕ ዝሓመሙ ድሕሪ ዕጹው ናይ መስቲያት ማዕጾ ኮይኖም እውን ሰላምታ ኣቕሪቦም ቡራኬ እውን ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም
ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም

“መቓልሕ ልቢ” ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ

ነቶም ብብርቱዕ ሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑ ሕክምና ዝከታተሉ ንዘለዉ ሕጻናት “መቓልሕ ልቢ” እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ጉጅለ ባህላዊ ሙዚቃ “ማሕበር ሙዚቃ ሮማ” ምስ ናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ሮማ ብምትሕብባር ዘካይዶ መደብ ምዝንጋዕ ዘቕርበሉ ዕለት ነዚ ዝሰምዑ ቅዱስነቶም ኣብቲ መደብ ተሳቲፎምን ነቶም ህሙማን ሕጻናት ከምዝበጽሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም
ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም

መልሲ ዘይተወሃቦ ምስጢር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልቢ ኣጸቢቑ ዝትንክፍ ማለት ብዕድመ ዘይደፍኡ ብብርቱዕ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ቀረባኦም ብምዃን ስቓዮም ክትንክፉን ናቶም ክገብሩን፡ ብሓቂ ንጹሓን ሕጻናት በዚ ዓይነት ከቢድ ሕማም ክጥቕዑ ምርኣይ “ሕጻናት ስለ ምንታይ ንስቓይ” ዝብል ሕቶ ከተልዕን ከምእትግደድ ዘቃልሕን እዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ካብቲ ንሕክምና ካብ ርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ካብ ዘሎ ሰገነት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥

ኣብዚ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ገለ ካብቶም ዝሓመሙ ቈልዑ ኣብዚ ምሳይ ኣለዉ። ሕጻናት ስለምንታይ እያቶም ዝሳቐዩ? ልባትና ዝትንክፍ ሕቶ እዩ። እዚ ኽኣ ንዅሎም ሕሙማን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት ብጸሎትና ነሰንዮም ስሌኦም ንጸሊ፡ ሓደኳ ንበይኑ ከይሕደግ ኵሉ ሰብ ቅብኣ ሓልዮትን ቅርበትን ጽን ምባልን ርህራሀን ክበጽሖ መታን፡

ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 29 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብኸቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ቈልዑ ተቐቢሎምን ንኣኣቶም ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ከምዝነበሩን እዚ ካልኣይ ርክብ እዚ ድሕሪ እቲ ዕለት 31 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ብብርቱዕ ሕማም ምስ ዝተጠቕዑ ሕጻናት ቀዳማይ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ገለ ካብኣቶም ሎሚ ብሕይወት የለዉን።

ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም
ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም

“ንምሕታት ኣይንፍራህ”

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ጐይታ ስለምንታይ ቈልዑ ዝሳቐዩ?” ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡን፡ እዚ ሕቶ እዚ ልክዕ ከምቲ ሕቶ ምስጢረ ስላሴን ቅዱስ ቁርባንን እዩ፡ እቲ ሕቶ ክትርድኦ እትኽእል መልሲ ዘይረኸብካሉ ምዃኑ የዕንትኻ ናብ ሰማይ ሓፍ ኣቢልካ ጸሎት ገርካ ከተቕርቦ ናብ ናይ ጸሎት ሓይሊ ክትቕይሮን ይድርኸካ፡ ንጐይታ ክንሓቶን ምስኡ ምቅላስ እውን ከፍርሓና የብሉን፥ ታሪኽ ቅዱሳት ንዘክር፡ ምስ እግዚኣብሔር ዝቃለሱ ነይሮም እዮም፡ መልሲ እውን እይትርከበሉ ናብ ኣቦ ብምጥማት ንቕድሚት ንኽትብል ሓይሊ ይጽግወካ እዩ፡ “ወደይ እውን መከራ ኣሕሊፉ እዩ፥ ዝብል መልሲ እግዚኣብሔር ንቕድሚት ዘብለካ ሓይሊ እዩ፡ ሓይልኹም ኣብኡ እዩ፡ ፍቕራዊ ምጥማት ኣቦ። . . . እግዚኣብሔር ብፍቕሩ ክጥምተና እንከሎ ጥራሕ እዩ ናብቲ ምስጢር እንኣትው” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 July 2021, 18:23