ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር  

ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብ ዝርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉ መደብ ከምዘለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ኵነታት ጥዕናኦም ኣብቲ ቤት ሕክና ኰይኖም ይከታተሉ ከምዘለዉን፡ ዕለት 8 ሓምለ ምሸት መጠነይና ረስኒ ከምዝነበሮምን እንተኾነ ጥዕናኦም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ሕክምና ሕጻናት ዝርከቡ ብሕማም መትንታትን መንሽሮን ዝተጠቕዑ ህሙማን ሕጻናት ኵሎም ቅርበቶምን ጸሎትምን ዘረጋገጽ መልእኽቲ ንቅዱስነቶም ዕለት 8 ሓምለ ከምዝበጽሖም ብሪኒ ሓቢሮም፥ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ሕማም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ንምውጋድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገበረሎምን ንሓደ ሰሙን ዝኣክል እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ሓኻይሞም ከምዝወሰኑ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ዝከታተልዎ ዘለዉ መርመራታት እውን ጽቡቕ ውጽኢት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘለዉ ሕጻናት መልእኽታት ከምዝበጸሖም
ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘለዉ ሕጻናት መልእኽታት ከምዝበጸሖም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብ ዝርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉ መደብ ከምዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም፥ ዕለት 8 ሓምለ ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን እቶም ብቀረባ ዝከታተልዎም ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ከምእተሳተፉ ገሊጾም።

ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘለዉ ሕጻናት መልእኽታት ከምዝበጸሖም
ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘለዉ ሕጻናት መልእኽታት ከምዝበጸሖም

ካብቶም ኣብ ጀመሊ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ካብ ዝርከቡ ብሕማም መትንን መንሽሮን ዝተጠቕዑ ህሙማን ህጻናትን ካብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ሕጻነ ኢየሱስ እውን ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘለዉ ሕጻናት መልእኽታት ከምዝበጸሖም ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ “ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ከምዝኣተኹም ሰሚዕና፥ ኣብዚ ዘለናሎ ቤት ሕክምና እውን እንተሃለዅም ተቐራሪብና ክንረአአይ እንተዘይከኣልና፥ ብእነመሓላልፈልኵም መልእኽቲ ኣቢልና ንሓቝፈኩም ኣብ ሓጺር እዋን ክትሓውዩ ድላይና እዩ” ዝብል ቃል ዝተነብሮ መልእኽቲ ካብ ሓንቲ ኣብ ሕክምና ካብ እትርከብ ሕጻና ከምዝበጸሖምን ሓንቲ ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ እትርከብ ሕጻን ዝሰኣለቶ ስእልን “ከምቲ ኣነ ኣብ ስቓኣይ እንከሎኹ ጸሎትኵም እሰምዖ ከምዝነበርኩ፡ ፍቐር ር.ሊ.ጳ. ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እውን ምእንታዅም ዘቕርቦ ሰሎተይ ክትሰምዕዎ እደሊ” ዝብል ዘመሓላለፈትሎም መልእኽቲ እቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ምእንታኦም ንዝጽልዩ ዘለዉ ኣመስጊኖም ጸሎትኵም የድልየኒ እዩ እሞ ምእንታይ ጸልዩ ሓደራ ከምዝበሉ ብሩኒ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

09 July 2021, 16:36