ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ

ካብቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘካይድዎ ግብረ ሰናይ ዝእለዩ ገዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወከሉ ንቕዱስነቶም ኣብ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ብወለንተይናታት ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ተሰንዮም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ በጺሖምን

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዞም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ዓስራይ ደርቢ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ድሕሪ ዝተገበረሎም መጥባሕቲ ድህረ መጥባሕቲ ክንክን ጥዕና ዝግበረሎም ንዘለዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅርበቶምን ጸሎትምን ንኸረጋግጹ በሓጺሩ ነመስግነኵም እትብል ቃል ብዓውታ ንኸቕርቡ ኣብቲ ብቕዱስነቶም ዝተለገሰ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝመሓደር ሕንጻ ሚሊዮሪ ዝእለዩ ግዳም ሓደር ዝተዋጽኡ 20 ዝኾነ ድኻታት ናብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ብምኻድ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ናብታ ቅዱስነቶም ዓሪፎምላ ናብ ዘለዉ ክፍሊ መስኰት እናጠመጡ ብሓባር ምስቶም ዘሰነይዎም ወለንተይናታት ኮይኖምከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቶም ንቕዱስነቶም ናብ ቤት ሕክምና ክበጽሑ ዝኸዱ ኣብታ ምብጻሕ ዘካየዱላ ዕለት 9 ሓምለ 63 ዓመት ዕድመኦም ዘብዓሉ ኾርገ ኣብቲ መእለዪ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዝርከቡ ስደተይና ተወላዲ ፐሩ ስለ እቲ ኵሉ ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ሮማን ዝፍጽምዎ ሰናይ ኵሉ ንኸነመስግኖምን ብቝልጡፍ ክሓውዩ ምንዮትና ምዃኑ ንኸነረጋግጸሎምን ምእንታኦም ንኽንጽልን እዩ። ጐይታ ክባርኾምን ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመ ክጽግዎም ንኽንጽልይ ኣብ ጀመሊ ሆስፒታል ንርከብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ
ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ

ባዕሎም እቶም ግዳም ሓደር ዝሓሰብዎ መደብ እዩ

ናይ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ጨንፈር ሮማ ኣብ ሕንጻ ሚሊዮሪ ናይ ማእከል መአንገዲ ግዳም ሓደር ዋና ኣመሓዳሪ ካርሎ ሳንቶሮ፥ “ንቕዱስነቶም ንኽንበጽሖም ዝሓተቱና ባዕሎም እቶም ኣብቲ መእለዪ ግዳም ሓደር ማእከል ዝሕገዙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም፡ ሞሳ እቲ ኵሉ ሰናይ ዝገብሩሎምን ለይት ዝሓድሩሉን ሕክምና ዝረኽቡሉ ንግዳም ሓደርን ድኻታትን ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ክወሃብ ንዝገብርዎን ገና እውን ዘቐጽልዎ ዘለዉን እንታይ እሞ ነዚ ዅሉ ብምስትውዓል ዘካየድዎ ምብጻሕ እዩ፥ ሓውን ሓብትን ዓርክን ድኻታት ዝኾኑ ኵሉ እውን ዓርክን ሓውን ሓብትን ድኻታት ንኽኸውን ዘካይድዎ ጻዕሪን ዘመሓላልፍዎ ጽዋዒትን ኣፍልጦ ዝሃበ በዚ ምኽንያት ነመስግነኵም ዝብልን ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ዝምነ ምብጻሕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ
ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ

ዕምባባ ንቕዱስነቶም ካብ ማሪያ

ካብቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘካይድዎ ግብረ ሰናይ ዝእለዩ ገዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወከሉ ንቕዱስነቶም ኣብ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ብወለንተይናታት ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ተሰንዮም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ በጺሖምን ኣብ ቅርዓት እቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝቖመ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓወልቲ ብጺሖምን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ምስ ተደግመ ካብቶም ምብጻሕ ዘካየዱ ግዳም ሓደር ድኻታት ዕንባባ ሒዛናሎም ዝኸዳ ማሪያ ነቲ ዕምባባ ንቕዱስነቶም ንኽበጽሖም እውን ነቶም ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝእለይሉ ዘለዉ ዓስራይ ደርቢ ንዝዓዩ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ከምዘረከበኦም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ
ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሮማ ኣብ ጀመሊ፥ “ንኸነመስግነኵም” ኣብዚ ንርከብ
10 July 2021, 18:27