ኣርጀንቲና፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኮቪድ - 19 ኣርጀንቲና፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኮቪድ - 19 

ኣርጀንቲና፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኮቪድ - 19

ስለቲ ጸሎት መቝጸርያን እውን ብዙሕ አመስግን።ንዓኻትኩም ኣባላትን ንዅሎም ፈተውቲ ናይ መፋርቕ ወቕቲ እተሰምየ ምንቅስቓስ ሰላምታይን ቡራኬን አመሓላልፍ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉጅለ ምንቅስቓስ “Entretiempo - መፋርቕ ወቕቲ” ኣብ ኣርጀንቲና ምእንቲ ብኮቪድ- 19 ንዝሓመሙን ዝሳቐዩን ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝፍጽምዎ ናይ ሓገዝን መዓልታዊ ጸሎት መቝጸሪያን ዝሕብር ካብቲ ምንቅስቓስ ድሕሪ ዝበጸሖም መልእኽቲ ነቲ ጉጅለ ዘተባብዕ ቃሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ንጉጅለ መፋርቕ ወቕቲ ዝተመሓላለፈ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሓጺር እውን ይዅን እቲ ካብ ዝተላእከሉ  ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምዃኑ ዝገልጽ ኣድራሻ ዓቢይ ይገብሮ። ኣርጀንቲና ብኮቪድ - 19 ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዘላ እውን ይንገር።

ንጽብሒቱ እተመሓላለፈ መልሲ

ዕለት 27 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናይቲ መፋርቕ ወቕቲ ሓላፊ ፈርናንደዝ ማደሮ እቲ ምንቅስቓስ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣብ ኣርጀንቲና ንዝሓመሙን ንዝሳቐዩን መዓልታዊ ዘቕርቦ ሓገዝን ብፍላይ ከኣ ጸሎት መቝጸርያን ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ እጦማር ከምዘዘንተውሎምን፡ ቅዱስነቶም ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም.፥ “ፍቑር ሓው ስለ እቲ ዝለኣኽኵምለይ መልእኽቲ እጦማር አመስግን። ስለቲ ጸሎት መቝጸርያን እውን ብዙሕ አመስግን።ንዓኻትኩም ኣባላትን ንዅሎም ፈተውቲ ናይ መፋርቕ ወቕቲ እተሰምየ ምንቅስቓስ ሰላምታይን ቡራኬን አመሓላልፍ” ከምዝበሉ ባዕሎም ማደሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ 24 ሰዓት ውሽጢ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፉሎም ናይ መልሲ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ንናይ ኣርጀንቲ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾምን እቲ ዝተላእከሎም ቅዱስነቶም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ እውን ኣናርኣዩ ዝተሰምዖም ሓጐስ ወሰን ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጾም ነቲ ምንቅስቓስ ዘተባብዕ መልእኽቲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ይከናኸኑና

ዝሓለፈ ዕለት 14 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣርጀንቲና ነቲ 100 ሺሕ ዜጋታት ብኾሮና ተሕዋስ ዝሞቱሉ ዘሰንብድ ስቓይ ሰጊራቶን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ውሽጢ 300 በቲ ለብዒ ምኽንያት ከምዝዓረፉን እቲ ዘጨንቕ ዝለዓለ ቝጽሪ ረኽሲ ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ግንቦት ዘጋጠመ እዩ። ሕጂ ኸኣ ዳርጋ ኣብ ኵሎ ቦታ ዜፍርሕ ደልታ እተሰምየ ካልአ ኮሮና ተህዋስ ይርአይ ከምዘሎን ነቲ ንቅድስተ ድንግል ማርያም ውፉይ ምንቅስቓስ መፋርቕ ወቕቲ ብርቱዕ ሻቕሎት ይፈጥረሎም ከምዘሎን ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ምሽቓል እዚ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ዓቢይ መጸናንዕን ነቲ ስቓይ ዘፉክስን ከምዝኾኖ ማዴሮ ሓቢሮም፥ “ንዅሉ እቲ ኪንብገሮ ዘሎና ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ናይቲ ምንቅስቓስ ኣባላት ብመርበባዊ ውሕዘት ብምርኻብ ምእንቲ እቶም ብኮሮና ተህዋስ ዝሞቱን ዝሓመሙን ኣብ ዝቓይ ዝርከቡን ኵሎም ሓሳብ ዝገበረ ጸሎት መቑጸርያ” ከምዝዕረጉን እዚ መደብ ጸሎት መቝጸሪያ እዚ ዕለት 3 ሰነ 2021 ዓ.ም. ሰለስተ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣባላት ብኮሮና ተህዋስ ምስ ተለኽፉ ዝተበገሰ ከምዝኾነን ኣብዚ መደብ ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ህሙማን ኮቪድ - 19 እዚ ናይ ዝሳተፉ ቝጽሪ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ ቢሎም፡ ካብ እምነት ርሒቖም ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣብቲ መደብ ጸሎት ክሓብሩ ምርኣይ ሓጐስ ይፈጥረልና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 July 2021, 15:45