ር.ሊ.ጳ. ሓውዮም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ሓውዮም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ሓውዮም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናብ ዝርከብ መንበሪኦም ቅድሚ ምምላሶም ከምቲ ልሙድ ቅድሚ ንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶም ካብ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ዘካይድዎ ምብጻሕን ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ምስ ተሰናበቱ እውን ናብቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓበይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም

ር.ሊ.ጳ. ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ሓውዮም ናብ መንበሮን ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም

ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ሕማም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ንምውጋድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ተገይሩሎምን ብመሰረት ውሳኔ ሓኻይሞም ኵነታት ጥዕናኦም ኣብቲ ቤት ሕክምና ኮይኖም ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 14 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ካብ ቤት ሕክምና ወጺኦም ናብ መንበሮን ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 14 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.30 ፈረቓን ከምእተሰናበቱ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናብ ዝርከብ መንበሪኦም ቅድሚ ምምላሶም ከምቲ ልሙድ ቅድሚ ንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶም ካብ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ዘካይድዎ ምብጻሕን ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ምስ ተሰናበቱ እውን ናብቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓበይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጐምን ንዅሎም ህሙማንን ነቶም ኣብቲ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝነበሩለን መዓልታት ዝተራኸብዎም ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ከምዝጸለዩ ኣፍሊጦም።

14 July 2021, 18:30