ፍራንቸስኮ፥ ካብ ቅድመ ፍርዲ ናጻ ምዃንን ንኣግርሞት ክፉታት ምዃን

ጐይታ ቀረባና ይኸውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንቡር ይኸውን እንነብሮ መነባብሮ ይነብሮን”፡ ከምኡ እውን “ዘይጭቡጥን ርሑቕን” ወይ “ፍሉይ ጽልዋ ዘለዎ ኣምላኽ” ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ወንጌል ማርቆስ ዝገልጾ፥ ተቐማጦ ናዝሬት ስለምታይ ዘይቅበልዎ ዘመላኸቶ ምኽንያት

ሰንበት ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 1 – 6 ዝተወስደ ምንባብ፥ ኢየሱስ ኣብ ናዝሬት “ነብዪ ኣብ ዓዱን ብኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ይነዓቕን እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም እቲ ዓቢይ ዕንቅፋት “ነቲ ቀረባ ክኸውን ቢሉ ኣተሰግወ እግዚኣብሔር ምንጻግ” እዩ። ንሕና እውን  ነቲ “ምሾት ልምድታትና ነቲ ኣቐድሚካ ምፍራድ ዝብል ምልካዊ ስርዓት” ክንስዕብ እንኮለና ከምኣቶም ንኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱስ ኣብ ናዝሬት ከም ነብዪ መጠን ይንዓቕ ነበረ። ከመይሲ ደቂ ዓዱ “ነቲ ውርደት ዝኾነ ትስብእቲ ስለ ዘይቕበልዎን” ወዲ ኣምላኽ ከመይ ቢሉ እዩ ወዲ ጸራቢ ዝኸውን ይብሉ። ጐይታ ቀረባና ይኸውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንቡር ይኸውን እንነብሮ መነባብሮ ይነብሮን”፡ ከምኡ እውን “ዘይጭቡጥን ርሑቕን” ወይ “ፍሉይ ጽልዋ ዘለዎ ኣምላኽ” ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ወንጌል ማርቆስ ዝገልጾ፥ ተቐማጦ ናዝሬት ስለምታይ ዘይቅበልዎ ዘመላኸቶ ምኽንያት የብርሁ። ኢየሱስ ኣብ ካልእ ኣቝሻት ገሊላ ድሕሪ ዘቕረቦ ስብከት ናብታ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ዝዓበየላ ሃገር ይምለስ እሞ ቀዳም መዓልቲ ድማ ኣብ ምኵራብ ኪምህር ይጅምር።

“ነቢይ ኣብ ገዛእ ዓዱ እዩ ዝነዓቕ”

ብዙሓት ተቐማጦ ናዝሬት ንዓኡ ኪሰምዑ እንከለዉ “እዚ ዅሉ ጥበብ ካበይ እዩ ዚመጽእ፡ ወዲ እቲ ጸራብን ማርያንም ማለት ወዲ እቶም ኣጸቢቕና እንፈልጦም ጉረባብትና ዶ ኣይኮነን?” ይብሉ፡ ኢየሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፥ “‘ነብዪ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ጥራሕ እዩ ዝንዓቕ’ ዝብል ሓደ ኽፋል እቲ ህቡብ ጥበብ ዝኾነ” ሓቂ ኣረጋግጸሎም።

ንኢየሱስ ይፈልጥዎ እኳ እንተነበሩ ኣየለለይዎን

ተቐማጦ ናዝሬት “ንኢየሱስ ይፈልጥዎ እኳ እንተበሩ ግና ኣየለልይዎን” ከመይሲ፡ “ብዛዕባ ሓደ ሰብ እንተፈላለየ ነገራት ክንፈልጥ ሓሳብ ክንረክብ ኣብቲ ካልኦት ዚብልዎ ክንውከልን ምናልባት እውን ሓሓሊፍና ኣብ ጉርብትና ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፥ እዚ ዅሉ ግና እዅል ኣይኮነን።”

“እቲ ሰብ ፍሉይ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ዕምቈት ዘይብሉ ፍልጠት እዩ ዝኸው።”

እዚ ኵላትና እነሕልፎ ሓደጋ እዩ - ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብዙሕ እንፈልጥ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና እቲ ዝኸፍአ ከኣ ኣብ መታኽሶ ኮይንና ከይመርመርና ብሕማቕ ምፍራድ እዩ።”

ቅድመ ፍርዲ እንተድኣ ተዓዊቱ ሓድሽ ነገር ንምርካብ ኣጸጋሚ ይኸውን

ብተመሳሳሊ ደቂ ዓዱ ንኢየሱስ ካብ ዚፈልጥዎ ሰላሳ ዕመት እኳ እንተገበሩ ብዛዕባኡ ኵሉ ዚፈልጡ ይመስሎም እኳ እንተነበረ “ኢየሱስ ብሓቂ መን ምዃኑ ግና ኣየስተብሃሉሉን። ኣብ ደጋዊ ባህርያቶም ኵድጭ ስለ ዝብሉ ነቲ ኢየሱሳዊ ሕዳሴ ይነጽግዎ።”፥

ልምድን ምሾትን ምልካዊ ቅድመ ፍርደ ስርዓት ከም ዚሰፍን ምስ እንገብር ሓድሽ ነገር ንክፈልጥን ክንድነቕን ኣጸጋሚ ይኸውን። ንልማድን ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ ባህርይ ንምቁጽጻሩ የጸግመና። መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ህይወትና ተመክሮታት አረ ካብቶም ሓሳባትናን ኣገባባትናን መረጋገጺ ጥራይ እንደሊ ሰባት ብምዃን ለውጢ ክህሉ ንምግባር ካብ ዝሓቶ ቃልሲ ንቦክር።

ብዘይ ምድናቕ እምነት ዱኽም ሊጣንያ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ

ንኣና ኣመንቲ እውን ይብሉ ቅዱስነቶም፥ “ነቶም ኢየሱስ ከም እንፈልጦ ገርና እንሓስቦ ሰባት እውን ከጋጥም ዝክእል ፈተና እዩ።” ንኢየሱስ ከም እንፈልጦ ገርና ምሕሳብ ጥራይ እዅል ኣይኮነን፡ “እምነት ነቲ ሓድሽ ነገርን ዘይተጸበኻዮን ነገራትን ኣምላኽ ግልጺ እንተ ዘይጌርካዮ ብዘይ ምግራም ቀስ ብቐስ ዝመውት ልምድን ማሕበራዊ ልማድን ይኸውን ዝደኸመ ሊጥንያ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ።”

እቲ ዜገርም እንታይ እዩ? እቲ ዘገርመና ምስ ኣምላኽ ምርኻብ “ንጐይታ ተራኺበዮ ኢየ” ዝብል እዩ። እንተኾነ ግን ወንጌል ነንብብ ኢና። እቶም ንኢየሱስ ዝረኽብዎን ዘለልይዎን ሰባት ብዙሕ ግዜ ዝግረሙ እያቶም። ምስ ኣምላኽ ክንራኸብ እንከለና ኸኣ በዚ መገዲ እዚ ክንጐዓዝ ኣሎና። ልክዕ እቲ ርክብ ሓቂ ምዃኑ ናይ መረጋገጺ ወረቐት ልምዲ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ኣግራሞት እዩ።

ነቲ መሰናኽል ተገይሩ ዝሕሰብ ትስብእቲ ኣይፋል ንብል

ስለዚ ፍራንቸስኮ ከም ዝገልጽዎ፥ እቶም ንኢየሱስ ደቂ ዓዱ ዝኾኑ “ነቲ ናይ ትስብእቲ ውርደት ስለ ዘይተቐበልዎ ኣየለልይዎን ብኣኡ እውን ኣይኣምኑን”። እወ እዞም ሰባት እዚኣቶም “ሕይወት መለኮት ብንእሽቶ ስጋና ኪግለጽ ወዲ ኣምላኽ ወዲ እቲ ጸራቢ ኪኸውን መለኰት ኣብ ደቂሰብ ኪሕባእ ኣምላኽ ኣብ ወጅሂ ብቓልን ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ተራ ሰብ ኪነብር ነውሪ እዩ”።

እቲ ዕንቅፋት ከኣ እቲ ጭቡጥ ትስብእቲ እግዚኣብሔር መዓልታዊ ሕይወቱ ዝብል እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ኢየሱስ ዝስሙ በዓል ናዝሬት ኣብ መንገድታትና ብጻይ ኮይኑ ዘሰንየና ሓደ ካባና ኮነ። ንስኻ ሓደ ካባና ኢኻ ንበሎ፡ እዚኣ እታ ዓባይ ጸሎት እያ፥ ምኽንያቱ ሓደ ካባና ዝርድኣናን ዘሰንየናን ይቕረ ዝብለናን ዘፍቅረናን ምዃኑ ስለ ዘረጋግጸልና።

ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ወይ ከኣ ፍሉይ ጽልዋ ዘለዋ ኣምላኽ ዝያዳ ምሹእ እዩ

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ኣብ ሓደ ኵነት ኢዱ ዘየእቱ ከምኡውን ካብ ህይወት ጸገማት ሕብረተሰብ ርሒቑ ዚነብር ርቒቕ ንዝኾነ ኣማልኽ እኣምን ምባል ምሹእ እዩ፡ ወይ ከኣ ንሓደ ፍሉይ ነገራት ጥራይ ዚገብር ወትሩ ዓቢዪ ስምዒት ዘወዓውዕ ‘ፍሉይ ጽልዋ’ ዘለዎ ኣምላኽ ክንኣምኖ ንደሊ፥

ኣብ ክንዱኡስ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣምላኽ ስጋ ዝለበሰ፡ ትሑት ኣምላኽ፡ ለዋህ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ገዛእ ርእሱ ዝሓብእ ትሕት ዘበለ ቀረባና ዕለታዊ ንቡር ናብራና ምሳና ዚነብር ምዃኑ ምልላይ እዩ ዘድሊ።

ንሕና እውን ኣምላኽ ኪሓልፍ ከሎ ዘይምቕባሉ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል

እቲ ዓቢይ ስግኣት ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ልክዕ ከምቶም ደቂ ዓዱ “ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ብጥቓና ኪሓልፍ ከየለለናዮ ናይ ምትራፍ ሓደጋ” ከጋጥመና ዝከኣል እዩ።

ነታ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ‘ከይፈልጥክዎ ዝሓልፍ ጐይታ የፍርህኒ” ዝብሎ ደስ እትብል ቃል ክዝክር እፈትው፥ ብጥቓና እናሓለፈ ዘይነለልዮ ከይንኸውን ሓደራ!

ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ህላወ እምላኽ ዝርእያ የዕንቲ

ኣይነለልዮን ዕንቅፋት እውን ይኾነና! ስለዚህ ከነለልዮን ከም ዕንቅፋት እውን ንኸይንሓስቦን ነታ “ኣብ ናዝሬት ዕለታዊ ሕይወታ ንእግዚኣብሔር ዘአንገደትን ዝተቐበለትን ማርያም ክፉታት የዕንትን ልባትና ካብ ቅድመ ፍርድታት ናጻ ዝኾነ ንምድናቕ ክፉት ክኸውን፡ ንጐይታ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንራኸቦ እንኰለና ዝድነቑ ክንከውን መታን ከተማልደልና ንጸሊ፥ ኣብቲ ተራን ንቡርን ዝኾነ ሕይወት ትሑት ህላዌኡ ነለልይ።” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 July 2021, 21:40