ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵባ ኣብ ጐድኒ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ እየ፥ ናብ ሕጹጽ ዘተ ምባል

“ሓላይት ቅድስተ ድንግል ማርያን ዘኰብረ” ከተማልድ እምሕጸን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ህልው ኩነታት ኵባ እናሓሰቡ፥ ንዅሎም ኣቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቍጠባውን ክንክን ጥዕናዊ ቅልውላው ምኽንያት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ሓገዝ ክረኽቡ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰላም ዘተን ሓድነትን”፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔ፥ ነታ ናይ ኵባ ሓላዊት ቅድስቲ “ሓላይት ቅድስተ ድንግል ማርያን ዘኰብረ” ከተማልድ እምሕጸን ቢሎም፥ እዛ ሓላዊት ኵባ ቅድስተ ማርያም፥ ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሕዝቢ ብፍላይ መንእሰያት ናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባትን ዋጋ ኣገደስቲ ነገራት ክንክይን ከምኡ እውን ብተድጋጋሚ ዝርአይ ምቍራጽ ሓይሊ መብራህትን ክእለይ እቲ ብምስፋሕ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ዝተኣታተወ ቍጠባውን ክንክን ጥዕናዊ ቅልውላውን ፍታሕ ክረከብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሕዝባዊ ናዕቢ ብሰላማዊ ኣገባባትን ዘተን ሓድነትን ክብዳህ ደገፋ እምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ነቶም ፍቑራት ሕዝቢ ኩባ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብዙሕ ስቓይ ዝወርዶም ኣባይቲ ስድራ ቅርበተይ እገልጽ፡ ህዝቢ ኵባ ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ንሓደ ቅኑዕን ሕውነትን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብን ሰላምን ዘተን ሓድነትን መታን ክሓንጽ ናብ ጐይታ እጽልይ!

ቢሎም ንመላእ ህዝቢ ኵባ ንሓልዮት ቅድስተ ማርያን ዘኮብረ ዑቕባ ሕድሪ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

19 July 2021, 18:19