ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጐነጽ ተኣልዩ ብሓባር ንሰላም ምዕያይ

እቲ ዘሕዝን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ እቲ ለብዒ ንዅነታት ናይቶም ድሮ ብቑጠባን ጥዕናን ቅልውላው እተተንከፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋትንናን ኣሓትናን ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ስንኵፍ ኩነታቶም ዘጋድዶ ዓመጽ ዝመእልኦ ዝሕዝን ፍጻሜታት ይስማዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት እናሓሰቡ፡ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣን ምንእቲ ስኒት ክዓዩ፥ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ እሓብር ቢሎም፡ ጐነጽ ተኣልዩ ኵሉ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ብጸብጻባት ፍጻሜታትን ርእሰ ብሔር ራማፎሳን እውን እንተ ዀነ፥ ካብ ተስዓታት ንነጀው ዘጋጠመ ዝኸፍኤ ውሽጣዊ ቅልውላው ከምዝኾነ ገይሮም ይገልጽዎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ዘመተን ማእሰርትን ሰንሰለታዊ ናዕብን ትርከብ ኣላ፡ ኣብ መንጐ ኣድመይናታትን ሓይሊ ጸጥታን ዝርአይ ዘሎ ግጭትን ብዙሓ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም ከምዘሎን ልዕሊ 200 ዝኾኑ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ከምእተቐትሉ ይንገር። ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ነበር ርእሰ ብሔር ጃኮብ ዙማ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ናይ ምእታው ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ስዒቡ ዝተባርዔ ሕዝባዊ  ናዕብን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንናይ ብዙሓት ፍሉይ ትዕዝብቲ መስህብ ክትከውን ከምዝገበራን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ እናሓሰቡ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

እቲ ዘሕዝን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ እቲ ለብዒ ንዅነታት ናይቶም ድሮ ብቑጠባን ጥዕናን ቅልውላው እተተንከፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋትንናን ኣሓትናን ነቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ስንኵፍ ኩነታቶም ዘጋድዶ ዓመጽ ዝመእልኦ ዝሕዝን ፍጻሜታት ይስማዕ ኣሎ፡

ቢሎም፡ ነዚ ዘሕዝን ኵነት ድሕረ ባይታ ገይሮም፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ቅልውላው እንኰላይ ኣብ ዞባ ዱርባን ኣብ ክፍለ ከተማ ማንደላን ስዌቶን ኣብ ሓያሎ ዞባታት ጆሃንስበርግ ዝሰፍሕ ዘሎ ቅልውላው ናይቲ ስእነት ስራሕን ሕጽረት መግብን ሕጽረት መድሃኒትን ድኽነትን ሳዕቤን እዩ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ኣብቲ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና እሓብር፥

ምስ ኣቡናት ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓባር ንዅሎም እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ዝምልከቶም ኣካላት ንሰላም ክዓዩ፡ ንስኡናት ኣብ ምሕጋዝ ምስ ሰበ ስልጣናት ብምትሕብባር ክዓዩ ምሕጽንታይ አቕርብ፡ እቲ ንሕዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ኩሎም ደቃ ስምምዕ ክህልው ዝመርሖም ባህጊ ከይርሳዕ ዳግም ክውለድ ጻውዒት አቕርብ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 July 2021, 18:13