ፍራንቸስኮ ንሶርያዊ ማላባረዝ ስርዓት ንእትኽተል ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ንዅሉ ግጭት የፍሽል ፍራንቸስኮ ንሶርያዊ ማላባረዝ ስርዓት ንእትኽተል ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ንዅሉ ግጭት የፍሽል 

ፍራንቸስኮ ንሶርያዊ ማላባረዝ ስርዓት ንእትኽተል ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት ንዅሉ ግጭት የፍሽል

ቅዱነቶም ዝኽሪ እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ስርዓተ ቅዳሴ ንምልዛብ ዝተበጽሔ ስምምዕ ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ቀጻሊ ምስትውዓል ዝሓትት ገለ ጸገማት እኳ እንተሎ እቲ ኣብታ ናይ ሶሪያ ማላባረዝ ስርዓት መሰረት ዝስራዕ ቅዱስ ቍርባን ኣፍልጦ ዝተወሃበሉን ነዚ ውሳኔ እዚ ዝምልከት ናይ ሕጊ ውሳኔ ብዙሕ ፍረ ከምዘፍረየን

ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ናብታ ኣብ ህንዲ እትርከብ ናይ ሶርያ-ማላባረዘ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዛ ናይ ሶሪያ ማላባረዘ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ተባሂለን ዝንገረለን ኣቢያተ ክርስቲያን ቐዳመይቲ ምዃና ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክትነብር ተማሕጺኖም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተዓደለቶ ኣገዳሲ ውጽኢት እውን ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሓድነት ንዅሉ ግጭታት ስለ ዜሰንፎ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ተመላለሱ።” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላባረዝ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቡናን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ስርዓተ ቅዳሴ ንምልዛብ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣገዳስነቱ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ “ዝዓበየ ርግኣትን ምትሕብባርን ኤቅለሲያዊ ሱታፌን ውሑስ ንምግባር ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ ነይሩ”፡ ምብጻሕ ኣካይዶም ነቲ ናይ ሶሪያ ማላባረዝ ስርዓት ዝተሓደሰ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ መሪቖምን ንኣባ ኩሪኣኮሰ ኤሊያስ ቻቫራን ንእናቴ ኣልፎንሳ ሙታቱፓንዳቱ ኣብ ኮቶያም ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብጽዕና ኣዊጆም፥ ዝኣተውዎ መብጽዓ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፡ ናቶም ግይሮምን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1992 ዓ.ም. ናይ ሶሪያ ማላባረዘ ናብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ክብ ኣቢሎም ብጽዕ ካርዲናል አንቶንይ ፓድያራ ኤርናኩላም ኣንጋማልይ ቀዳማይ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን እዚ እውን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሆተ ወንጌል እተካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝህበ ቡራኬ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጻሊ ኣስተውዕሎ (ልልያ)

ቅዱነቶም ዝኽሪ እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ስርዓተ ቅዳሴ ንምልዛብ ዝተበጽሔ ስምምዕ ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ቀጻሊ ምስትውዓል ዝሓትት ገለ ጸገማት እኳ እንተሎ እቲ ኣብታ ናይ ሶሪያ ማላባረዝ ስርዓት መሰረት ዝስራዕ ቅዱስ ቍርባን ኣፍልጦ ዝተወሃበሉን ነዚ ውሳኔ እዚ ዝምልከት ናይ ሕጊ ውሳኔ ብዙሕ ፍረ ከምዘፍረየን ገለ ካብዚ ኸኣ ኣብቲ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብተን ልኡካነ ወንጌል ኤጳርቅናታት ዝርከብ መላእ ማሕበርሰብ ብሰላምን ብጸሎትን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ሓድነት ብቐጻልነት ምስ ሄራርቅያ ምሉእ ስምምዕ ገይሩ ዝፍጸሞ ጉዕዞ ዝምስክሮ እዩ እዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶ ነቲ ዝተሓደሰ ስርዓተ ቅዳሴ መሰረት ገይሮም ንመላእ ናይ ሶሪያ ማላባረዝ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናን እታ ቤተ ክርስቲያን፥ “ናብቲ ንቤተ ክርስቲያንኩም ዝጠቕም ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓደ ዓይነት ኣበዓዕላን ስርዓት ክትምርሹ እምሕጸን” ቢሎም፥ ናይ ሲኖዶስ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምስ እትዓዩ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ኵሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያንኵም ስኒትን ሕውነትን ከም ዝህሉ ይገብር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 July 2021, 17:37