ር.ሊ.ጳ. ኣብ ድቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ብዘተን ዕርቅን መዕለቢ ክረክብ ይምሕጸኑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ድቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ብዘተን ዕርቅን መዕለቢ ክረክብ ይምሕጸኑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ድቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ብዘተን ዕርቅን መዕለቢ ክረክብ ይምሕጸኑ

ኣብታ ሃገር ናይታ እንኰ ሰበኻ ማንዚኒ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ፕንቸ ደ ለዮነ፥ ህድኣትን ዘተን ክረጋገጽ ጽዋዒት ኣቕሪቦም፥ “ሓዊ ብሓዊ መልሲ ምሃብ ኵሉ ነገር ናብ ሓሙዅሽቲ እዩ ዝቕይር፥ መንግስቲ ነቲ ተቓወሞ ዘለዓዓለ ምኽንያት ኣፍልጦ ሂቡ ካብቲ ቅልውላው ክትላቐቕ ዘኽእል እንኰ መገዲ ንዅሎም ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ክፉት ዝኾነ ናይ ሓባር ዘተ ምርግጋጽ

ኣብ ሃገረ ኤስዋቲኒ ነበር ስዋዚላንድ ንንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይን ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብምቅዋም ዝተለዓዓለ ሳልሳይ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ ዓመጽን ነዚ ስዒቡ እውን ዝፍጸም ዘሎ ምቁራጽ መርበብ ሓብሬታን እዋጅ እቶ እቶን ከብቕዕን ዘተን ዕርቅን ክተባባዕ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑን ናይ ማንዚኒ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፖንቸ ደ ለዮን “ሓዊ ብሓዊ ምጥፋእ ኵሉ ነገር ናብ ሓሙዅሽቲ ጥራት እዩ ዝቕየር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣብ ግዛኣት ኢስዋቲኒ (ነበር ስዋዚላንድ) “ውጥረትን ዓመጽን ዝገልጽ ዜና ይበጽሖም ከምዘሎን እዚ ንሓያሎ ሰሙናት ኣንጻር እቲ ን35 ዓመት ኣብታ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉሳዊ ስርዓት ሚስዋቲ ሳልሳይ ዝቓወም ናዕቢ ከብቅዕ፥

ኵሎም እቶም ሓላፍነት ዘለዎምን እቶም ንናይ ሃገሮም መጻኢ ኣስተንፍሶ ገይሮም ሰላማዊ ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ ኵሎም ናይ ሓባር ዘተን ዕርቅን ካልእ ዘለዎ ዝተፈላለየ ኣመላኽኽታ ብሰላማዊ ኣገባብ ክእንገድን ናብ ሓባራዊ ኣንፈት ከብል ሓባራዊ ጻዕሪ ንኺገብሩ እዕድም፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ዝተለዓዓለ ተቓውሞ

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ሓደ ናይ ሕጊ ተማሃራይ ብሓይሊ ጸጥታ ድሕሪ ምቅታሉ ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ዓመጽ እቲ ካብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝረአይ ዝነበረ ተቓውሞ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት እቲ እናተባራትዔ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ንምዕፋን ሓይሊ ጸጥታ ዝወስዶ ስጉምቲ እናገደደን እናሰፈሔን ይኸይድ ከምዘሎን ነዚ ዅሉ ንምቍጽጻር እውን ናይታ ሃገር ንጉስ መራኸቢ ብዙሓንን መርበብ ሓበሬታን ክዕጸዉን ሰዓት እቶ እቶ እውን ከምዝኣወጁን ነቲ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ንምዕጋት እውን ሓይሊ ምክልኻል ክዋፈር ከምዝገበሩን እዚ እውን ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የብእሶ ከምዘሎን ተቓወምቲ ሰልፍታት ከምዝሕብርዎ በቲ ተለዓዕሊ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ብዙሓት ከምእተቐትሉን ሓያሎ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ክፍለጥ እንከሎ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ዝተቐትለ ሓደ’ኳ የሎን እክብሉ መግለጺ ከምዝሃበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብጹዕ ኣቡነ ፕንቸ ደ ለዮነ፥ “ካብቲ ቅልውላው ዘላቕቕ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ።”

ኣብታ ሃገር ናይታ እንኰ ሰበኻ ማንዚኒ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ፕንቸ ደ ለዮነ፥ ህድኣትን ዘተን ክረጋገጽ ጽዋዒት ኣቕሪቦም፥ “ሓዊ ብሓዊ መልሲ ምሃብ ኵሉ ነገር ናብ ሓሙዅሽቲ እዩ ዝቕይር፥ መንግስቲ ነቲ ተቓወሞ ዘለዓዓለ ምኽንያት ኣፍልጦ ሂቡ ካብቲ ቅልውላው ክትላቐቕ ዘኽእል እንኰ መገዲ ንዅሎም ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ክፉት ዝኾነ ናይ ሓባር ዘተ ምርግጋጽ ምዃኑ ክኣምን” ቢሎም - ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ፥ “ሓቅነቱ ዝተረጋገጸ ማሕበራዊ ዘተ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣመለኻኽታን ሕጋዊ እምንቶን ረብሓታትን ናይ ምቕባል ብቕዓት ዘለዎ ሕድሕዳዊ ኣረኣእያ ዘኽብር ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ድኽነት እትርከብ ሃገረ ኤስዋቲኒ

ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ተቐማጦ ዘለዋ ሃገረ ኤስዋቲኒ ብኸቢድ ብድኽነት ዝተጠቕዔትን ዓምታዊ እቶት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣስታት ሰለስተ ሺሕ ዶላር ከምኡ እውን ዕምሪ ሕይወት ካብ 49 ዓመት ንታሕቲ ከምዝኾነን ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ምስፋሕ ሕማም ኤይድስ ዝረኣየላ ሃገር ምዃና ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ብፍላይ መንእሰያት እቲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተሓርየ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ዘለዎም መራሔ መንግስቲ ዘይምዕጋቡን እዚ ጭቡጥ ስምዒት እዚ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተራአየን እናሰፈሔን ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ምሾት ክነብር ህዝቢ ግና ኣብ ከቢድ ሓሳርን መከራን ዝርከብ ብምዃኑ እዚ ዅሉ እውን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ የብእሶ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 July 2021, 21:29