IRAQ-VATICAN-POPE IRAQ-VATICAN-POPE 

ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርካት ማእከላይ ምብራቕ፥ ናይ እምነት ሓለውትን መሳኻኽርን ኵኑ

በቲ እተመረዘ ምንጪ ንምርዋይ ኣይትፈትኑ፡ የገዳስ ከምቲ ቆጵጣውን ማሮናውን መልቂጣውን ሶርያውን ኣርመናውን ከለዳውን ላቲናውን ዓበይቲ ቅዱሳት ባህልታትኩም፥ ዝምስክርዎ ኣፍላጋት ግራት ልብዅም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኣውሊ ክምስነው ፍቕዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮምስ ዝኽሪ መበል 130 ዓመት ሓደስቲ ነገራት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተተሓሒዙን ንኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ በዛ ንቅድስቲ ስድራ ቤት ዝተወፈየት መዓልቲ ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ እምነት ክጸንዓን ንሕንጸት ሓባራዊ ሰናይ ኣበርክቶ ብምግባር ትንቢት ሕውነት ክነብራ እምሕጸን” ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ መልእኽቲ ኣብ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ከምዘምሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዕለት 27 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንማእከላይ ምብራቕ ናብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “እዛ ንቕድስቲ ስድራ ቤት ዝተወፈየት መዓልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ከም ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰብን መጠን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ምዃን ጸዋዕታኹምን ናይታ ፍቕርቲ መሬት ዜጋታት ከም ምዃን መሰልኵም ፍትሓዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ብምሕታት ጥራሕ ዘይኮነ ናይታ ቀዳማይቲ መበቈል ሓዋርያ ዝኾነት መሬት ዜጋታት ምዃንኵምን ናይዚ ተልእኾ እዚ ሓለውትን መሰኻኽርን ምዃንኩም ኣይትረስዑ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓለውቲ ምስጢረ ትስብእቱ

“ኢየሱስ ዮሴፍ ማርያም፥ ንመንነትኩምን ተልእኾኹምን ብዚግባእ እዮም ዘመልክቱ” ቢሎም ካብቲ “ምስጢረ ትስብእቱ ወልደ ኣማላኽ” ኣብ “ዙርያ ኢየሱስን ብእየሱስን” ዝጸንዔ እዩ፡ “ማርያም ጸገወትና ዮሴፍ ከኣ ፍቓድ ኣቦ ንኺፍጽም ድልው ኮይኑ ተቐበሎ፡ ማርያም ዮሴፍን ንወዲ ኣምላኽ ኪሕልውዎ ናብ ምስሪ ምስ ተጓዕዙ እቲ ኣብ ቤተ ልሄም እተወልደሉ ምስጢረ ትሕትናን ውርደትን ኣብቶም ሎሚ ኪስደዱ ዚግደዱ ሰባት ኵነት ህይወት ይሓብሩ”፥

በዚ ኣገባብ እዚ ንጸዋዕታኦም እሙናት ኮይኖም ከይፈለጡ እውን ነቲ ደሓር እግዚኣብሔር ብወጋሕታ ፋሲካ ዝደምደሞ እውን እንተኾነ ቅድሚ ትንሳኤ ንኢየሱስ ናይ ዘጋጥሞ ስቓይን መከራን ኣሳዶን ኣቐዲሞም ኣመላኸቱ፥

መንፈሳዊ ነጋድን ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጸሎትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርካት “ሓለውትን መሰኻኽርን መበቈል ናይ መጀመርታ ሓዋርያት እንክብሉ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ናብ ምስርን ኤመራት ዓረብን ዒራቕን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ከምቲ ምእንቲ ሶሪያ ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ከማሁ እውን ዕለት 1 ሓምለ ንመላእ ኣብ ቄድሮስ ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕልዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ሃገረ  ቫቲካን ምእንቲ ሊባኖስ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ንኽሓብሩ ዘቕረብዎ ዕድመን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ነጋዳይን ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ጸላይን ምዃኖም ነስተውዕል።

ስልጣነታት ኵሉ ሓላፋይ እዩ እቲ ዘይሓልፍ ቃል ኣምላኽ እዩ

“ስልጣነታትን ዓብለልቲ ስልጣኔታት ተፈጢሮምን ከምዝጀመርዎ ድማ ከብቅዑን ተራእዩ እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ “ቃል ኣምላኽ ካብ ኣቦና ኣብርሃን ጀሚሩ ሎሚ እውን ከም ቀደም ተኾሊዑ ይቕጽልን ንመገድታትና እውን ብርሃን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ”፡ ማእከላይ ምብራቕ፥ “ነቲ ኣብ ዒራቕ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም፡ “ምንጻፍ ዝቐውም ሓያሎ ፈትሊ ጐድኒ ንጐድኒ ተደጋጊፎም ስለ ዝተእሳሰሩ እዩ” እንክብሉ ብምዝኽኻር፥

ዓመጽ ቅንኢ ምግምማዕ ነቲ ጐድኒ ጐድኒ ደው ዝበለን ዝተኣሳሰረን ፈትሊ ክበታትኾ እንከሎ ኵሉ ነገራት እዩ ዝህሰ፡ ኣብቲ ህሞት እቲ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ እንተ ዘይተኣሚንና ስብኣዊ ውጥናትናን ስምምዓትናን ዘዐውት ኣይክኸውንን እዩ፡ በቲ እተመረዘ ምንጪ ንምርዋይ ኣይትፈትኑ፡ የገዳስ ከምቲ ቆጵጣውን ማሮናውን መልቂጣውን ሶርያውን ኣርመናውን ከለዳውን ላቲናውን ዓበይቲ ቅዱሳት ባህልታትኩም፥ ዝምስክርዎ ኣፍላጋት ግራት ልብዅም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኣውሊ ክምስነው ፍቕዱ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንናይ መሬትኵም ሓባራዊ ረብሓ ናይ ምድሪ ጨው ኵኑ

እቲ ናብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፓትርያርካት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብመስረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተ - ሰብኣዊ ትምህርትን ኣብቲ ኣብ ኣቡ ዳቢን ኣብ ናጃፍን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ሰነድን  “ትንቢት ሰብኣዊ ሕውነት ብምንባር” ዝበልዎ ሓሳብ መሰረት  ገይሮም “ጨው” ምድሪ ኵኑ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 June 2021, 15:53