ከም ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓራ ንኹን! ከምቲ ናቶም ትሕትና ንልበስ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ 29 ሰነ 2021 ዓም በዓለ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ብዓቢ ዓጀብ እንክተኽብር ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ዝመርሕዎ ቅዳሴን እቲ ወትሩ ኣብዚ ዕለት እዚ ንሓደስቲ ተሰየምቲ ሊቃነ ጳጳሳት ምልክት ጒስነትን ኣገልግሎትን ዝኾነ ኣክሚም እንተስ ብኣካል ተረኺቦም እንተስ ኣብ ዘዘለውዎ ዝለኣኸሉ ዕለት እውን ስለዝኾነ ካብ ዓሚ ሕይሽ ብዝበለ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሊቃነ ጳጳሳት ተሳቲፎም። ቅዱስነቶም ዘለዓለማዊ ሓርነት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣመልኪቶም ብጐይታ ንዝርከብ ሓርነት ብዝሰፊሑ ተንቲኖም ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ሎሚ ናይቶም ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ክልተ ዓበይቲ ሓዋርያት ወንጌል ጴጥሮስን ጳውሎስን በዓል ነኽብር ኣሎና። እስከ ነዞም መሰኻኽር እምነት ዝኾኑ ካብ ቀረባ ንመልከቶም። ኣብ ማእከል ታሪኾም ዝርከብ ታሪኽ ዛንታ ጅግንነቶም ዘይኮነ ናይታ ሕይወቶም ለዊጣ ሓርነት ዘልበሰቶም ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዛንታ እዩ ጐሊሑ ዝረኤ። ምስ ኢየሱስ ምርኻቦም ከኣ ነቲ ካብ ኩሉ ሕማሞም ኣሕውዩ ሓራ ዘውጽኦም ፍቅሪ ከምዘስተማቅሩ ገበሮም። በዚ ከኣ ንካልኦት መውጽኣቲ ሓራ ንምዃን ተልእኮ ዝተቀበሉ ሓዋርያት ኰኑ።

ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓራ እዮም ከመይ ብጐይታ ሓራ ወጺኦም ዝብል ንረክብ። እስኪ ነዚ ማእከላይ ነጥቢ እዚ ኣዕሙቊ ኣቢልና ነስተንትን። እቲ ካብ ገሊላ ዝመጸ ገፋፊ ዓሳ ጴጥሮስ ካብቲ ዘጨንቆ ዝነበረ ዘይብቊዕነትን ውድቀትን በቲ ካብኡ ምንም ዘይደሊ ለጋስ ፍቅሪ ኢየሱስ ሓራ ኰይኑ። ሽሕ’ኳ ምኩር ገፋፍ ዓሳ እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ለይቲ ምሉእ ጽዒሩ ምንም ክሕዝ ዘይከኣለሉ ዝፈሸለሉ ግዝያት ኢየሱስ ደበኽ እናበለ መርበብካ በዚ ደርቢ እንክብሎ ንሱ ግን ብምረት ‘ምሉእ ለይቲ ጽዒርና ሓንቲ ኣይረኽበናን’ (ሉቃ 5,5. ዮሓ 21,5) እናበለ ዕሚም ካብ ምባል ኣየቋረጸን።  ምሉእ ለይቲ ከውርዶን ክጐቶን ዝሓደረ ሰኪዔት ጥራሑ ምስ ረኣየ ግድን እዩ ክቊጣዕ እንተኾነ ፍርሂ እውን የሸንፎ ነሩ ንኣብነት ብማየ ማይ ክኸይድ ንኢየሱስ ሓቲቱ ማዕበል ምስ ረኣየ ብፍርሒ እንከወላውል (ማቴ 14,30) ሽሕ’ኳ ንፉዕ ሓዋርያ ጐይታ እንትኾነ ኣተሓሳስባኡ ግን ዓለማዊ ብምንባሩ መስቀል ክርስቶስ ክርድኦን ክቅበሎን ኣይከኣለን (ማቴ 16,22)። ዝገደደ ከኣ ንኢየሱስ ካብ ምኽሓድ ሕይወቱ በጃ ክህብ ስንድው ምዃኑ ፍክር ከምዘይነበረ ብገለ ሰባት ሓዋርያን ወዲ ዓዲ ኢየሱስን ምዃኑ ብዓይኒ ጥርጠራ እንክጥምትዎ ሰለስተ ግዜ ኣብ ምኽሓድ በጺሑ (ማር 14,66-72)።

ምስ እዚ ኩሉ ግን ኢየሱስ ብነጻ ከፍቅሮን ብኣኡ ክወራረድን ክኢሉ። ተስፋ ንከይቈርጽ ኣተባባቢዕዎ። ኣብ ምግፋፍ ዓሳ መርበቡ ብወገን የማን ክድርቢ ኣብ ባሕሪ ብማየ ማይ ክኸይድ የተባብዖ። ንድኻምነቱ ብትብዓት ክጥምት እሞ ብመንገዲ መስቀል ክስዕቦ ሕይወቱ ምእንቲ ኣሕዋቱ ከወፊ ኣባግዑ ክጓሲ ሓደራ ይብሎ። በዚ መንገዲ እዚኸስ ቀስ ብቀስ ካብ ፍርሓት የላቅቆ ካብቲ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዝጸባጸቦም ውሕስነታት ክወጽእ ይሕግዞ ከምኡ እውን ካብ ሻቅሎትን ጭንቀትን መንፈስ ዓለም ሓራ ዀይኑ ንኩሉ ጠንጢኑ ገፋፍ ሰብ ምዃኑ ከምዝስቈሮ ይገብር። ነዚ ሰብ እዚ ከኣ እዩ ነሕዋቱ ኣብ እምነት ከጽንዕ ዝጸውዔ (ሉቃ 2232)። ኣብ ወንጌል ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ከኣ ንኣኡ ንክኣስርን ንክፈትሕን ሥልጣን ዘውህብ መፋትሕ መንግሥተ ሰማያት ይህቦ። እዚ ከኣ ንኣሕዋት ኣብ ክርስቶስ ከተኣሳስርን ነቲ ኣብ ሕይወቶም ዘሎ ቁጻራትን ኣሳሪ ሰንሰለታትን ክፈትሕ ሥልጣን ይህቦ (ማቴ 16,19)።

እዚ ኩሉ ከመይ ኢሉ ኰነ እንተቢልና ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ግሐ 12.7 ጴጥሮስ ቅድሚ ዝኣገረ ካብ ቤትማሰርቲ ሓራ ዘውጽኦ ጐይታ እዩ።  ከምቲ ሕዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ እንክወጹ ብለይቲ ዘጋጠመ እተን ከም እሱር ኣእዳውን ኣእጋሩን ቀፊደን ዝነበራ ሰንሰለት ይሰባበራ። ቀልጢፉ ክትንስእን ቊልፉ ክዕጠቅን ሳእኑ ወዲዩ ክወጽእን ይንገሮ። ጐይታ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ማዓጹ ቤትማእሰርቲ ጋህ ኣቢሉ ይኸፍቶ። እዛ ፍጻሜ እዚኣ ሓዳስ ታሪኽ ክፍተት ኰይና ሓርነቱ ዝተበጣጠሰ ሰንሰለትን ካብቲ ብድሕሪኡ ከምዝነበሮ ኰይኑ ዝዕጾ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእን ተጠቃልል። ጴጥሮስ ተመኲሮ ፋሲካ የስተማቅር ጐይታ ሓራ ኣውጺእዎ።

ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ጒዕዞ ሓርነት ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ የስተማቅር። ካብቲ ጸቂጡ ሒዝዎ ዝነበረ ዝሓሰመ ባርነት ሓራ ይወጽእ። ካብቲ ኣነ ዝብል መንፈስ ወጺኡ ብስም ንጉሥ እስራኤል ነበር ሳውል ዝጽዋዕ ዝነበረ ስሙ ናብ ጳውሎስ ይልወጥ ትርጉሙ ኸኣ ንእሽቶ ማለት እዩ። ካብቲ ዝነበሮ ብርቱዕ ቅንዓት እምነት ነቲ ዝነበረ ባህሊ ንምዕቃብ ክሳብ ምቅታልን ስደትን ክርስትያን ዘብጽሖ እውን ሓራ ወጺኡ (ገላ 1,14)።  ነቲ ዝነበረ ባህሊ እምነት ምኽባርን ክሳብ ብሰፍ ምክልኻሉን ክንዲ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ዝኸፍቶ መሊሱ ልቡ ከምዝተርር ገበሮ። ኣኽራሪ ነበረ። እግዚአብሔርከስ ካብዚ እዩ ሓራ ዘውጽኦ። እንተኾነ ካብ ብዙሕ ድኻምነትን ጸገማትን ኣየናገፎን ከመይ ሃልኪ ሓውርያነትን ሥጋዊ ሕማምን ነቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሉ ዝለዓለ ብስለት ዝሃባ እየን (ገላ 4,13)። ዓመጽን ስደትን ኣብ ባሕሪ ገልታዕታዕን ጥሜትን ጽምእን ከምቲ ንሱ ዘዘንትዎ እውን ኣብ ሥጋኡ ጠቢቃ ተሳቅዮ ዝነበረት እሾኽ (2ቆሮ 12,7) ኩሉ ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣጸቢቁ ከምዝበስል ገበሮ።

ነዚ ኩሉ ዝተገዘበ ጳውሎስከስ ‘ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ’ (1ቆሮ 1,27) እንክብል ይገልጾ እሞ በቲ ሓይሊ ዝህባ ኩሉ ከም እንኽእል (ፊል 4,13) ካብ ፍቅሩ ከኣ ክፍለየና ዝኽእል ምንም ከምዘየለ (ሮሜ 8,35) የረጋግጽ። ስለዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ ሕይወቱ ምስ ተቃረበ ‘ጐይታ ወትሩ ኣብ ጐድነይ ኰይኑ ምስ ኣሰየኒ እዩ። ካብ ኩሉ ሕሰም ከኣ ሓራ ኣውጺኡኒ’ (2ጢሞ 17) ክብል ከኣለ። ጳውሎስ እውን ተመኲሮ ፋሲካ ኣስተማቀረ። ጐይታ ሓራ ኣውጽኦ።

 ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ቤተክርስትያን ኣብዞም ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ እምነት እንክትጥምት ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ሓራ ስለዝወጹ ንሓይሊ ወንጌል ናብ መላእ ዓለም ንክበጽሕ ሓዋርያት ዝኾኑ ትዕዘብ። ነዞም ሓዋርያት እዚኦም ጐይታ ኣይመርሖም ኣየዋረዶም እንታይ ደኣ ብፍቅርን ቅርበትን ንኩሉ ኩሉ ኣካፊልዎም ሓንሳእ ሓንሳእ ንክልወጡ ቅንጥው እናበለ ብጸሎት ኣሰንይዎም። ንጴጥሮስ ‘እምነትካ ከይትጠፍእ ስለኻ ጸለኹ’ (ሉቃ 22,32) ንጳውሎስ ከኣ ‘ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ’ (ግሐ 9,4) ይብሎም። ማዕረኡ ማዕረኡ ኢየሱስ ሎሚ ንዓና እውን ብጸሎት ከምዘሰንየናን ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦኡ ስለና ከምዘማልድን ይገልጸልና። ገለ እንተተጋገና እንደገና ሓይሊ ክንለብስን ንጒዕዞና ዳግም ንክንተሓሓዞን ብለውሃት ይእርመና።

 ከምቲ ናይ ሓዋርያት ንሕና እውን ብፍቅሪ ጐይታ ሓራ ንኸውን። እዚ ሓራ ምዃን እዚ ወትሩ የድልየና ከመይ ሓራ ዝኾነት ቤተክርስትያን ጥራይ እያ እትእመን። ኣብቲ ዝተጸዋዕናሉ ምግፋፍ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሽለት ዘጋጥመና ኣብ ዝመስለና ግዜ ካብዚ ስምዒት እዚ ሓራ ክንከውን ካብቲ ዘልምሰና ፍርህን ኣብ ውሕስነታት ዝህቡ ዝመስሉና ጉዳያትና ተዓጺና ትብዓት ትንቢት ከይነጥፍእ ሓራ ክንከውን ኣሎና። ከም ጳውሎስ ካብ ደጋዊ ኣምሰሉነት ሓራ ክንከውን ካብቲ ኣብ እምነትና ብሓይሊ ዓለም ክነስፍሕ ዝብል ፈተና ሓራ ወጺእና በታ ንእግዚአብሔር ቦታ እትህብ ድኻምነት ተመሪሕና ደረቅን ዘይዕጸፍን ሓለዋ እምነት ኣሊና ካብቲ ዘይንጹር ምትእስሳር ስልጣን ዘይተረድኡና እኳ ይኾኑ ዝብል ፍርህን ምጥርጣርን ሓራ ንኹን።

ሎሚ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ኢድና ሓደራ ናይ ዝተዋህቦት ቤተክርስትያን መልክዕ ይህቡና እንተኾነ ብእምነትን ርሕራሔን ጐይታ እትምራሕ! መራሒ ቤተክርስትያን ባዕሉ እዩ። ከምኡ እውን ካብ ሓንቲ ድኽምቲ ቤተክርስትያን መልክዕ ብህላዌ እግዚአብሔር ዝሓየለት ቤተክርስትያን ሂቡ! ባዕላ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ሓርነት ለቢሳ ንዓለም ሓራ እትገብር! ካብቶም ንናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ዘኽፍኡ ካብ ሓጢኣትን ካብ ሞትን ተስፋ ቊርጸትን ፍትሒ ምጒዳልን ሓራ የውጽኣና።  

ሎሚ እምበኣርከስ ሕጂ ነዚ ሥርዓት ኣብ እንፍጽመሉን ኣብ ዝመጽእ ግዜን ኣብ ከተማታትናን ኣብ ማሕበራትናን ኣብ ዓለምናን ሓርነት ዘድልዮ ኣየኖት ኮን ይኾኑ ኢልና ንሕተት! ክንደይ ሰንሰለታት ክበጣጠስ ክንደይ ዝተረገጠ መዓጹ ክረሖ ኣለዎ ኢልና ንሕተት! ንሕና ናይዚ ሓርነት እዚ ተሓባበርቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። እንተኾነ ብቀዳምነት ነፍስወከፍና ብሕዳሴ ኢየሱስ ክንሕደስን ሓራ ክንወጽእን እንተኣፍቂድናን ብሓርነት መንፈስ ቅዱስ እንተተመላለስናን ጥራይ ኢና ነዚ ክንከብር እንኽእል።

ሎሚ ኣሕዋትና ሊቃነ ጳጳሳት ኣክሚም ክቅበሉ እዮም እዚ ከኣ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ሓድነት ዘመልክት ኰይኑ ሓደ ጓሳ ምእንቲ መጓሲኡ ሕይወቱ ክህብ ከምዝተላእከ ዘዘኻኽር እዩ። እቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ሓራ ዝኾነ ጓሳ ከኣ ሕይወቱ ንመጓሰ ብምውፋይ መጋበሪ ሓርነት ኣሕዋቱ ይኸውን። ከምኡ እውን ሎሚ ካብ ክቡር ኢኩመኒካዊ ሓውና በርጠለሜዎስ  ዝተላእኩ ተወከልቲ ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ ኣብ ማእከልና ኣለው። እዛ ብምሉእ ልብና እነኽብራ ህላዌ ኣሕዋትና ኣብ ማእከልና ኣብቲ እንገብሮ ጒዕዞ ሓርነት ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስቶስ ዘሎ ራሕቅታት ሓራ ናይ ምውጻእ ምልክት እዩ። ኣብ ማእከልና ስለ እተረኸብኩም እግዚአብሔር ይሃበልና። ስለኹም ስለ ጓሶትኩም ስለ ቤተክርስትያን ስለ ኩልና ንጸሊ በዚ ከኣ ብክርስቶስ ሓራ ኰና ንመላእ ዓለምና ሓዋርያት ሓርነት ክንከውን ንኽእል።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 June 2021, 12:21