ር.ሊ.ጳ.፥ በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተንታኒ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸላዪ!

ሰብዓ ዓመት ይገብር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ነዞም ፍቑር ኣቦን ሓውን ዝኾኑ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕርናን ምስጋናናን ቅርበትናን ነረጋግጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ሎሚ ቅድሚ ሰብዓ ዓመት  በዛ ዕለት እዚኣ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበልሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ኣቦን ሓውን” እንክብሉ ፍቕርን ቅርበትን ከምዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡን ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ዕለት 29 ሰነ 1951 ዓ.ም. ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ሰበኻ ፍሪሲንጋ ርእሰ ኣድባራት በነዲክቶስ መበል 16 ማዕርገ ክህነት ዝተቐብልሉ ዕለት ምዃኑ ይዝከር። እነሆ ኣብዛ ዕለት እዚኣ መበል 70 ዓመት ክህነቶም ይዝከር፡ ክህነታዊ ሕይወቶም ከምቲ ባዕሎም በነዲክቶስ መበል 16 ዝበለዎ፥ ሎሚ እውን ናይ ሕይወቶም ማእከል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እሙን ምስክርነትን ናብ እግዚኣብሔር ዘተኵራ የዕንትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናን ንልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕርናን ቅርበትና ብጣቕዒት ንግለጸሎም ቢሎም፥

ሰብዓ ዓመት ይገብር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ነዞም ፍቑር ኣቦን ሓውን ዝኾኑ በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕርናን ምስጋናናን ቅርበትናን ነረጋግጽ። ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን መታን ክጽለይ ብዝብል ዕላማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ነስተንተንቲ ባሕታውያን ኣብ ዝቖመ ገዳም ይነብሩን ሕይወቶም ምእንቲ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ምእንቲ እታ ልሂቅ ጳጳስ ንዝኾኑላ ሰበኻ ሮማን ይጽልዩ!

ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ቅድሚ ምዝዛሞም፥

በነዲክቶስ ፍቑር ኣቦን ሓውን አመስግነኩም! ስለ እቲ ብቐጻሊ የዕንትዅም ናብ ደረት ትርኢት ኣምላኽ ገይርኵም እትነብርዎ ጸላይ ሕይወት አመስግነኩም!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ከም ሎሚ ሰብዓ ዓመት ይገብር

ጆሰፍ ራትዚንገር ኣብ ካቴድራል ዘፍሪሲንጋ  ብናይ ሚዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ቮን ፋኡልሃበር ኣንብሮተ ኢድ ማዕርገ ክህነት ካብ ዝቕበሉ እነሆ ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓ.ም. ሰብዓ ዓመት ክህነቶም የብዕሉ፡ ኣብታ ኣብ 1997 ዓ.ም. ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ተሓቲማ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔት “ሕይወተይ” ዘርእስታ መጽሓፎም ባዕሎም ከምዘዘኻኽርዎ፡ ኣርብዓ ንማዕርገ ክህነት ዝተሓጸዩ ተመሃርሮ ዘርኣ ክህነት ከምዝነበሩን ኵሎም እውን ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን . . .”እታ ማዕርገ ክህነት ዝተቐብልኩላ ዕለት ኣብ ሕይወተይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝኾነት ዘይርስዓ ዕለተ እያ” እንክብሉ እውን ይገልጽዋ።

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ባቪየራ ሓዋያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ናብታ ማዕርገ ክህነት ዝተቐብሉላ ዕለት ምልስ ቢሎም ንኢየሱስ ቀረባ ንምዃን ዝተቐበልዎ ውህበት ብፍሉይ ከምዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ምስሊ ቢሉ የዘኻኽር።

ውህበት ክህነትን ምንጪ መበቈልን

ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል16 ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ህየንተ ቤተ ጳጳስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ገዮርግ ጋንስዋይን፡ ብሉካ ካሩሶ ዝተደርሰ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ታሪኽ ሕይወት ዘዘንትው መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝበቕዓሉ እዋን፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ማዕርገ ክህነት በነዲክቶስ መበል 16  እናሓሰቡ፥ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክብሉስ፥ “ጸዋዕታ ክህነትን ሕይወት ክህነትን ንበነዲክቶስ መበል 16 ምሉእ ሕይወቶም እዩ” እዚ ኸኣ “በምዛሕቱኡ እዋን ልክዕ ከም ዅሉ ጸዋዕታ ሕይወት ብድሆታት እውን ዘለዎ እንተኾነ፡ እሙን ኰይኖም ይቕጽሉ፡ ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ጳጳስን ካርዲናልን ደሓር እውን ከም ር.ሊ.ጳጳስን ሎሚ ከም ልሂቅ ር.ሊ.ጳጳስን መጠን እሙን ካህን ኮይኖም እዮም ዝነብሩ፥ ናይ ሕይወቶም ማእከልን ምንጭን ሸቶን ከምቲ ባዕሎም ደጋጊሞም ዝብልዎ ዝተቐበልዎ ማዕርገ ክህነት እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

30 June 2021, 15:38