ር.ሊ.ጳ. ንኦርቶዶክሳውያን፥ ነቲ ናይ ቀደም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጐዳኢ ባህርይ ነወግዶli ር.ሊ.ጳ. ንኦርቶዶክሳውያን፥ ነቲ ናይ ቀደም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጐዳኢ ባህርይ ነወግዶli 

ር.ሊ.ጳ. ንኦርቶዶክሳውያን፥ ነቲ ናይ ቀደም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጐዳኢ ባህርይ ነወግዶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን ናይ ጥዕና ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ሕጹጽ እዋን ብተደጋጋሚ “ካብዚ ቅልውላው ንላዕሊ እቲ ዝገደደ ቅልውላው ነቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ንሰናይ ዘይምጥቃሙ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣጒሊሖም፡ “ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርቲ ምብኻን እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ እዩ፥

ዕለት 28 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ድሮ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ብሜጥሮጶሊታ ኤማኑኤል ዘቀልቀዶኒያ ዝምራሕ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ርክብ  “ኮቪድ መቕዘፍቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዛ ዝሓመመት ዓለም ንጥዑይ ናብራ ምንባር መሰረት ዝኾነ ትሕትና ትምህርቲ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍቑራት ኣሕዋተይ እዚ ዘልናሉ እዋን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ ቀደም ከይመመርና ዝኣተናዮሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ካባና ንኽንኣልይን ነቲ ጉዳኢ ውድድር ንኽንሰግር ተወሳኺ ምትብባዕ እንገብረሉ ግዜዶ ኣይኩነን?” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 ሰነ 2021 ዓ.ም.  ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶስክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኮቪድ ዘስዕቦ ዘስካሕክሕ ቅልውላው “መቕዘፍቲ” ጥራሕ ካብ ምዃን ሓላፊ “ብሉጽ መጻኢ ንምሕናጽ ምሉእ ሕብረት ንኽንገብር” ዝድርኽ ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ( ከምቲ በቢ ዓመቱ ዕለት 30 ሕዳር ዝበዓለም ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ መንበረ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣምቡል ልኡካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝሳተፉን ከምኡ እውን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ዕለ 29 ሰነ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ዝፍለጥ እዩ) ነቶም  ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎም ንዘዝራረብዎም ብናይ ቀልቀዶኒያ ሜጥሮጶሊታ ኣማኑኤል ዝተመርሑ ልኡካን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ፥ እቲ ህልው ኩነታት ክልተ መገዲ ጥራሕ እዩ ዘቕርበላ፥ እቲ ቀዳማይ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ርእሰ ድሕንነት ምድላይ ዝብልን እቲ ካልኣይ ከኣ “ሓደጋ ዘስዕብ እውን ይኹን ንኻልእ ግልጽን ክፉትን ምዃን ዝብል እዚ ኸኣ ፍርያም ምዃኑ ጸጋ ኣምላኽ ዘረጋግጸጾ እዩ” ስለዚ”ንምሉእ ውህደት ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ኣየናይ ምዃኑ ንጹር እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኮቪድ ሓደ ናይ ፈተና ሰደቓ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን ናይ ጥዕና ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ሕጹጽ እዋን ብተደጋጋሚ  “ካብዚ ቅልውላው ንላዕሊ እቲ ዝገደደ ቅልውላው ነቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ንሰናይ ዘይምጥቃሙ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣጒሊሖም፡ “ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርቲ ምብኻን እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ እዩ፥ እቲ ካብኡ እንመሃሮ ትሕትና ኣብዛ ዝሓመመት ዓለም ጥዑያት ኮይንና ክንነብር ከምዘይንእኽልን ከምቲ ዝነበርናዮ ኮይንና ምንባር ዓቢይ ጌጋ ምዃኑን ብኸምዚ ክንቕጽል እውን ዝከኣል ከምዘይኮነ የተሓስበና፥

ሕጂ እውን እንተ ዀነ ናብ ንብሩ ንምምላስ ዘሎና ዓቢይ ባህጊ ነቲ ኣብ መሬት ንዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንብኽያት ድኻታትን ከምኡውን ንጥዕና መሬትና ከይተኸናኸንና ኣብ ናይ ሓሶት ድሕንነትን መኽሰብን ልምድታትን ውልቃዊ ረብሓታትን ውጥናት ከም ብሓድሽ ምምርኳዝ ዕሽነትን ነቲ ዓቢይ ባህጊ ዝዓብጥን እውን እዩ።

እቲ ዘላቕን ሓላፍን ምስትውዓል

ከም ቀደሙ ኹሉ ነገር ዝግበር ዝነበረ ክንገብር ንደሊ እንተድኣ ዄንና ዋላ ሓንቲ ከም ዘይተፈጸመ ወይ ነዚ ቕልውላው እዚ ክንሰግሮ ንደሊ እንተድኣ ዄይና ንገዛእ ርእስና ኣርዚንና ክንሓትት ይግብኣና፡ እዚ ንኹሉ ብፍላይ ከኣ ንኽርስትያን ማሕብረሰብ ዝምልከት እዩ፡ እዚ ቅልውላው እዚ እቲ ሰናይ ካብቲ ዝጐድእ እከይ ንላዕሊ ናይ ምልላይ ፍርዲ ክህሉ ይጠልብ፥

ስለዚ እቲ ቅልውላው እንታይ ዘላቕን እንታይ ሓላፍን ክንምርምርን ከነስተውዕልን ደው ቢልና ክንሓስብን ይሓትተና

ንክርስቲያን “ናብ ምሉእ ሕብረት” ንምኻድ ካብ መሰረታውያን ነገራት ጀሚሮም  “ከመይ ጌርና ናብ ሓድነት ኣሚትና ክንቅጽል ንደሊ” ዝብል ሕቶ ምቕራብ ግድን ይኸውን፡ ብኻልእ ኣገላልጻ፡ “እቲ ብሉይ ጽልኢ” ከምኡ እውን “ጐዳኢ ውደራ” ወይ ከኣ “ነዚ መናድቕ እዚ ንምፍራስ” ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድሽ ብሓባር ንቕድሚት ምስጓም ኣብ ዝብል ድላይ ዝጸንዔ ናይ ሓባር ሓድሕዳዊ ሓላፍነት ከም ዚስምዓካ ዝገበር መገዲ ምብጋስ” ማለት እዩ።

ብዘተን ፍቕርን ክፍታሕ ዘለዎ ፍልልያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ብዛዕባ ሓድነት ሕቶ ከቕርቡ ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ግን ወትሩ “ፍልልያት” ኣብ ግምት ብምእታው “ብምዝርራብን ብፍቕርን ከምኡ እውን ብሓቂ ክስግበር ኣለዎ” ይብሉ።

ንፍቕሪ ልኡም እንተድኣ ዄይና ናይ ኣምላክ መሃዛይ ፍቕሪ ዝኾነን ኣብ ፍልልያት ስኒት ዘምጽእ መንፈስ ቅዱስ ናብ እተወሃደ ማሕበረሰብ ዝመርሕ መገዲ ክኸፍት እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓ.ም. ዕለት 30 ሕዳር ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ናብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሕላለፍዎ መልእኽቲ “ኣብ መንበረ ታቦት መሰውዒ ቅዱስ ቁርባን ብምስታፍ ናብ ዝግለጽ ምሉእ ሕብረት ክንምለስ” ተስፋ እግብር እንክብሉ  ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብቲ ናይ ዕለት 28 ሰነ 2021 ዓ.ም. ነቶም ዝተቐበልዎ ልኡካን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ደጊሞም ከምዘቃልሑሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዘተ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ መንጎ ክርስትያን ሃይማኖታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድላይ ሱታፌ “ንብዙሓት ሰባት ትእምርቲ ተስፋ ከም ዚኸውን ርግጸይናታት ኢና፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክዕርዩ ዝኽእሉ ደረታውያን ትርኢታት ሕብረትን ዕርቅን ኬስፍሑ ዘተባብዖም እዩ” – “ሰላማዊ መጻኢ ኪኸፍቱ ዘኽእል እንኰ መገዲ እዚ እዩ”፡ ኣስዒቦም እውን እቲ “ትምቢታዊ” ምልክት፥ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያን ልምድታት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ጥብቂ ምትሕብባር ዘሀልው እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላምታ ንፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ኣብ መወዳእታ፥ ነቶም ናብ ሮማ ንኽመጹ ዘይከኣሉ ንናይ ቍስጥንጥና ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ፍቕራዊ ሰላምታይ አመሓላልፍ። “ናይ ብሓቂ ሓወይ” ቢሎም ንናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዘለዎም ዓሚዩቕ ርክብ ወትሩ ይምስክሩ።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒጥቅምቲ ኣብ ሮማ ከምዝጽበዮም ንገሩለይ፡ እቲ ኣጋጣሚ እውን ኣብ መበል ሳላሳ ዓመት ሕርየቶም ስለ ዝኽውን ብሓባር ንኣምላኽ ከነመስግን ኣጋጣሚ እዩ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ኣብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ከምተራኸቡን ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንኦርቶዶክሳውያን፥ ነቲ ናይ ቀደም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጐዳኢ ባህርይ ነወግዶ
29 June 2021, 18:07