ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ተረጊጻ ኣላ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከሕትቶም እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ተረጊጻ ኣላ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከሕትቶም እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ተረጊጻ ኣላ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከሕትቶም እዩ

ውግእ ዘምጽኦ ስቓይ ምራሳዕ ነቲ ናይ ጽልኢ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከም እንከላኸል ይገብረና፡ እዚ ድማ ውግእ ዘቀላጥፍ እዩ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ትምኒት ሰላም ይዓግቶ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ናብ ምድጋሙ ይመርሕ!

ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታን ሰላም ተኻኣሊ እዩ ዝብል ንኡስ ኣርስቲ ዘለዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ጽሑት እተጠቓልል ብቤት ምሕተም ቫቲካን፥ ዝተፈላለዩ ናይ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሰላምን ሕውነትን እተዛረብዎን ዘመሓላለፍዎን መልእኽታት ኣስተምህሮታትን ኣብቲ ጸጋታት ምውህሃብ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዘስፍሮም ተኸታታሊ መጽሓፍቲ ሓንቲ ዝኾነትን ብናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ዝተደርሰ መቕድም እተጠቓልል መጽሓፍ ዕለት 28 ሰነ 2021 ዓ.ም. ከማተዘርገሔት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ዘጋጠመ ዘስኻሕክሕ ነገራት፥ ክልተ ዓበይቲ ውግኣት ዓለምን ግብረ ሕልቂት መዳጐን ሰፈር ሾዋን ጃማላዊ ቕትለትን ግብረ ሽበራን ጽልኢ ዘወዓውዕ ፈነወን ዋጋ ዘይብሉ እዩ ዝመስል ከመይሲ ሎሚ እውን ከይተረፈ ሰላም ተረጊጹን ዕሽሽ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ክንዱኡስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሕዝብታትን ዘሕትቶምን መልሲ ዝህብሉን ጉዳይ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ” (ታሪኻዊት ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲት መልእኽቲ ምስል ቢሉ ዘዘኻኽር) ብዝብል ኣርእስትን ሕውነት ተኸኣሊ እዩ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣብ ዝገበረት መጽሓፍ ዘንበርዎ ጽሑፍ ብሰፊሕ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሰላም ኣብ ምድሪ ሕውነት ተኸኣሊ እዩ
ሰላም ኣብ ምድሪ ሕውነት ተኸኣሊ እዩ

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጠቓለል

እታ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመት መጽሓፍ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘመላኽት “ውህበት ምልውዋጥ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኣብ መንጐ ዘተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ርክባት ንምጒላሕ ዝዓለመ ተኸታታሊ መጻሕት ቢሉ ካብ ዝጥርንፎም ሓንቲ ክትከውን እንከላ፡ እዚ እውን እተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ናብቲ ዝጠፍአ ሱታፌ ንምምላስ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝሕብር እዩ። ናይዛ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ኣብ ምስሪ ናይ ቖጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘእስክንድሪያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ታሪኽ ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ናይ ምርሳዕ ስግኣት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝደረስዎ ጽሑፍ ራባይ ጆናታን ሳክስን ኣባ ልዊጂ ስትሩዞን ይጠቕሱ፡ ካብዞም ለሚ ዘለዉ ንሰላም ዝምነዩ ግን ከኣ ብዓመጽ ዝተተንከፉን ንሓደጋ ዝቃልዑን ኣባይቶምን ንብረቶምን ሓዲጐም ዝስደዱን ይሓስቡን እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ወለዶ እና ጠፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድሮ ንትምህርቲ ታሪኽ ንርስዕን ሕጋዊ ትምኒት ሰላም መብዛሕቲኡ ግዜ ይርገጽን ወይ ዕሽሽ ክበሃል ይርአይ ኣሎ። እዚ ውግእ ዘምጽኦ ስቓይ ክንርስዕን ነቲ ናይ ጽልኢ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንኽንከላኸል እውን ይድርኸናን ውግእ ክህሉ ይገብር። እዚ ትምህርቲ ታሪኽ ምርሳዕ ከኣ ትምኒት ሰላም ይዓግትን ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ናብ ምድጋም ይመርሕ” እንክብሉ የብርሁ።

ውግእ ዘምጽኦ ስቓይ ምራሳዕ ነቲ ናይ ጽልኢ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከም እንከላኸል ይገብረና፡ እዚ ድማ ውግእ ዘቀላጥፍ እዩ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ትምኒት ሰላም ይዓግቶ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ናብ ምድጋሙ ይመርሕ!

ሎሚ ውግእ ዳግም ከም መፍትሒ ተገይሩ ይሕሰብ

ዝዀነ ይኹን ግብረ ሰናይን ወይ ገዝእ ርእስኻ ንምክልኻልን ካብኡ ሓሊፍካ እውን ኣቐዲምካ ምጥንቓቕ ወይ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብዝብል ምስምስ ውግእ ብቐሊሉ ኣድላዪ ዝብል ግምት ክወሃቦ ይራአይ ከምዘሎ ቅዱስነቶም እንከመላኽቱ፥

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ወግእ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኣለናዶ? ኣብ ልዕሊ ፍጥርትን ተፈጥሮን ከስዕቦ ዚኽእል ሓደጋ ንፍፈልጦ ዲና? ነቲ ባርዕ ውግእ ንኸነጥፍኦን ክንዓግቶን ንጽርዕርዶ? ወይስ ኣቃልቦና ስለ እተሰርቀ ናብ ረብሓታትና ኢና እነተኩር? ወይ ከኣ እቲ ውግእ ብቕረባ ኣጸቢቑ ዘይትንክፈና ስለ ዝኾነ በዚ ዓጊብና ነስቅጥ?

ዝብሉ ሕቶታት ኣንቢሮም፥ እዚ ሕቶታት እዚ “ነቶም ስለ እቲ ዝርአ ዝቕጽል ዘሎ ወግእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ህዝብታትን ተሓተቲ ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ ሓለፍቲ ከጨንቖም እዩ ዘለዎ” እንክብሉ ተሓታትነት የመላኽቱ።

ስደተይናታትን ተመዛበልትን ልኡካን ናይ ሰላም ሕቶ

ቅድስነቶም ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሞም ዝገለጽው “እናተዀላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” ናብ ዝብል ኣምር ምልስ ቢሎም፡ “ገበንን መዓትን ህልቂትን ዕንወትን ንሕልና ዓቢይ ሕቶ እዩ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጽሕፍቶ እዩ ቢልና ተቐቢልናዮን ብህንድኣት ክንነብር ኣይከኣልን። እቲ ዘሕዝን ግን ብፍላይ ኣብተን ብግጭት ዘይተተንከፋ ሃገራት ዘጋጥም ፈተና ናይ ወግእ ሳዕቤን ዝኾነ ጸኣት ስደተይናታት ጥራሕ እዩ። ቅዱስነቶም ከምዝገልጽዎ እቶም “ናይ ውግእ መሰኻኽር ነቲ ናይ ሰላም ሕቶ ልኡካን” ንሳቶም እያቶም “ውግእ ክሳብ ክንደይ ኢሰብኣዊ ምዃኑ ብዓይንና ከም እንርእዮ ስለ ዝገብሩና።” እንክብሉ፥

ነቲ ኣብ ሕይወቶም ዘሕልፍዎ መሪር ተመክሮ ንስማዕ! ንስደተይናታት ምእንጋድ ስቓይ ዝድርትን ንሰላም ዝዕየየሉ መገዲ እዩ”

ኣይፋል ንዘይተገዳስነትን ኣይፋል ንግድ ኣጽዋር ውግእን

ስለዚ እዩ ድማ ናብ ዘይተገዳስነት ንኸይውደቕ ጻውዒት እንከቕርቡ “ከይተሓለልና ምእንቲ ሰላም ንኽንጽዕር”  ዘተሓስስቡ። እዚ እውን “ኣብቲ ግጭትን ውግእን ዘለሉ ስፍራ ብቐጥታ ስጒምቲ ክትወስዱ እኳ እንተ ዘይከኣልኵም ብዙሕ ክገብሩ ናይ ዝኽእሉ ሕዝብታት ሕሊና ምንቕቓሕ እዩ ዝኸውን” እንክብሉ ኣረጋጊጾም “ማሕበረሰብ ዓለም ወግእ ደው ኣብ ምባል ኣበርቲዑ ክዓዪ እንከሎ ኣህጉራቶም ጸቕጢ ንኽገብራ የተባብዑ”

ዘይምግዳስ ተሓባባሪ ወግእ ምዃን ማለት እዩ። እቲ ፈቖዶ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ደም ናይ ሓደ ፍጡር እውን ይዅን ድሮ ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ!

ኣጽዋር ኣናምረትካ ከመይ ገርካ እዩ ክርስቲና እየ ክትብል ዝከኣል?

ኣስዒቦም፡ “ሎሚ ነቶም ናብ ውግእ ዝመርሑ ንውልቃዊ መኽሰባት ሰላም ዘፍጥኡ፥ ናይ ገበን ጉጅለታትን ጉጅለ ማፍያን” ኮኒኖም፥ ንዓመጽ ብኻልእ ዓመጽ መልሲ ከይወሃቦ” ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት ዝበሎ ጠቒሶም፥ “ንሰይፊ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” እንክብሉ ተላብዮም፥

ህይወትን ሰናይን “ብሰይፊ” ኣይሕሎን፡ እዛ ኣበሃህላ እዚኣ ነቶም ብዓመጽ ዝኣምኑን ወይ ከኣ ዓመጽን ወግእን ምኽንያታዊ ገይሮም ንዘቕርቡ ዕሽነት እዩ። እቶም ሰይፊ ዝጥቀሙ እውን ብግዲኦም ዓመጽ የጋጥሞም እዩ። እቲ ግጭት ከኣ ሓንሳብ እንተድኣ ተወሊዑ ከምቲ ኣብዚ ግዜና እንርእይ ግጭታት እውን ሓድሓድ ግዜ ኻብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ እዩ ዝቕጽል።

ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ “ይኣክል” በሎም፡ “ሰይፊ ኣጽዋር ውግእ ዓመጽን ወግእን ይኣክል። ከመይ ኢልካ ሰይፊ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ክርስቲያን ክትከውን ትኽእል? ካልኦት ዝቐትልሉ “ኣስያፍ እናምረትካ ክርስቲያን ክትከውን እትኽእል ብኸመይ እዩ? እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ሓደገይና እተራቀ ኣጽዋር ይስራሕ ምህላዉ እዩ”። ስለዚ “ኣጽዋር ምሻጥ ከንቋርጽ ኣሎና - ነዚ ዝኸውን መመኽነይታ የለን፡ ስእነት ስራሕ እውን ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይኽእል፡ ስእነት ስራሕ ከየስዕብ ብዝብል ምስምስ ኣጽዋር ውግእ ምምራት ርትዓዊ ኣይኮነን።” ኢሎም።

መንፈስ ኣሲዚ

ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣስዚ ኣብ ዝጸውዕዎ “ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም” ኣብ ኵሉ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘርኢ ሰላም ዘሪኡ እዩ” ቢሎም፡ ዓለም ካብ 1986 ዓ.ም. ኣትሒዛ ብዙሕ ለውጢ ኣአንጊዳ እያ ገና ተአንግድ እውን ኣላ፡ እንተኾነ ግን ከም ትማሊ ሎሚ ብዝያዳ ንዓመጻ ብስም ኣምላኽ መዝነት ንምሃብ ዝግበር ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽ ዘይቅቡልን ኢርትዓውን ምዃኑ ንምምስካር እውን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ናይ ሓባር ጸሎትን ኣገዳሲ እዩ።” ይብሉ።

ውግእ ዘይብላ ዓለም ምሕላም

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምወዳእታ “ውግእ ከም ናይ ህይወት ክፍሊ ምስ ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ዓመጽ ዝዓብዪ ከም መዓልታዊ ብጻይ ፍጥረት ሰብ ገርካ ክሕሰብን ክረአይን የብሉን” ካብ ወግእ ምውጻእ የድሊ። ውግእ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ጊልያነት ክስረዝ ዝተኻእሎ ምስራዝ ከምዝከኣል እንከተሓሳስቡ፥

ነቲ ብዛዕባ ውግእ ዘይብላ ዓለም ዘሎና ትምኒት (ሕልሚ) ኣይንኽሓዶ፡ ኵሎም ህዝብታት እዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ሰላም ሓሴት ከስተማቕሩ መታን!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 June 2021, 15:43