ር.ሊ.ጳ.፥ ሊባኖስ ካብቲ ቅልውላው ተንስኢ እቲ ሰላም ዝኾነ ወጅህኺ ኣስተርእዪ!

ሊባኖስ ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ተንሲኣ ንዓለም ሰላምን ተስፋን ከም ብሓድሽ ከተስተርእይ ብምጽላይ ኵሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ምስና ክሓብር እዕድም!

ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 1 ሓምለ  2021 ዓ.ም. ናይ መላእ ቀድሮስ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብሓባር ምእንቲ ሊባኖስ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ምእምናን ክሓብሩ ተላብዮምን ዕለት ሓደ ሓምለ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰሉ ዝኽሪ መበል 160 ዓመት፡ ንናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማን ጋዜጠይናታትን ኣሰናዳእትን እንቋዕ ሓጐሰኩም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ንእትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ዘኪሮም፡ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መራሕቲ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን  ኣብ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ንሃገረ ሊባኖስ  ብሓባር ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመና ኣብዚ መደብ ጸሎት ክሓብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንፈሳዊ ሓድነት ምእንቲ ሊባኖስ

“ሓሙስ ዕለት 1 ሓምለ ፍልይቲ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ሊባኖስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ እዩ፡ ነቶም ኣብ መላእ መሬት ቄድሮስ ዘለዉ መራሕቲ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ኴንና በቲ ‘እግዚኣብሔር ንሰላም መደብ ኣለዎ’ ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣስተንፍሶ ንግበር”፥

ሊባኖስ ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ተንሲኣ ንዓለም ሰላምን ተስፋን ከም ብሓድሽ ከተስተርእይ ብምጽላይ ኵሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ምስና ክሓብር እዕድም!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘተ ጸሎትን ሽምዓ ምብራህን

ዕለት 1 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መላእ ኣብ መሬተ ቄድሮስ ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መንፍሳዊ መራሕቲ ብሓባር ነቲ ኩሉ ፍልልያትን ልምድታትን መንፈሳውን ባህላውን መግለጺታቶም ሒዞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምእንቲ እታ ኣብ ቅልውላው እትርከ ሃገረ ሊቦኖስ ሰላም ክጽልዩ እዮም፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝካየድ ጸሎት ክሓብሩን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ክደግሙን፡ ብናይ ሽምዓ ብርሃን ተሰንዮም ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ስፍራ ክሓብሩን ክጽልዩን እዮም። ድሕሪ እዚ መንፈሳዊ መደብ እዚ ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፒተሪ ዝምርሕዎ እቶም ኣብቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ዝሓበሩ ኣቡናትን ፓትሪያርካትን ዘሳተፈ ናይ ክቢ ሰደቓ ምይይጥ ክካየድ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝውሰዱ ጥቕስታት ክንበቡን ጸሎትን መንፈሳዊ መዝሙራትን ብቛንቋ ዓረብን ብሶርያን ኣርመንን ብኸለዳውን ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መንፍሳዊ ምንባባት ክቐርብ እዩ። ስዒቡ መንእሰያት  ዝተወልዐ ቀንዴል ኣብ መንበረ ታቦት ከንብሩ እያቶም፡ እዚ ኸኣ ንመጻኢ ምድሪ ቄድሮስ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዝህብዎ ተስፋ ሰላም ዝውክል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መበል 160 ዓመት ቅዋሜ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር

“ዕለት 1 ሓምለ ካልእ ዝክረ ዓመት ንምብዓል እጋጣሚ ዝኸፍት እዩ” እዚ ኸኣ “ሎሶርቫቶረ ሮማኖ” እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰሉ መበል 160 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕር ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘኪሮም፥ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኩነታት ዓለም ንኸተንብብን ክትትንትንን ዘኽእል መፍትሕ ዘቕርብ እዩ” ቢሎም ንጋዜጠይናታት ኵሎም ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እውን እንቋዕ ሓጐሰኩም ስለ ኣገልግሎትኩም ድማ አመስግን፡ ዕዮኹም ብተኣማንነትን ብምህዞን ቀጽሉ” እንክብሉ ከምዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

30 June 2021, 15:34