ርክብ ውሩይ ስፖርተይና ቅድድም ብሽክሌታ በርናል ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እታ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዙር ኢጣሊያ ዝተዓወትኩላ ብሽክሌታን ቀይሕ ማሊያን ብስም መላእ ሃገረይ ገጸ በረኸት ምስ ኣቕሪበሎምን ኣብዚ እዋን’ዚ ኮሎምቢያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቡራኬን ጸሎትን ኣዚዩ የድልያ . . . ባርኹዋን ምእንታኣ እውን ጸልዩ” እንክብሉ ከምዝሓተትዎምን ቅዱስነቶም “ከም ዝበለካዮ ክኸውን እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣጸደ ቅዱስ ዳማዞ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብቲ መደብ ዝተረኽቡ ኮሎምቢያዊ ስፖርተይና ቅድድምብሽክሌታ ናይ 2021 ዓ.ም. ዙር ኢጣሊያ ተዓዋቲ አጋን አርሊ በርናል ጎመዝ ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡን ንቕዱስነቶም እውን እታ ኣብዚ ናይ ኢጣሊያ ዓለም ሓቆፍ ዙር 2021 ዓ.ም. ዝተዓወቱላ ብሽክሌታን ቀይሕ ማሊያን ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

አጋን ኣርሊ በርናል ጎመዝ ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ዝተወልዱ፡ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ኣብ ስፖርት ቅድድም ብሽክሌታ ህቡብ እናኾኑ ዝመጹን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዙር ፈረንሳ ተዓዋትን ተሰላሚ ዋንጫ ንምዃን ዝበቕዑን ሓደ ኮሎምቢያዊ ኣብ ቅድምም ብሽክሌታ ስፖርት ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ቀዳማይ ምዃኖም ይንገር።

ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣነ ካቶሊክ እየ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ውድድር ብሽክሌታ ድማ ጸሎት እየ ዘቐድም፡ . . . ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድድም ብሽክለታ ሓደ ካብቶም ፍሉጣን ስፖርት ንምዃን በቒዑ እዩ፡ . . . ምስ ቅዱስነቶም ክራኸብ ብሓቂ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ጦብላሕታዊ ተመክሮ ካብ ኵሉ ናይ ሕይወትይ ተምክሮ እቲ ዝለዓለን እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ዙር ፈረንሳን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝረኸብክዎ ዓወት ንላዕሊ ዓቢይ ሓጐስ ዘሕደረለይ ተመርኮ እዩ”፡ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ቀሪቦምን ሰላም ምስ ተበሃሃልና ሓጺር ዘረባ እውን ተለዋዊጥና ምስ ኣብቃዕና እታ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዙር ኢጣሊያ ዝተዓወትኩላ ብሽክሌታን ቀይሕ ማሊያን ብስም መላእ ሃገረይ ገጸ በረኸት ምስ ኣቕሪበሎምን ኣብዚ እዋን’ዚ ኮሎምቢያ ናይ ር.ሊ.ጳ.  ቡራኬን ጸሎትን ኣዚዩ የድልያ . . . ባርኹዋን ምእንታኣ እውን ጸልዩ” እንክብሉ ከምዝሓተትዎምን ቅዱስነቶም “ከም ዝበለካዮ ክኸውን እዩ” ቢሎም ከምዝመለሱሎም ገሊጾም፥ እቲ ዘካየድዎ ርክብ ብፍጹም ዘይርሳዕ ተመክሮ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 June 2021, 23:00