ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ዕለት 1 ሓምለ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ዕለት 1 ሓምለ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ዕለት 1 ሓምለ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ሊባኖስ ዕለት 1 ሓምለ ቅዱስነቶም ዝሳተፍሉ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኤቅለሳውያን ማሕበረሰብን መራሕቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ ቀጻሊ “ናይ ሓባር ጒዕዞ” ዘቃልሕ ምዃኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ከቢድ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ናይ ተስፋ ብርሃን መታን ክኹላዕ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባዝሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪጽልያን ከምኡ እውን ናይ ሓባር መደብ ዘተ ምእንቲ ሊባኖስ ከሳልጣን ዘቕረብዎ መንፈሳውን ባህላውን መደብ መሰረት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ፥ እቲ መደብ “ካብ ርሑቕ ዝተጀመረ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምውን ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ዘቐጸልዎን ሎሚ ኸኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናቶም ገይሮም ዘነቓቕሕዎ እዩ” ከምዝበሉን፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር እውን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር መንግስቲ ምስ ቆመ ምናልባት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊባኖስ ሓዋርያዊ መገሻ የካይዱ ይኾኑ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣብ ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ብርቱዕ ሓደጋ ባርዕ ሓውን ኣብታ ብፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ብብርቱዕ ትሳቐ ኣብ ዘላ ሃገር መስኮት ሰላምን ተስፋን ንምርሃው ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጸወዐ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ሊባኖስ፡ ናይቲ ቅድሚ ሰላሳ ዕመት ዝተግበሰ ጒዕዞ ውጽኢት ምዃኑ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኪሮም፥ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ንዝጸዎዕዎ ዛዕባ ሊባኖስ ኣማእኪሉ ምስ ዝዘተየ ሲኖዶስን ድሕሪ እቲ ሲኖዶስ እውን ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቄድሮስ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ዝለገስዎንሊባኖስ ተስፋ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ድህረ ሲኖዶስን፡ ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ ክሳዕ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሱታፌን ምስክርነት ብዝብል ኣርእስቲ ንኽመክር ዝጸውዕዎን ዝተኻየደን ሲኖዶስ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሊባኖስ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስን ዝተተሓሓዘ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መባእታ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊባኖስ ምብጻሕ የካይዱ ይዀኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “መልእኽቲ” እንክብሉ ንዝገለጽዋ ሃገረ ሊባኖስ  ዓለም ኣቃልቦ ክገብር ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መባእታ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ መገሻ የካይዱ ይኾኑ፥ እዚ እውን ባዕሎም ናብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናብ ዒራቕ ብሊባኖስ ኣቢሎም ክሓልፉ ዕድመ ተገይሩሎም ከምዝነበረ ሓቢሮም ከምዝነበሩን ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ ዓቢይ ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ሓብሮም፡ እዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መባእታ ክውን ክኸውን ናይ ኵሉ ተስፋ እዩ ቢሎም፡ እቲ መደብ ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ሃገር መንግስቲ ንምቛም ዝተኣትወ መብጽዓ ትጽቢት ዝገበረ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ጋላገር፥ ቅድስቲ መንበር ሊባኖስ ፋሕ ዝበለት ሃገር ከይትኸውን ዘለዋ ስግኣት

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊባኖስ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ብሃንቀውታ ትጽቢት ኣብ ዝገረሉ ዘሎ እዋን ባዕሎም ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ምእንቲ ሶሪያ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝተኻየደ ዝጸውዕዎ ጸሎት መእንቲ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ 2019 ዓ.ም. እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ደቡብ ሱዳንን ስዒቡ እነሆ ምእንቲ ሊባኖስ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብሓባር ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ክጽልያ ይጽውዑ፡ “ቅድስቲ መንበር፡ ሊባኖስ ከም ሃገር ከይትፈርስ ስግኣት ኣለዋ፥ ፖለቲካዊ ሁከት ጥራሕ ዘይኮነ ብብርቱዕ  ስደት መንእሰያታ እውን ትሳቐ ዘላ ሃገር እያ፥ እዚ እውን ውሽጣዊ ሚዛና ክትስሕት ዝድራኻን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህላወ ክርስቲያናዊ ባህሊ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፡  ኣብ ሃገራት ዓረብ ዕርዲ ዴሞክራሲ ተባሂላ እትግልጸ ሃገረ ሊባኖስ ብዙሕነትን ተጻዋርነትን መንነታ ከይበርስ” ሓገዝ ክወሃባ ዘለዋ ሃገር ምዃና ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ምዃኑ ብጹዕነቶም ይሕብሩ።

መደብ፥ “ናይ ሓባር ጒዕዞ”

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ሊባኖስ ዕለት 1 ሓምለ ቅዱስነቶም ዝሳተፍሉ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኤቅለሳውያን ማሕበረሰብን መራሕቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ ቀጻሊ “ናይ ሓባር ጒዕዞ” ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብራይን ፋረል ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕው መደረ እክሕብሩ፥ ኵሎም እቶም ኣብቲ መደብ ጸሎት “ናይ ሓባር ጒዕዞ” ዝሳተፉ ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳዕ ዕለት 2 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ክእንገዱ ከምዝዀኑ ገሊጾም። ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ እውን ብወገኖም፡ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝካየድ ጸሎት ክሓብሩን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ስፍራ ክሓብሩን ክጽልዩን ምዃኖም ኣፍሊጦም እቲ መደብ ጸሎትን ኣሰንትኖን ዕጽው ከምዝኾነን ኵሎም ምእመናን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ኣብ ዘለልውሉ ስፍራ ብመንፍስ ኣብቲ መደብ ጸሎት ክሓብሩ ዕዱማት እያቶም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዙርያ ሰደቓ

ካብ ንጐሆ ክሳዕ ድሕሪ ቐትሪ እውን ሰለስተ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ምይይጥ ክካየድ ከምዝኾነን ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ጸብጻብ ከቕርብን ኣብቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ መደብ ጸሎት መዕጸዊ መንፈሳው መደብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ልኡካንን ኣብ ሮማ ዝርከቡ ሊባኖሳውያን ምእመናንን ካህናትን ደናግልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ከምኡ እውን ናይ ፖለቲካ ዓለም ወከልትን ክሳተፉ ምዃኖም ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣፍሊጦም፡ እቲ መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ዝዛዘም ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይቲ መደብ መለለዪ ትእምርቲ
ናይቲ መደብ መለለዪ ትእምርቲ

ናይቲ መደብ መለለዪ ትእምርቲ

ናይቲ ናይ ጸሎት መደብ መለለዪ ትእምርቲ ቅድስተ ማርያም ዘሃሪሳ ዑቕባ ሊናኖስ ጉዕዞ መንፍሳውያን ነጋዶ ዘመላኽት ባሕሪ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ከምዝኾነን እግዚኣብሔር መደብ ሰላም ኣለዎ ዝብልን ኣብ ታሕቲ እውን ብሓባር ምእንቲ ሊባኖስ ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ሓቢሮም፡ ኣብ መወዳእታ ስለ እቲ መደብ ጸሎት ንሊባኖስ ኣብ ሮማ ንናይ ሊባኖስ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን ልኡኽ ጋዜጠይና ቃል ምስጋና ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 June 2021, 16:10