ቃል ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳብዎ ከባቢ ንዘገልግላ እናቴ ኖርማ ቃል ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳብዎ ከባቢ ንዘገልግላ እናቴ ኖርማ 

ቃል ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳብዎ ከባቢ ንዘገልግላ እናቴ ኖርማ

ነቲ ህጹጽ ኵነታት ስደተይናታት ዚወሃብ ሓባራዊ ምላሽ “እንገዳን ዑቕባን ስንዮታን ምውህሃድን” ኣብ ዝብላ ኣርባዕተ ግሲ ዝጸንዔ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ስደተይናታት፥ “ኪእንገዱን ኪዕቆቡን ክስነዩን ክወሃሃዱን ኣለዎም” ቢሎም፡ ንእናቴ ኖርማ ፒመንተልን ነቲ ዘቖምኦ ጉጅለ ግብረ ሰናይን

ንሓዋርያዊት ልእኽቲ ኢየሱስን ኣብ ዞባ ዓቢይ ስንጭሮ ሪዮ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋእ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ኣመሓዳሪት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ኣብ ዘዳብው ከባቢ ንዝርከቡ ስደተይንታት ተቐቢለን ኣብ ምግልጋል ዝተዋፈራን እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ወጻእን ንዝመጹ ስደተይናታት ሰብኣውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ውፉይ ኣገልግሎት ንዘሳልጣ “መልኣኽ” ዝብል መጸውዕ ንዝተወሃበን ኣናቴ ኖርማ ብምስማዐ ርእየት ናይ ምስጋና ቃል ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነተን ሓዋርያዊት ልእኽቲ ኢየሱስን ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ናይ ዘዳቡው ዞባ ስንጭሮ ዓቢይ ሪዮ ጨንፈር ካሪታስ ዋና ኣመሓዳሪት  እናቴ ኖርማ ፒመንተል ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኾም በሸሓት ዝቑጸሩ ዕለት ዕለት ናብቲ ከባቢ ዝውሕዙ ላቲን ኣመሪካውያን ኣብ ዘቕርበኦ ኣገልግሎት ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመስጊኖም፡ ልክዕ ከምቲ ወንጌል “ጓና ኰይነ መጽእኹኹም ንስኻትኵም እውን ኣአንጊድኵምኒ” እንክብል ኣብ ዝገልጾ መሰረታዊ ክርስትያናዊ መትከል ዝጸንዔ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ዝርከባ ምዃነን ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።

ነቶም ብኣኽን ትወዲቦም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ኵሎም አመስግን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እናቴ ኖርማ ፒመንተል ዝሓለፈ ዕለት 3 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናብ ቅዱስነቶም ንዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ዘማእከለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ብቋንቋ ስፓኒሽ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ንስኽንን እቲ ብኣኽን ተወዲቡ ዘገልግል ዘሎ ጉጅለ ግብረ ሰናይን ስለ እቲ ውፉይ ኣገልግሎትኵም አመስግን” ቢሎም፥

“ነቶም ዝሓሸ ሕይወት ንኸናድዩን ብዙሓት እውን ብሓቂ ካብ ማሕበራዊ ገሃነን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝመዛበሉ ስደተይናታት ተቐቢልኩም ስለ እተቕርብዎ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣመስግን፡ እናቴ ኖርማ ንኣኽንን ነቲ በኣኽን ተወዲቡ ዘገልግል ዘሎ ጉጅለ ግብረ ሰናይ ኣመስግን”

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስደተይናታት ክእንገዱን ዑቕባ ኪረኽቡን ኪስንዩን ተወሃሂዶም ኪነብሩን ኣለዎም

ነቲ ህጹጽ ኵነታት ስደተይናታት ዚወሃብ ሓባራዊ ምላሽ “እንገዳን ዑቕባን ስንዮታን ምውህሃድን” ኣብ ዝብላ ኣርባዕተ ግሲ ዝጸንዔ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ስደተይናታት፥ “ኪእንገዱን ኪዕቆቡን ክስነዩን ክወሃሃዱን ኣለዎም” ቢሎም፡ ንእናቴ ኖርማ ፒመንተልን ነቲ ዘቖምኦ ጉጅለ ግብረ ሰናይን፥ “ንዅሎም ክብሮም ክቡርን ውሑስን ኮይኑ ዝነብርሉ ቦታ ንኸናድዩ ዝስደዱ ሕገዝ ንዝሓቱ ስለ እተቕርቡሎም ኵለ መዳያዊ ሓገዝ አመስግን”፡

ምእንታኹምን ምእንቲ ክሎም እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ ዜሰንዩኽም ሰባትን እጽልይ ኣምላኽ ኣብዚሑ ይባርኽኵም

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ስንጭሮ ዓቢይ ሪዮ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ቅድሚ ግንባር

እናቴ ፒመንተል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይናታት “መልኣኽ” ተባሂለን ዝፍለጣ ከምዝኾናን፡ . . . ምስቶም ስደተይናታት ሕጻናትን ኣዴታትን ኣቦታትን ኵሎም ኮይነን ስሌኦም ምስ ኣቡናትን መራኸቢ ብዙሓንን ኣመሓደርትን ፈደራላዊ ደያኑን ዝዛረባን ስሌኦም ዝጣበቓን ከምዝኾና ዝንገረለን፡ ኣብታ ንኣመሪካ ካብ መክሲኮ እትፈልያ ግዝኣት ተክሳስ ንዚርከቡ ስደተይናታት ግብረ ሰናይ ኣብ ምቕራብ ብቅድመ ግንባር ዘገልጋላ ምዃነን እውን ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽሰግሩ ዘጋጥሞም ሞት እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ሓደ ኣቦ ምስ ጓሎም ኣብቲ ርባ ዝጠሓሉ ዝተፈነወ ስእሊ ዝምስክሮ ምዃኑ እውን የመላኽት።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ሓደ ኣቦ ምስ ጓሎም ኣብቲ ርባ ዝጠሓሉ ዝተፈነወ ስእሊ
ኣብ 2019 ዓ.ም. ሓደ ኣቦ ምስ ጓሎም ኣብቲ ርባ ዝጠሓሉ ዝተፈነወ ስእሊ

ነቶም ኣብቲ ዶብ ዝርከቡ ስደተይናታት ኣብ ምቕራብ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ

እናቴ ኖርማ ኣብ ዞባ ስንጭሮ ዓቢይ ሪዮ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ረድኤት ዋና ኣመሓዳሪት ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዘን ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ተዋፊረንን ንሰን ብዝውድብኦ መደብ ግብረ ሰናይ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 23 ሺሕ ስደተይናታት ሓንጐፋይ ቢለን ተቐቢለን ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ነቶም ስደተይናታት ቀረባ ብምዃን ልብሲ ድዩ መግብን መእለይን ብምቕራብ ከይተሓለላ የገልግላ ከምዘለዋ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣባይቲ ስድራ ክራኸቡ ምርኣይ ዝፈጥረለን ዓቢይ ሓጐስ

እናቴ ኖርማ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፥ ናብቲ ዞባ ብዙሓት ስደተይናታት ከምዝውሕዙን በምዝሕቲኡ ግዜ እውን እቶም ስደተይናታት ምስታ ፋሕ ዝበለተ ስድራ ቤቶም ንኽራኸቡ ድዩ መን ኣሎን የሎን ክንገርን ዝገብራን፡ እቲ ዘቕርብኦ ኣገልግሎት “ኣብ ሕይወት ተመክሮ እምነት ካብ ምዃን ሓሊፉ ዕለት ዕለት ንኽትልወጥን ናብ ኢየሱስ ቀረባ ክትከውን ዝድርኽ ዓሚዪቕ ሰብኣውን መንፈሳውን ተመክሮ እውን እዩ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ታይም መጽሔት ኣብ 2020 ዓ.ም. ሓንቲ ካብቶም ጽልዋ ዘሕድሩ ሰባት እንክብል ከምዝገለጸን

እተን ድንግል ኣብቲ እቶም ስደተይናታት ዝርከብሉን ቅልውላው ዝረአየሉ ስፍራ ተረኺበን ብተወፋይነት ኣብ ዘግልግላሉ መዕቆቢ ስደተይናትት ዘሎ ህልው ኵነት ኦ ምሕረት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባኤን ብዛዕባ እቶም ስደተይናታትን ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ታይም መጽሔት ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ጽልዋ ካብ ዘሕድሩ ሰባት ሓንቲ እንክብል ከምዝገለጻን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

29 May 2021, 23:35