ዕለት 28 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ኤቅለስያዊ ተቕዋም ተመሃሮ ካህናት ዕለት 28 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ኤቅለስያዊ ተቕዋም ተመሃሮ ካህናት 

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅኑዕ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ባህሊ ስሩትን ንዘተ ስንድውን እዩ

“እቲ ዘድክም ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ባዶ ሃይማኖታዊ ትርኢት ኣምላኽ ተሓቢእና ኣብ ገዛእ ርእስና ንኸይንዕጸው ሓራ ምውጽኣና ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝጽገወና ጽሩይ ኣየር እዩ፡ ወንጌል ካባና ንኽምንዛዕ ኣይንፍቀድ”

ዕለት 28 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ኤቅለስያዊ ተቕዋም ማሕበረሰብ ኣባላት ካህናት ተራኺቦም ብዘተ መልእክዕ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ግልጽን ክፉትን ምይይጥ ከምዘካየዱን ነተን ኣብቲ ተቕዋም ንዘገልግላ ኣባላት ማሕበር ደናግል ሓዋርያውያን ገዳማውያን ቅድስተ ድንግል ማርያም ኣባላት እውን ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካትን

“እቲ ዘድክም ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ባዶ ሃይማኖታዊ ትርኢት ኣምላኽ ተሓቢእና ኣብ ገዛእ ርእስና ንኸይንዕጸው ሓራ ምውጽኣና ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝጽገወና ጽሩይ ኣየር እዩ፡ ወንጌል ካባና ንኽምንዛዕ ኣይንፍቀድ” እዚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኤቅለሲያዊ ተቕዋም ማሕበረሰብ ተራኺቦም ናይ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ጽሙር ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ተቕዋም ኣብ መጻኢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልኡኻን ዝኾኑ ካህናት ዝሰናደውሉ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኤቅለሲያ ተቕዋም ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን - ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡካንን ኮይኖም ንኸገልግሉ ዝሰናደውሉ ቤተ ሕንጸት ክኸውን እንከሎ፥ ሕውነትን ሕድሕዳዊ ርክብን ቅርበት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን መለለይኦም እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ተቕዋም ምስ በጽሑ ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪኖን ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ዣን ሮመዮ ፖውሎውስኪን ናይቲ ተቕዋም ናይ ቍጠባን ናይቶም ተመሃሮ ህየንተን ብጹዕ ኣቡነ ጋብርኤል ማርቸሎ ቪዮላ ካሳሎንገን ብኹሎም ካብ 25 ሃገራት ዝተዋጽኡ 38 ተመሃሮ ካህናት ናይቲ ተቕዋም ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ርክብ ዝሓለፈ ዓመት ንኽካየድ ኣብ መደብ ዝነበረ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተመሓላሊፉ ከምዝጸንሔን እነሆ ድማ ዕለት 28 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ከምእተኻየደን፥ እቲ ርክብ ብስድራ ቤታዊ ሃዋሁ እቶም ተመሃሮ ንቕዱስነቶም ሕቶ ብምቕራብ ቅዱስነቶም ብዝሃብዎ ምዕዳን ዝተሰነየ ከምዝነበረን ኣብቲ ርክብ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓዋርያዊ ተልኾ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን ጉዕዞ ሲኖዶሳውነትን ኣብ ክሌኣዊ ርክብን ብዝሓ ጐድናውነት ርክብን ኣገዳስነትን ግደን ሓዋርያውያን ልኡካንን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ጒዳያት ዝዳህሰሰ እውን ምንባር ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንፉዕ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ኬማዕብሎን ኪጥቀመሉን ዘለዎ ባህርያትን ኣቃልቦን፥ ናይ ጸሎት ሰብን ወንጌል ጽን ኣብ ምባል ክፉትን ንሕዳሴታት ክፉትን ግና ኣብ ባህሊ ቤተ ክርስቲያን ሱሩት ንዘተን ምይይጥን ክፉት ምዃን ዝብል ምዃኑ ተንቲኖም ከምዘብርሁን እቶም ተመሃሮ ካብቲ ተቕዋም ተመሪቖም ብቐጥታ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኻን ቅድሚ ምምዳቦም ሓዋርያዊ ልኡኻን ኮይኖም ቅድም ምስያሞም ንሓደ ዓመት ኣብታ ኣብ ወሰናስን ከታማትን ህልውናን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ክዋፈሩ ዝብል ኣብቲ ናይቲ ተቕዋም መምርሒ ዘተኣታተውዎ ሓዳሲ ዓንቀጽ እቶም ተመሃሮ ነቲ ዘለዎም ሰብኣውን ባህላውን ቋንቋኣውን ተመክሮ ዘሀብትም ምዃኑ እውን ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ምስቶም ተመሃሮብ ሓለፍትን ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሓቢሮም መኣዲ ድራር ተቛዲሶምን ካብቶም ተመሃሮ 13 ትምህርቶም ዘጠናቐቑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት ኣገልግሎቶም ንዝጅምሩ ኣተባቢዖምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም ነተን ኣብቲ ተቕውዋም ንዘገልግላ ናይ ሓዋርያውያን ማሕበረሰብ ደናግል ቅድስተ መርያም ኣባላት ተራኺቦምን ሰላምታ ከምእተለዋወጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 May 2021, 23:27