ኢየሱስ ከም አዕሩኽቱ ይሕብሕበና ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና ክንነብር ከኣ ይዕድመና! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ውዒልኩም!
ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ዝቀረበልና ወንጌል ዮሓ 15,9-17 ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም ሓቀኛ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ጨናፍሩ ምዃና ምስ ገለጸ እቶም አብኡ ጸኒዖም ብሕብረት ምሳኡ ዝነብሩ ዓቢ ፍረ ከምዝፈርዩ እዚ ፍረ እዚ ከኣ ፍቅሪ ምዃኑ ኣግሂዱ ይነግር። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምሳሌ ዝተጠቅሞ ከኣ ነታ ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ለበዋ እንደገና ይደግማ። ኣብዚ ግን ኣብ ፍቅሩ ክንጸንዕ እዩ ዝላቦ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና እንተነበርና ኣባና ዘለዎ ሓጐስ ምሉእ ይኸውን ከምኡ እውን ሓጐስና ኣብኡ ምሉእ ይኸውን። ስለዚኸስ ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕና ክነብር የድሊ።
እዚ ንሓጐስ ኢየሱስ ምሉእ ዝገብር ንሓጐስና እውን ምሉእ ዝገብር ፍቅሪ እዚስ ኣየንናይ ፍቅሪ ኮን ይኸውን! ኢልና እንተ ሓተትና እቲ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ንዘለዓለም ዝነብር መበቆላዊ ፍቅሪ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ዝብሎ እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ። እዚ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦ ከም ወሓዚ ማይ እዩ ካብ ኣቦ ናብ ወልድ ብኣኡ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ፍጥረታቱ ኩሎም ዝበጽሕ። ነዚ ከኣ ኣብ ፍቅዲ 9 ‘ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነ ኸኣ ንኣኹም ኣፍቀርኩኹም` ይብለና። እዚ እግዚአብሔር ኣቦ ንኣኡ ዘፍቅረሉ ፍቅሪ እዚ ገዛእ ርእሱ ስለና ከምዘወፊ ይገብሮ። ንጹሕ ፍቅሪ ምንም ረብሓ ዘይደሊ ፍቅሪ ብነጻ ዝዕደል ፍቅርኸስ እዚ እዩ። ክንገዝኦ ኣይንኽእልን ኢና ብነጻ እዩ ዝዕደል። ኢየሱስ ነዚ ፍቅሪ እዚ ይዕድለና እሞ ኣዕሩኽተይ ኢኹም ኢሉ ከም ኣዕሩኽቱ በዚ ፍቅሪ ኣዢ ይሕብሕበና። እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ከኣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ከም እንፈልጥ ይገብረና። ቀጺሉ ኣሕዋቱ ኰና ነቲ ንድሕነት ዓለም ዝተዋህቦ ተልእኮ ከም እንሳተፍ ይገብረና።
ቀጺልና ኣብ ልብና እትቅጀል ሕቶ ከመይ ከመይ ገቢርና ኢና ኣብዚ ፍቅሪ እዚ ጸኒዕና እንነብር! እትብል እያ። ነዚ ኢየሱስ ባዕሉ ይምልሸልና ኣብ ፍቅዲ 10 ‘ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም’ ይብለና። ትእዛዛቱ ኣየኖት ኢና እንተበልና ነተን 10 ትእዛዛት ብሓንቲ ጠሚሩ ‘ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩም ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ትእዛዘይ እዩ’ ይብለና። ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ምፍቃር እንክብል ቅድሚ ዝኣገረ ንኣገልግሎት ኣገልግሎት ብኣገልግሎቱ ከኣ ንኣገልግሎት ኣሕዋት ምውፋይ የድሊ። ንሱ ኣእጋር ኣርድእቱ ብምሕጻብ ነዚ እዩ ዝገበረ። እዚ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ካብቲ ከቢቡካ ዘሎ ሰብኣዊ ውሕስነታት ተፈሊኻ ካብ ጣዕሚ ዓለም ርሒቅካ ልብኻ ንካልኦት ክትከፍት ንኣገልግሎት ስንድው ክትከውን የድሊ። ምናዳ ኸኣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንዘድልዮም ድኻታትን ጽጉማትን ከተቀድም የድሊ። ከም ዘሎኻዮ ምስ ዘሎካ ዘበለ ኩሉ ክትውፈ የድሊ። ንካልኦት ብቃላት ዘይኮነ ብግብሪ ምፍቃርከስ እዚ እዩ።
ከም ኢየሱስ ምፍቃር ማለት ነቲ ብካልኦት ዝቀርበና ፍቅሪ እምቢ ክንብል ኣሎና። ከም ኣብነት ፍቅሪ ንዋይ ክንፍትነና እንከሎ ኣይፋል ኣነ ንኢየሱስ እየ ዘፍቅር ክንብል ግዲ እዩ ከመይ ንገንዘብ ዘፍቅር ንኢየሱስ ክፍቅር ኣይክእልን እዩ። ፍቅሪ ዓወት ፍቅሪ ሥልጣን ፍቅሪ ከንቱነት ክፍትኑና እንከለው ኣይፋል ክንብል ኣሎና። ከመይ እዚ ፍቅር እዚ መደናጋሪ ኰይኑ ካብ ፍቅሪ ጐይታ የርሕቀና እሞ ንኣይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ኰና ንፉጋትን ዕቡያትን ከም እንኸውን ይገብረና። ኣነነትን ትዕቢትን ንፍገትን ናብ ዕንወት ፍቅሪ ይመርሓ ንካልኦት ከምእንምዝምዝን ነቲ እንፈቅሮ ኢና እንብሎ ሰብ ምኽንያት ስቃይን ይኾና። በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፈ ፍቅሪ ከመይ ኢሉ ናብ ዓመጽ ከምዝሰጋገር እንክሓስብ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ እየን ብስም ፍቅሪ ዕለት ዕለት ግዳይ ዓመጽን ግፍዕን ዝኾና። እዚ ፍቅሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኢየሱስ ገሩ ዘፍቀረና ምፍቃር ማለት ኣብ ጐድንኻ ንዘሎ ዋጋ ምሃቡ ምፍቅሩ ምግልጋሉ ነጻነቱ ምሕላው ከምዘለዎ ምፍቃሩ እምበር ከምቲ ንሕና እንደልዮ ገርና ክነፍቅር ኣይኮነን። ፍቅሪ ነጻ ህያብ ስለዝኾነ ንማንም ሰብ ከም ዘለዎ ክነፍቅሮ ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ዝሓተና ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና ክነብር ብፍቅሩ ክነብር እምበር ኣብ ሓሳባትና ደሪቅና ኣብ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ክንተርፍ ኣይኮነን። ኣብ ኣምልኾ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ኣብ ቅድሚ መስትያት እዩ ዝነብር ተመላሊሱ ገጹ ክርኢ ይደሊ። ጐይታኸስ ካብዚ ክንወጽእ ንካልኦት ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ካብ ዝብል ፈተና ክንወጽእ ይዕድመና ኣሎ። ንካልኦትሲ ኣይተቆጻጸሮም ኣገልግሎም ደኣ! ሓቀኛ ፍቅርስ ንካልኦት ልብኻ ምኽፋትን ስለኣዕሩኽትኻ ገዛእ ርእስኻ ምውፍይን እዩ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! እዚ ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕካ ምንባር ኣበይ ኮን የብጽሓና! ኢልና እንተሓተትና ነዚ እውን ኢየሱስ ኣብ ፍቅዲ 11 ይምልሸልና ‘ሓጐሰይ ኣባኹም ይነብር ሓጐስኩም ከኣ ምሉእ ይኸውን’ ይብልና። እዚ ሓጐስ እዚ እቲ ኣብ ጐይታ ዘሎ ሓጐስ ኰይኑ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ምሉእ ውህደት እዩ። ነዚ ከኣ እዩ ኣባኡ ክህሉ ዝምነ ምሳኡ ምሉእ ውህደት ክህልወና። ሽሕ’ኳ ዘይንእመን እንተኾና እግዚአብሔር ግን ከምዘፍቅረና ምፍላጥን ብእምነት ንፈተና ሕይወት ምግጣምን ነዚ ሓጐስ እዚ ሂቡ ካብ ዝኾነ ቅልውላው ናብ ዝሓሸ ዓወት ከም እንወጽእ ይገብረና። እዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ፍሉይ መለለዪ ምልክት ሓቀኛ ክርስትያን ስለዝኾነ ሓቀኛ መሰኻኽር ብምዃን ጸኒዕና ክንነብሮ ንኽእል። ሓቀኛ ክርስትያን ብምንም ተኣምር ሕዙን ኣይኮነ ከመይ ወትሩ እዛ ሓጐስ እዚኣ ኣብቲ ሕሱም ግዜ እውን ከይተረፈ ኣብ ልቡ ኣላ።
ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕና ንምንባርን ኣብ ፍቅሪ ኩሎም ክንዓብን በዚ ከኣ ሓጐስ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንምምስካር ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፈና።